ዝክረ በዓለ ዕረፍት አቡነ ብፁዐ አምላክ ኣብ ገዳማት ደብረ ምዕዋንን ደብረ ኰዳዱን ብድምቀት ተባዒሉ!

ዝክረ በዓለ ዕረፍት አቡነ ብፁዐ አምላክ ኣብ ገዳማት ደብረ ምዕዋንን ደብረ ኰዳዱን ብድምቀት ተባዒሉ!

ኣብ ገዳም ደብረ ምዕዋን ብፁዕ ኣቡነ ቄርሎስ ሊቀ ጳጳስ ሀገረ ስብከት ደቡብ ዓዲ ቀይሕ፡ ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ዋና ኣመኃዳሪ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ፡ ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ጳጳስ ዞባ ማእከል፣ ከምኡ’ውን ኣብ ገዳም ደብረ ኰዳዱ ብፁዕ ኣቡነ ዮሓንስ ሊቀ ጳጳስ ሀገረ ስብከት ደቡብ ድባርዋን ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ኣብ ክልተኡ ገዳማት ካብ ዝተፈላለየ ቦታ ዝመጹ ኣበምኔታት ገዳማትን ገዳማውያንን ሊቃውንትን ውሉደ ክህነትን፡ ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽቡሉ 09 ግንቦት ብኽብሪ ተባዒሉ።


ኣብ ክልቲኡ ገዳማት ከም ሥርዓተ ኣበዓዕላ በዓላት ዋዜማ ካብ ሰዓት ድ.ቀ. ምስ ተቖመ፡ ስብሐተ ማኅሌት ዘሌሊት ድማ ካብ ምሸት 10፡00 ድ.ቀ. ጀሚሩ ምስጋና እግዚአብሔር በጺሑ። ገድለ ኣቡነ ብፁዐ ኣምላክ ድማ ተነቢቡ። ጸሎተ ቅዳሴ ካብ ሰዓት 5፡30 ቅ.ቀ. ወጋሕታ፡ ኣብ ደብረ ምዕዋን ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ዝመርሕዎ ክሥራዕ ከሎ፡ ኣብ ደብረ ኰዳዱ ድማ ኣቡነ ዮሓንስ ዝመርሕዎ ተሠሪዑ። 8፡30 ቅ.ቀ. ታቦተ እግዚአብሔር ብለባስያን ውሉደ ክህነትን ብብፁዓን ኣቦታትን እናተመርሐ፡ ብሊቃውንቲ ኣቦታትን ምእመናንን ምእመናትን ተዓጂቡ ሠለስተ ሳዕ ምስ ዞረ ኣብ ዝተዳለወሉ ቦታ ደው በለ።

ኣብ ደብረ ምዕዋን ሊቃውንቲ ኣቦታት “ወደሳሁ እንዘ ይብላ ለብፁዕ ሠርፀ ጽዮን ደብረ ቢዘን ወደብረ ምዕዋን መኑ ከማከ ዘነሠተ አረፍተ ደይን” ኢሎም ምስ ኣሸብሸቡ ብፁዕ ኣቡነ ቄርሎስ ንዕለቱ ዝምልከት ትምህርቲ ምስ ገድለ ኣቡነ ብፁዐ ኣምላክ እናኣስተንተኑ ሰፊሕ ትምህርቲ ምሂሮም።

ኣብ ደብረ ኰዳዱ ድማ ሊቃውንቲ ኣቦታት ‘ጸርሐት ሲኦል ወትቤ ሰማያዊ ዘለኪፎቶ ኢይክል’ ኢሎም ምስ ኣሸብሸቡ፡ ብሊቀ ካህናት ቀሲስ ዘሚካኤል ኣብርሃም ነቲ ዕለት ዝምልከት ትምህርቲ ምስ ገድለ ኣቡነ ብፁዐ ኣምላክ ብምትእስሳር ሰፊሕ ትምህርቲ ሂቦም። ቀጺሎም ብፁዕ ኣቦና ኣቡነ ዮሓንስ ኣባታዊ ምዕዳንን ቡራኬን ምስ ሃቡ፡ ‘ሰላመ አብ’ ተባሂሉ ናይቲ በዓል ፍጻመ ኮነ።

ኣቡነ ብፁዐ አምላክ ን30 ዓመታት ብጾምን ጸሎትን ተወሲኑ ኣብ ደብረ ኰዳዱ ጽልማ እምኒ ጸሊም ምስ ተቐመጠ፡ ናብ ገዳም ደብረ ምዕዋን ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ ከይዱ ገዳም ገዲሙ ንቑሩብ ዓመታት ድኅሪ ምቕማጥ፡ ኣብ 09 ግንቦት ካብ እግዚአብሔር ኣምላኽ ቃል ኪዳን ተቐቢሉ ኣብኡ ዓሪፉ ከም ዝተቐብረ መጽሓፈ ገድሉ ይሕብር።