banner

ክብረ በዓል ቅዱስ ገብርኤል ኣብ ባሕረ ነገሥታት ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን ድባርዋ ብዓቢይ ኽብሪ ተባዒሉ!

ክብረ በዓል ቅዱስ ገብርኤል ኣብ ባሕረ ነገሥታት ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን ድባርዋ ብዓቢይ ኽብሪ ተባዒሉ!

ዓመት መጽአ 19 ግንቦት ዝኽበር በዓል ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤልን ጻድቅ ኣቡነ ዓብየ እግዚእን ብስብሐታትን ጸሎተ ቅዳሴን ዑደተ ታቦትን ብዓቢይ ኽብሪ ተባዒሉ።

ብፁዕ ኣቡነ ዮሓንስ ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ድባርዋ፡ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ዋና ኣመኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክ፡ ካብ ዝተፈላለየ ቦታ ዝመጹ ገዳማውያን፣ ሊቃውንት መዘምራን፡ ውሉደ ክህነት፡ ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣብ ባሕረ ነገሥታት ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን ድባርዋ ተፈጺሙ።


ብመሠረት ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ካብ ዋዜማ ዝጀመረ ስብሐተ እግዚአብሔር ብተራዳእነት ቅዱስ ገብርኤል ብሥምረትን ድምቀትን በጺሑ። ሊቃውንት መዘምራን፡ “እግዚአ አእምሮ ገብርኤል ወዜናዌ ጥበብ ዘከሠተ ለነ ዘኮነ ሥዉረ/ ነቲ ኅቡእ ዝገለጸልና ኣብሣሪ ጥበብ ሓለቓ ፍልጠት ገብርኤል” እናበሉ ብተራዳእነቱን ጸሎት ኣቡነ ዓብየ እግዚእን ስለ ኵሉ ዓለም ንእግዚአብሔር ተማኅፂኖም።
እቲ ክጽለ ዝኃደረ ብጸሎተ ዕጣን ናብ ሰማይ ምስ ዓረገ ብመሪሕነት ብፁዓን አበው ጸሎተ ቅዳሴ ተሠሪዑ። ሕዝበ ክርስቲያን፡ ኢዶም ዘርጊሖም ሕልናኦም ሰማይ ሰቒሎም ተሠጥዎ እናተቐበሉን እቶም ዝተዳለዉ ካብ ቅዱስ ቍርባን እናቘረቡን ልክዕ ሰዓት 8፡00 ቅ.ቀ. ጸሎተ ቅዳሴ ተፈጺሙ።
ብመሠረት መርሐ ግብር፡ ታቦት ብኽብሪ ብለባስያን ውሉደ ክህነት ተሰንዩ ብብፁዓን ኣቦታት ተዓጂቡ ሠለስተ ሳዕ ዘይሩ ኣብ ዝተዳለወሉ ቦታ ምስ ቆመ፡ ነቲ በዓል ዝምልከት መልእኽቲ ብሊቀ ካህናት ኣብርሃም እስጢፋኖስ ተመኃላሊፉ።
ነቲ ዕለት ዝጠቅስ ስብከተ ወንጌል’ውን ብሊቀ ካህናት ዘሚካኤል ኣብርሃም ተዋሂቡ። ቀጺሎም’ውን ብፁዓን አበው ቃለ ምዕዳን ኣስሚዖም። ኣብ መወዳእታ ድማ ጸሎተ ምህላ ምስ ተጸለየ ታቦት ኣብ መንበሩ ነቢሩ።
ሕዝበ ክርስቲያን ከኣ በረከት ዛቲ ዕለት ተሳቲፎም፡ መክፈልተ ሠናየ ቀሚሶም ነናብ ቤቶም ብሰላም ከይዶም።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195