በዓለ ትስብእት 29 መጋቢት ብዓቢይ መንፈሳዊ ድምቀት ተኸቢሩ!

በዓለ ትስብእት 29 መጋቢት ብዓቢይ መንፈሳዊ ድምቀት ተኸቢሩ!

ዓመታዊ በዓለ ትስብእት 29 መጋቢት ብስብሐተ ማኅሌትን ጸሎተ ሰዓታትን ውዳሴን ቅዳሴን ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ብዓቢይ መንፈሳዊ ድምቀት ተኸቢሩ!

ብፍላይ ድማ ዋና ኣመኃዳሪ ብፁዕ አቡነ ባስልዮስ፡ ገዳማውያን፡ ውሉደ ክህነትን ብዝኂ ዘለዎም ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ሃገረ ስብከት ደቡብ መንደፈራ ኢየሱስ ቤተ ክርስቲያን (ዓዲ ባሪ) ብድምቕ ዝበለ መንፈሳዊ ሥነ ሥርዓት ተኸቢሩ።

ነቲ በዓል ዝምልከት ብዝወፀ መርሓ ግብር መሠረት፡ ካብ ዋዜማ ክሳዕ ናይ ዕለቱ ወጋሕታ ስብሐተ ማኅሌት በጺሑ። ኣሳርን ፈጻምን ኵሉ ኣገልግሎት ዝኾነ ጸሎተ ቅዳሴ ድማ ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ዝመርሕዎም ቀዳስያን ተሠሪዑ።

ብድኅርዚ ካብ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን ወፃኢ ኣብ ሰፊሕ ጎልጎል ብዝማሬ ሊቃውንትን መዛሙር ሕፃናትን ዕልልታ ኣደታትን ጣቕዒት ኣቦታትን ተሰንዩ ታቦተ ሕጉ ዘይሩ ኣብ ኣፈ ቤተ ክርስቲያን ምስ ቆመ፡ ሊቃውንት መዘምራን ነቲ በዓል ዝምልከት ብያሬዳዊ ጣዕመ ዜማ ኣሸብሺቦም።

ተማሃሮ ትምህርት ሰንበት ብወገኖም “ ኣይኃደግካንን ጐይታ ኣቦታተይ ኣብ ዝኸድክዎ ምሳይ ኴንካ ዝረገጽክዎ ኮይንለይ ለምለም እሞ ምስጋና ይኹንካ ንዘለዓለም” እናበሉ ብምዝማር ነቲ በዓል ፍሉይ ድምቀት ወሲኮምሉ።
ሊቀ ካህናት ነጋሲ ባህረ ንበዓለ ትስብዕት ዝምልከት ኣብ ምሥጢረ ሥጋዌ ዘተኮረ ሰፊሕ ትምህርቲ ምሂሮም።

ኣብ መወዳእታ አቡነ ባስልዮስ ኣብ ዘስምዕዎ ኣቦታዊ ቃለ ምዕዳን፦ “ ንደቅና ቤተ ክርስቲያኖም ነፍልጦም፣ ብዝያዳ ድማ ኣብ ትሕተ ቅርጽን ልምዓታዊ ዕዮን ቤተ ክርስቲያን ብፍቕሪ ተዋሒድና ንትጋህን ንዕየን” ምስ በሉ ብጸሎተ ምህላ ተዓጂቡ ታቦት ናብ መንበር ክብሩ ተመሊሱ። በዚ ኸኣ መፈጸምታ ናይቲ በዓል ኮነ።

ከምዝፍለጥ፡ ዕለተ በዓለ ትስብእት ሓደ ካብ ዓበይቲ በዓላተ ጐይታ ኮይኑ ኣካላዊ ቃል ኣብ ማኅፀን ቅድስት ድንግል ማርያም ናይ ዕለት ፅንሲ ኮይኑ ብጸቢብ ደረት ብሓፂር ቁመት ዝተወሰነሉ፡ ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ ዝተዋሐደሉ፡ ካብ ክልተ ባሕርይ ሓደ ባሕርይ፡ ካብ ክልተ ኣካል ሓደ ኣካል ዝኾነሉ ዕለት እዩ።።