banner

ዓመታዊ በዓል ጻድቅ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ብመንፈሳዊ ድምቀት ተኸቢሩ!

ዓመታዊ በዓል ጻድቅ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ብመንፈሳዊ ድምቀት ተኸቢሩ!

ንዝክረ ዕረፍት ቅዱስ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ብምዝካር ኣብ ኵለን ብስሙ ዝተሰምያ ኣብያተ ክርስቲያናት ዓመታዊ ክብረ በዓል ክኽበር ከሎ፡ ብፍላይ ግን ኣብ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ኮኮበ ገዳም ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ገጀረት ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ፡ ውሉደ ክህነት፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽብሉ ብድምቀት ተኸቢሩ።


ነቲ ክብረ በዓል ብድሮ ብስብሐት እግዚአብሔር ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝተጋብእዎ ክጅመር ከሎ፡ ኣስዒቦም ካብ ሰዓት 8፡00 ድ.ቀ ጀሚሮም ክሳዕ ናብ ዕለት 5 መጋቢት 2011 ዓ.ም. ዘውግሕ ለይቲ ጸዳል ብርሃን ዝጉልብብ ማኅሌተ ዘመላእክት’ውን ቀጺሎሞ ኃዲሮም።

ካብ ሰዓት 10፡00 ቅ.ቀ ፈሊሙ ዑደተ ታቦት ተፈጺሙ ታቦት ኣብ ዓውደ ምሕረት ደው ምስ በለ ብሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን “ ወተቀበልዎ መላእክት በስብሐት ወበማኅሌት፡ ወአብእዎ ኢየሩሳሌም ሰማያዊት ማለት መላእክት ብስብሐትን ማኅሌትን ተቐቢሎም ናብ ሰማያዊት ኢዮሩሳሌም ኣእተውዎ” እናበሉ ያሬዳዊ ጣዕመ ዜማ ኣስሚዖም።

ተማሃሮ ትምህርተ ሰንበት ናይ’ቲ ደብሪ ብጊድኦም ነቲ ክብረ በዓል ዝገልጽ መዝሙር ኸቅርቡ ከለው፡ ቀጺሎም ኃላፊ ስብከተ ወንጌል ዘመንበረ ፓትርያርክ መሪ. ስምዖን በየነ “እመ እግዚአብሔር ምስሌነ መኑ ይክለነ/ እግዚአብሔር ምሳና እንተኾይኑ ዝቃወመና’ኸ መን’ዩ፧” ሮሜ 8፡31 ብዝብል ኣርእስተ ትምህርቲ ምስ ታሪኽ አቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ብምዝማድ ቃለ ወንጌል ኣስሚዖም።

ኣብ መወዳእታ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣቡነ ሉቃስ ቡራኬን መዛዘሚ ጸሎትን ምስ ገበሩ፡ ጸሎተ ቅዳሴ ካብ ፍርቂ መዓልቲ ክሳዕ ሰዓት ሠለስተ ድ.ቀ. ተሠሪዑ። በዚ ኸኣ ፍጻሜ ናይቲ በዓል ኮይኑ።

ብተመሳሳሊ ዕለት ኣብ ሃገረ ስብከት መንደፈራ ዝርከብ ዓቢይን ጥንታውን ማየ ጸሎት ደብረ ምሕረት ኣቡነ ገብረመንፈስ ቅዱስ ደርዓንቶ ብመሪሕነት ብፁዕ ኣቡነ ሰላማ ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ከምኡ’ውን ኣብ ሃገረ ስብከት ዓንሰባ ንኡስ ሃገረ ስብከት ሓጋዝ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ቤተ ክርስቲያን ብብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ዓንሰባ ዝተመርሐ ዑደተ ታቦትን ጸሎተ ቅዳሴን ተፈጺሙ።

ከምቲ እግዚኣብሔር ንኣብርሃም “ንዚባረኹኻ ኽባርኾም ንዚረግመካ ድማ ኽረግሞ እየ” (ዘፍ. 12፡2) ዝበሎ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን፡ ንቅዱሳን ምኽባር በረኸት ስለዘውህብ ተኽብሮም እያ። ዕለታውን ወርኃውን ዓመታውን እናዘከረት ድማ ሕዝበ ክርስቲያን በረኸቶም ከምዝሳተፉ ትገብር።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195