banner

ኣብ ሀገረ ስብከት ማእከል፡ መንፈሳዊ ንጥፈታት ንምኅያል ሓዋርያዊ ዑደት ተቓኒዑ!

ኣብ ሀገረ ስብከት ማእከል፡ መንፈሳዊ ንጥፈታት ንምኅያል ሓዋርያዊ ዑደት ተቓኒዑ!

ካብ 23 ግንቦት ክሳዕ 07 ሰኔ 2011 ዓ.ም. ኣብ ሀገረ ስብከት ማእከል ኣገልግሎት ካህናት፡ ስብከተ ወንጌል፡ ንጥፈታት ትምህርተ ሰንበት፡ ጕስነት ምእመናንን ምእመናትን ንምኅያል ሓዋርያዊ ዑደት ተቓኒዑ!

ኣብዚ ብንኡስ ሀገረ ስብከት ሰረጀቓ ጀሚሩ ኣብ ንኡሳን ሀገረ ስብከታት ጋላነፍሕን በሪኽን ሎጎ ዓንሰባን ዝተቓንዐ ዑደት፡ ሊቀ ካህናት ሀገረ ስብከት ማእከል ቀሲስ ዮናስ ዮሴፍ ዝመርሖም ናይቲ ሀገረ ስብከት ኃላፊ ስብከተ ወንጌልን ኣገልግሎት ካህናትን ሊቀ ካህናት ቀሲስ ኣሮን ተስፋልደት፡ ኃላፊ መንፈሳዊ ትምህርቲ መምህር በኵረጽዮን መንግሥተአብ፡ ኃላፊ ፋይናንስ ቀሲስ ዓንዶም ተክለጊዮርጊስ ከምኡ’ውን ኃላፊ ክፍሊ ትምህርተ ሰንበት ዘበንበረ ፓትርያርክ ቀሲስ ተክሎም ተስፋልደት ተሳቲፎም።

በብኃላፍነት ሥራሖም ነፍሲወከፎም ገምጋማዊ ሓበሬታን መተባብዒ መልእኽትን ምስ ሃቡ ካብ ተጋባእቲ ውሉደ ክህነትን ኣባላት ሰበኻ ጉባኤን ሕቶን ርእይቶን ቀሪብሎም።

በዚ ዝተገብረ ዑደት፡ መንፈሳዊ ኣገልግሎትን ካህናትን ስብከተ ወንጌልን ብስፍሓት ክሥርሓሉ ከምዝግባእ ክግምገም ከሎ ኣብ ፋይናንሳዊ ኣተኃኅዛ ኣፍልጦ ክዓቢ ከምዘለዎ ተገሊጹ።

ከምኡ’ውን ንጥፈታት ትምህርተ ሰንበት ኣብ ኵለን ንኡሳን ሀገረ ስብከታት ብኣላይነት ውሉደ ክህነት ክኅይል ከም ዝግብኦ ተሓቢሩ። ኣብ ኣገልግሎቶም ኃይሊ፡ ኣብ ርድኢቶም ፍልጠት ከምዝወሰኸሎም ድኅሪ ምግላጽ ብሥሩዕ ከምዚ ዝበለ ዑደት ክቕጽል ብተጋባእቲ መተሓሳሰቢ ቀሪቡ።

ኣብ ሀገረ ስብከት ማእከል፡ ኣብ ኣርባዕተ ንኡሳን ሃገረ ስብከታት ዝጥርነፋ 111 ኣብያተ ክርስቲያንናት ከም ዘለዋ ይፍለጥ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195