ሥርዓተ ቀብር ብፁዕ ኣቡነ ኣትናቴዎስ ተፈጺሙ!

ሥርዓተ ቀብር ብፁዕ ኣቡነ ኣትናቴዎስ ተፈጺሙ!

ሠሉስ 13 ግንቦት 2011 ዓ.ም. ፡ ብፁዓን ሊቃነ ጳጳሳት፡ አበምኔት ገዳማት፡ ገዳማውያን፡ ውሉደ ክህነት፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ምእመናንን ምእመናትን ከምኡ’ውን መራሕቲ ሃይማኖታትን ሰበ ሥልጣን መንግሥትን . . . ኣብ ዝተረኽብሉ ሥርዓተ ቀብር ብፁዕ ኣቡነ አትናቴዎስ ኣብ ርእሰ ኣድባራት ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን ኣሥመራ ተፈጺሙ።

ናብ ሠሉስ 13 ግንቦት 2011 ዓ.ም.ግ. (21/05/2019ፈ.) ዘውግሕ ለይቲ ኣስከሬን ብፁዕ ኣቦና፡ ብብፁዓን ኣቦታት ተዓጂቡ ናብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝተዳለዉ ቦታ ምስ ዓረፈ፡ ካብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ዝመጹ ፃዕዳ ልብሰ ተክህኖ ዝለበሱ ካህናት ጽንሓሕ ኂዞም ዲያቆናት ድማ ወርቂ መስቀል ፀይሮም ጥዋፍ እናብርሁ ብየማነ ጸጋም ተሠሪዖም፣ ብመሪሕነት ብፁዓን ሊቃነ ጳጳሳትን ጳጳሳትን እቶም ብስብሐታተ ማኅሌት ነቒሖም ዝኃደሩ ሊቃውንት መዘምራንን ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ምእመናትን፡ “መሐራ እግዚኦ ለነፍሰ አቡነ አትናቴዎስ” ኢሎም እናተቐባበሉ ጸሎተ ፍትሐት ኣብጺሖም። 

ሰዓት 6፡00 ቅ.ቀ. – 8፡15 ቅ.ቀ. ብመሪሕነት ብፁዓን አበው ጸሎተ ቅዳሴ ተሠሪዑ፡ ‘እተዉ በሰላም’ ምስ ተባህለ ታሪኽ ሕይወት ብፁዕ ኣቡነ ኣትናቴዎስ ምስ “መግለጺ ኃዘን” ናይ ሕዝበ ክርስቲያንን ሀገረ ስብከታትን ተነቢቡ።

ቀጺሎም ሊቀ ጳጳስ ኣቡነ ቄርሎስ ኣብ ዘስምዕዎ ኣባታዊ ቃል፦ “ ብፁዕ አቡነ ኣትናቴዎስ ካብታ ብንእስነቶም ዘገልገልዋ ቤቶም ናብታ ዝትስፈውዋ ዝነበሩ ገነት መንግሥተ ሰማያት ስለዝተሳገሩ ካብ ቤቶም ናብ ቤቶም እዮም ከይዶም፣ ሎሚ ብኽብሪ ንዝክሮም ኣሎና እሞ ጠሊ ይግደፉልና” ድኅሪ ምባል መልእኽቲ ሲኖዶስ ቃል ምስጋናን ምዕዳንን ኣስሚዖም።

ሰዓት 9፡00 ኣስከሬን ብፁዕ ኣቦና ብለባስያን ውሉደ ክህነትን ተመሪሑ ብብፁዓን ኣቦታትን ገዳማውያንን ሊቃውንት መዘምራን ተዓጂቡ፡ ሓንሳእ ኣብ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን ምስ ዞረ ናብቲ ዝተዳለወ መቓብር ኣምሪሑ። ጸሎተ ወንጌል ተነቢቡ፡ ጸሎተ ምህላን ምስ ተገብረ ልክዕ 9፡30 ቅ.ቀ. ሥርዓተ ግብአተ መሬት ተፈጺሙ።