banner

መርሐ ግብር ጸሎተ ፍትሐትን ሥርዓተ ቀብርን ብፁዕ ኣቡነ ኣትናቴዎስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

መርሐ ግብር ጸሎተ ፍትሐትን ሥርዓተ ቀብርን ብፁዕ ኣቡነ ኣትናቴዎስ

ዝፍጸመሉ ዕለት፦ ሠሉስ 13 ግንቦት 2011 ዓ.ም.ግ. (21/05/2019 ፈ.)
ዝፍጸመሉ ቦታ፦ ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን ኣሥመራ

• ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ናብ ሠሉስ 13 ግንቦት 2011 ዓ.ም.ግ. (21/05/2019ፈ.) ዘውግሕ ለይቲ ዓሰርተው ክልተ ጊዜ ደወል ብምድዋል ጸሎተ ፍትሓት ብፁዕ ኣቡነ ኣትናቴዎስ ክጽለ ይኃድር።

• ብፍላይ ኣብ ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን (ኣሥመራ) መምህራን ሊቃውንትን ውሉደ ክህነትን ስብሓታትን ጸሎተ ፍትሓትን የብጽሑ።

• ለይቲ ሰዓት 3፡00 ቅ.ቀ፡ ኣስከሬን ብፁዕ ኣቦና ካብ መንበሪ ቤቶም ብብፁዓን ኣቦታት ተዓጂቡ ኣብ ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን ምስ በጽሐ፡ ካብ ቀጽሪ ክሳብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ፃዕዳ ልብሰ ተክህኖ ለቢሶም ካህናት ጽንሓሕ ዲያቆናት ድማ ወርቂ መስቀል ኂዞም ጥዋፍ እናብርሁ ብየማነ ጸጋም ተሠሪዖም፣ ከምኡ ድማ ተማሃሮ ትምህርተ ሰንበት ጥዋፍ ኣብሪሆም ይቕበሉ።

• ሰዓት 4፡00 ቅ.ቀ. ብመሪሕነት ብፁዓን ሊቃነ ጳጳሳትን ጳጳሳትን ጸሎተ ፍትሓት ይበጽሕ።

• ሰዓት 6፡00 ቅ.ቀ. – 7፡30 ቅ.ቀ. ብመሪሕነት ብፁዓን ሊቃነ ጳጳሳትን ጳጳሳትን ጸሎተ ቅዳሴ ይሥራዕ።

• ሰዓት 7፡30 ቅ.ቀ. ፡ መራሕቲ ሃይማኖታትን ሰበ ሥልጣን መንግሥትን ናይ ክብሪ ዕዱማትን ንሬሳ ብፁዕ ኣቡነ ኣትናቴዎስ ናይ መወዳእታ ፈነወ (Final Respect) ምስ ገበሩ ዜና መዋዕል ብፁዕ ኣቡነ ኣትናቴዎስ ይንበብ።

• 8፡45 ቅ.ቀ. – 9፡30 ቅ.ቀ ሬሳ ብፁዕነቶም ኣብ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን ምስ ዞረ ኣብ ዝተዳለወ መቃብር ሥርዓተ ግብኣተ መሬት ይፍጸም።

ኦ ጐይታ ንብፁዕ ኣቦና ዕረፍቲ ነፍሲ፡ ንኣና ድማ በረከቶም ኣኅድረልና!

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195