banner

ኣብ ዓዲ ኣንቀጾ ምረቃ ቤተ ክርስቲያን ኣቡነ ኣረጋዊ ፡ ኣብ ሓመልማሎ እምነ መሠረት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሚካኤል ተኻይዱ!

ኣብ ዓዲ ኣንቀጾ ምረቃ ቤተ ክርስቲያን ኣቡነ ኣረጋዊ ፡ ኣብ ሓመልማሎ እምነ መሠረት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሚካኤል ተኻይዱ!

ብዕለት 21 የካቲት 2011 ዓ.ም. ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ዓረዛ ኣብ ኣንቀጾ ትብሃል ዓዲ ምረቓ ናይ ቅዱስ ኣቡነ ኣረጋዊ ቤተ ክርስቲያን፣ ከምኡ ድማ ብዕለት 23 የካቲት 2011 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ስብከት ዓንሰባ ሓመልማሎ ምንባር እምነ መሠረት ሕንፀተ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሚካኤል ብብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ዓንሰባን ዋና ኣመኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክን ተኻዪዱ

ኣብዚ ሥርዓተ ምምራቕ ሓዲሽ ሕንፃ ቤተ ክርስቲያን ኣንቀጾ ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ፡ ኣበ ምኔት ገዳም ኣቡነ መርቆርዮስ ኣባ ዘሚካኤልን ፡ ሊቀ ካህናት ንኡስ ሃገረ ስብከት ዓረዛ ቀሲስ ተስፋ ጊዮርጊስ በርሀ፡ ካብ ዝተፈላለየ ቦታ ዝመጹ ገዳማውያንን ሊቃውንትንን፡ ምእመናንን ምእመናትን ተረኺቦም ነይሮም።

ብድሮ ብመሪሕነት ብፁዕ ኣቦና ዝግባእ ጸሎትን ሥርዓት ምእታው ታቦትን ምስ ተገብረ፡ ኣብዚ ሓዲሽ ሕንፃ ቤተ ክርስቲያን ብኣርባዕተ መኣዝናት ንባበ ወንጌልን ጸሎተ ኪዳንን ሥርዓተ ዋዜማን ምስ ተፈጸመ፡ ካብ ፍርቂ ለይቲ ዝጀመረ ስብሐተ ማኅሌትን ጸሎታትን በጺሑ።

ብመሪሕነት ብፁዕ ኣቦና ጸሎተ ቅዳሴ ምስ ተሠርዐ፣ ታቦት ብለባስያን ተዓጂቡ ኣብ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን ሠለስተ ሳዕ ዘይሩ ኣብ ዓውደ ምሕረት ቆመ፡ ሊቃውንቲ ነቲ ዕለት ዝምልከት ዜማ ኣስሚዖም። ቀጺሎም ሊቀ ካህናት ተስፋ ጊዮርጊስ በርሀ ኣብ ዝሃብዎ ትምህርቲ ፦ “ሕንፃ ቤተ ክርስቲያን እግዚአብሔር ዝፈቀደሉ እዩ ዝሓንፅ፡ ኣቦና ቅዱስ ዳዊት ቤተ እግዚአብሔር ክሓንፅ ይምነ ነበረ እንተ ኮነ ግና እግዚአብሔር ኣምላክ ንስኻ ዘይኮንካስ እቲ ካብ ኣብራኽካ ዝውለድ ወድኻ እዩ ዝሓንፀለይ ብዝበሎ መሠረት ኣቦና ሰሎሞን ንመጀመርታ ጊዜ ሕንፃ ቤተ እግዚአብሔር ሓኒፁ። ኣቦና ሰሎሞን ነቲ ሕንፃ ሓኒፁ ምስ ወድአ “እግዚአብሔር ኣምላክ ተገሊጽሉ፡ ነዛ ዝሠራሕካያ ቤት መቕደስ ስመይ ክሳዕ ዘለዓለም ኣብኣ ብምንባር ቀዲሰያ ኣሎኹ። ዓይነይን ልበይን ከኣ ንሓዋሩ ኣብኣ ኺነብራ እየን።” ኢሉ ናይ ዘለዓለም ቃል ኪዳን ሃቦ። ኣብዚ ጊዜና ግና ቤተ ክርስቲያን ኣየድልን ንመንደቕ ኢኹም ትሳለሙ እናበሉ ካብ በረኸት ናይ ቤቱ ንኸይንሳተፍ ዝዕንቕፉ ተዃሉ ስለዘለዉ ንጠንቀቕ፡ ካብቲ ኣብ ቤት ዝርኸብ በረኸት ንምስታፍ ድማ ንቀዳደም” ኢሎም ምሂሮም። ኣብ መወዳእታ ብፁዕ ኣቦና “ነዚ ቃለ እግዚአብሔር ንመሃረሉ፡ ንጥመቀሉ ፡ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ንቕበለሉ፡ ሞይትና ንፍትሓሉ ቤተ ክርስቲያን ንሱ እግዚአብሔር ብዝፈቐደሉ ንገባሪ ሠናይ ኣላዒሉ ሠሪሑልና ኣሎ። ንሕና ድማ ንኣገልግሎት ቤተ እግዚአብሔር ዝውዕል ግቡእ ዓሥራት በኵራት ቀዳምያት ንሃብ።" ብምባል ምስ ኣስተምሃሩ ብጸሎተ ምህላ እቲ ሥርዓተ ምረቓ ተዛዚሙ።

ሕዝበ ክርስቲያን ኣንቀጾ ክሳብ ሎሚ ኣብ ገዳም ኣቡነ መርቆርዮስ ክግልገሉ ከም ዝጸንሑ ይፍለጥ።

ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ሓዋርያዊ ዕዮኦም ብምቕጻል ኣብ ሃገረ ስብከት ዓንሰባ ሓመልማሎ ብስም ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን ንምሕናፅ እምነ መሠረት ኣንቢሮም። ኣብዚ ዕለት'ዚ መራሕ ሥራሕ ሊቀ ካህናት ቀሲስ ሣህለ፡ መራሕ ሥራሕ ሃገረ ስብከት ከረን ሊቀ ካህናት ቀሲስ መድኃኔ ከምኡ'ውን ካብ ቀረባን ርሑቕን ዝመጹ ምእመናንን ምእመናትን ተረኺቦም ነይሮም። 

‘ኣቦታትካ ዘቖሙልካ ደረት ኣይተዝብል’ ዝብል ቅዱስ ቃል ተመሪሖም ነቲ ካብ ቅድም ኣቦታቶም ብዘለዎም ፍቕሪ ብስም ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት ዝገብርዎ ዝነበሩ ዝክር መሠረት ብምግባር ከም ፍቕድ እግዚአብሔር ብስም ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን ክሓንፁ ከም ዝመደቡ ኣብቲ ዕለት ዝተረኽቡ ምእመናንን ምእመናትን ገሊጾም። 

ነዚ ተጀሚሩ ዘሎ ንምፍጻም ጸሎት ኣቦታት ከይፍለዮም ድኅሪ ምምኅፃን ነቲ ክሥራሕ ተመዲቡ ዘሎ ትሕተ ቅርጻዊ ንድፊ ብወረቐት ብምስናይ ንብፁዕ ኣቦና ኣቕሪቦም።

 

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195