banner

ብሠናይ ዕረፍቲ ብፁዕ አቡነ ኣትናቴዎስ፡ ካብ ርኁቕን ቀረባን ሕዝበ ክርስቲያን ኃዘኖም ገሊጾም!

ብሠናይ ዕረፍቲ ብፁዕ አቡነ ኣትናቴዎስ፡ ካብ ርኁቕን ቀረባን መግለጺ ኃዘን ቀሪቡ!

ኣብ ቀረባን ርኁቕን ውሽጢ ሃገርን ወፃኢ ሃገርን ዝርከቡ ሕዝበ ክርስቲያን ብሠናይ ዕረፍቲ ብፁዕ አቡነ ኣትናቴዎስ ዝተሰመዖም ኃዘን ገሊጾም።

ብፍላይ ካብ ሃገረ ስብከት ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካን ካናዳን ኣብ ዝለኣኽዎ መልእኽቲ፦ ብዕረፍቲ ብፁዕ ኣቦና ዝተሰምዖም ኃዘን ድኅሪ ምግላጽ ንሶም ብቅዱስ ሲኖዶስ ተወኪሎም ኣብ ሀገረ ስብከቶም ዝፈጸምዎ ሓዋርያዊ ዕዮ፡ ዝሃብዎ ቡራኬን ከምኡ’ውን ትሕትናኦምን ለውሃቶምን ኣባታዊ ኃላፍነቶምን ንዅሉ ምእመን ናይ ተስፋ ስንቂ ኮይንዎ ከምዘሎ ገሊጾም።

ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ብወገኖም ኣብ መግለጺኦም፦ ዕረፍቲ ብፁዕ ኣቦና ንቤተ ክርስቲያንና ዓቢይ ሃጓፍ እዩ እሞ እግዚአብሔር ኃይልን ብርትዐን ይሃባ፣ ንዅሉ ሕዝበ ክርስቲያን ድማ ጽንዓት ይሃብ ኢሎም።

ብመልእኽቶም ንብፁዕ ኣቦና ዕረፍቲ ነፍሲ፡ ነቶም ብሕይወት ዘለዉ ብፁዓን ኣበው ድማ ዕድመን ጥዕናን ዝተማኅፀኑ ከኣ ሰበኻ ጉባኤ መድኃኔ ዓለምን ቅድስት ማርያምን እስራኤል ተልኣቪቭ እዮም። 

ደብረ ብሥራት ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን (ካምፓላ - ኡጋንዳ) ከምኡ’ውን ኪዳነ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን (መልበርን ኣውስትራልያ) ብወገኖም ዝተሰምዖም ኃዘን ድኅሪ ምግላጽ ንብፁዕ ኣቦና ብጸሎተ ፍትሓት ከምዝዝክርዎም ገሊጾም።

ኪዳነ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን ኣቡዳቢን ከባቢኣን ከምኡ’ውን ኣባላት ሰበኻ ጉባኤ ኪዳነ ምሕረት ሪያድ ስዑዲ ዓረብ ኣብ መግለጺ ኃዘኖም ከምቲ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ ሠናይ ገድሊ ተጋዲለ ጒያይ ወዲአ እየ” (2ይ ጢሞ. 4፡7)ዝበሎ ብፁዕ ኣቦና ድማ ሠናይ ጕያኦም ፈጺሞም ኣለዉ’ሞ እግዚአብሔር ኣምላኽ መተካእታ ኣቦ ክህበና ፍቓዱ ይኹን ኢሎም።

ወኪሎም ብኣካል ኣብ ሥርዓተ ቀብር ዘሳተፉ ኣብ ጁባ ዝርከቡ ሕዝበ ክርስቲያን ድማ ብፁዕ ኣቦና ጠለ በረኸት ይግደፉልና፡ ጸሎቶም ኣይፈለየና ኢሎም።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195