በዓለ መድኃኔ ዓለም ብክብ ዝበለ መንፈሳዊ ሥነ ሥርዓት ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያናት ተኸቢሩ!

እግዚአብሔርሰ ንጉሥ ውእቱ እምቅድመ ዓለም፣ ወገብረ መድኃኒተ በማእከለ ምድር፣ አንተ አጽናዕካ ለባሕር በኃይልከ።

ዓርቢ 27 መጋቢት ጥንተ በዓለ ስቅለት ናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምኽንያት ብምግባር ብኽብ ዝበለ መንፈሳዊ ሥነ ሥርዓት ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያናት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ተኸቢሩ!
ብፍላይ ድማ ኣብ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ መካነ ሕይወት መድኃኔ ዓለም ቤተ ክርስቲያን ኦሮታ፡ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ፣ መራሕ ሥራሕ ሃገረ ስብከት አሥመራ ሊቀ ካህናት ቀሲስ ዘርአ ኣስመላሽ፡ መምህራን ሊቃውንት፡ ውሉደ ክህነት፡ ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽብሉ ተኸቢሩ።

ብድሮ ዋዜማ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ስብሐተ እግዚአብሔር በጺሑ። ምሸት ድማ ደወል ቤተ ክርስቲያን ተደዊሉ ሊቃውንት፡ ውሉደ ክህነት፡ ምእመናንን ምእመናትን ምስ ተኣከቡ ብሊቃውንት ዝተመርሐ መከራ ክርስቶስ ዘዘኻኽርን ንውዕሉቱ ዘመስግንን ሕልና ብዝምስጥ ሰማያዊ ሥርዓት ክሳዕ ረፋድ በጺሑ። ብድኅሪ እዚ ታቦት ብኽብሪ ተዓጂቡ ኣብ ቀጽሪ ሠለስተ ጊዜ ዘይሩ ኣብ ዓውደ ምሕረት ምስ ቆመ ሊቃውንት መዘምራን ጣዕመ ዜማ ኣስሚዖም።

ንጹሐነ አእምሮ ሕፃናት ኣባላት ትምህርተ ሰንበት ናይቲ ደብሪ ድማ ብሕቶን መልስን ብዛዕባ ምሥጢረ ሥጋዌ ምስ ኣቕረቡ ብዕልልታን ጣቒዕትን ሕዝበ ክርስቲያን ተሰንዮም ሠለስተ መዛሙር ዘሚሮም።

ሰባኬ ወንጌል ናይቲ ደብሪ መምህር እስጢፋኖስ ገብረአብ “ንሕነሰ ንሰብክ ክርስቶስሀ ዘተሰቅለ” 1ይ ቆሮ. 1:23 ብዝብል መሪሕ ጥቕሲ ሰፊሕ ትምህርቲ ምሂሩ።

ቃል ሰበኻ ጉባኤ፡ ብሊቀ መንበር ናይቲ ደብሪ ሰበኻ ጉባኤ መሪጌታ ተኽለአብ ምስ ተነበ፣ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ኣቦታዊ ቃለ ምዕዳንን ቡራኬን ሂቦም። ኣብ መወዳእታ ብጸሎተ ምህላ ታቦት ናብ ክብሪ ቦታኡ ምስ ተመልሰ፡ ማኅተም ኵሉ ጸሎታት ዝኾነ ጸሎተ ቅዳሴ ተሠሪዑ። ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሕዝበ ክርስቲያን ኣብ መድኃኔ ዓለም ኣምላኽና ዘለዎም ፍቕርን ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ዘለዎም ቅንአትን ብዝገልጽ መንፈሳዊ ድምቀት ተሳተፍቲ ናይዚ በዓል ኮይኖም።

ብተመሳሳሊ ኣብ ሃገረ ስብከት ዓንሰባ መድኃኔ ዓለም ቤተ ክርስቲያን ከረን፡ ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ዋና ኣመኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክን ጳጳስ ሃገረ ስብከት ዓንሰባን መምህራን ሊቃውንት፡ ውሉደ ክህነት፡ ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽብሉ ተኸቢሩ። ካብ ድሮ ቅድሚ ቀትሪ ጀሚሩ ክሳዕ ዕለቱ ረፋድ ስብሐት እግዚአብሔር ክበጽሕ ከሎ ዑደተ ታቦት ድማ ተፈጺሙ።

ንጥንተ ስቅለት ክርስቶስ ዝምልከት ስብከተ ወንጌልን መዛሙርን ዘሰነይዎ እቲ በዓል ብመሪሕነት ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ብጸሎተ ቅዳሴ ተዛዚሙ።

ካብ ቀረባን ርኁቕን ዝተጋብኡ ሕዝበ ክርስቲያን፡ መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ኣብዚ ዕለት ስለዘብጽሖም ሰማያዊ ምስጋና ከመስግኑ ከለዉ ስለ ሕዝብን ሃገርን ድማ ጸሎቶም ኣብጺሖም።