banner

ሓድሽ ሕንፃ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ሰማዕት ቅዱስ ቂርቆስ ደቀምሓረ (ደምበዛን) ተመሪቑ!

ሓድሽ ሕንፃ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ሰማዕት ቅዱስ ቂርቆስ ደቀምሓረ (ደምበዛን) ተመሪቑ!

ብዕለት 04 ግንቦት 2011 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ስብከት ዓንሰባ ንኡስ ሃገረ ስብከት ዓተከሌዛን - ደቀምሓረ ደምበዛን ብስም ቅዱስ ቂርቆስ ሓድሽ ሕንፃ ቤተ ክርስቲያን ተመሪቑ። ኣብዚ ሥርዓተ ምረቓ ዋና ኣመኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክን ጳጳስ ሀገረ ስብከት ዓንሰባን ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ፣ ጳጳስ ሀገረ ስብከት ማእከል ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ፣ ኣበምኔት ገዳም ደብረ ሲና ፣ ሊቀ ካህናት ሃገረ ስብከት ዓንሰባ፣ ካብ ርኁቕን ቀረባን ዝመጹ ውሉደ ክህነትን፡ ምእመናንን ምእመናትን ናይቲ ዕለት በረኸት ተሳተፍቲ ኮይኖም።

ሊቃውንት መዘምራን ካብ ዋዜማ ድኅሪ ቀትሪ ዝጀመረ ስብሐተ እግዚአብሔር ከብጽሑ ከለዉ፣ ብብፁዓን ጳጳሳት ድማ ብኣርባዕተ መኣዝን ናይ ውሽጢን ደገን ቤተ ክርስቲያን ሥርዓተ ተቀብኦ ተፈጺሙ። 

ኣብ ሰዓታተ ለይቲ ናይ ሰንበት ሊቃውንት መዘምራንን ውሉደ ክህነትን ብዝግባእ ስብሓታት ምስ ኣብጽሑ፡ ብብፁዓን ጳጳሳት ዝተመርሐ ጸሎተ ቅዳሴ ተሠሪዑ።

ብድኅር’ዚ ታቦት፡ ብልብሰ ተክህኖ ዝለበሱ ውሉደ ክህነት እናተመርሐ፡ ብብፁዓን ጳጳሳትን ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ምእመናትን ተዓጂቡ ሠለስተ ሳዕ ዘይሩ ኣብ ዝተዳለወሉ ቦታ ምስ ቆመ፡ ብጣቕዒት ኣቦታትን ብዕልልታ ኣደታትን ተሰንዮም ሊቃውንት መዘምራን ምዑዝ ያሬዳዊ ዝማሬ ኣስሚዖም።

ቀጺሎም ኃላፊ ክፍሊ ስብከተ ወንጌል ዘመንበረ ፓትርያርክ መሪጌታ ስምዖን በየነ፡ “ዛቲ ይእቲ ኆኅታ ለሰማይ/ እዚኣ ኣፍ ደገ ሰማይ እያ” ብዝብል ኣርእስቲ ብዛዕባ ካብ ዘመነ ኦሪት ጀሚሩ ክሳዕ ሕጂ ዘሎ ኣመሠራርታን ኣተሓናንፃን ኣተዓቃቅባን ቤተ ክርስቲያን ዝምልከት ትምህርቲ ሂቦም። መሪጌታ ስምዖን ኣብ ትምህርቶም፡ “ እዚ ቤት’ዚ ዝተሓንፀ ክንጥመቐሉ፡ ቃሉ ክንመሃረሉ፡ ሥርየተ ኃጢኣት ክንረኽበሉ፡ ክንቘርበሉ. . . ስለዝኾነ ክንግልገለሉ ይግባእ” ኢሎም።

ብድኅር’ዚ ብፁዕ አቡነ ባስልዮስ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ “ እዚ ቤተ እግዚአብሔር ነገልግለሉን ንግልገለሉ ስለዝኾነ፡ ደቅና ሃይማኖትን ሥነ ምግባርን ተማሂሮም ናብ እግዚአብሔር ዝቐርብሉ ቤት ብምዃኑ ሕዝቢ ብትግሃት ክዓዪይ ምኽርን ማዕዳን ሂቦም። ነቶም ነዚ ቤተ ክርስቲያን ተጀሚሩ ክሳብ ዝፍጸም (ልዕሊ 10 ዓመት) ብገንዘቦምን ንዋቶምን ብጉልበቶምን ጻዕሮምን ዘገልገሉ ንዅሎም መሪቖምም። ከምኡ’ውን ኣብ መመረቕታ ዝተገብረ እንግዶትን ኣኽብሮትን ኣመስጊኖም።

ኣብ መወዳእታ ብመሪሕነት ብፁዓን ጳጳሳት፡ ቡራኬን ጸሎተ ምህላን ምስ ተገብረ ታቦት ናብ መንበረ ክብሩ ኣትዩ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195