banner

ዝክረ ዕለተ ሰማዕታተ ኤርትራ ብጸሎተ ፍትሓት ተዘኪሩ!

ዝክረ ዕለተ ሰማዕታተ ኤርትራ ብጸሎተ ፍትሓት ተዘኪሩ!

ኣብ ሥጋዊ ሕይወት ኮነ መንፈሳዊ ሕይወት ቀይሕ ደም ከይፈሰሰ ፃዕዳ ዓፅሚ ከይተኸስከሰ ብዘይ መሥዋዕቲ ናፅነት ኣይርከብን’ዩ። ሃገርካ ኪወርር፡ ሕዝብካ ኬሕስር፡ ሃይማኖትካ ኪቕይር፡ ንዝመጸካ ምክልኻልን ክሳዕ ሞት ዝበጽሕ መከራ ምቕባልን ዘሎ እዩ። ሰማዕታት ኤርትራ ድማ ምእንቲ ፍቕሪ ሃገርን ሕዝብን ኣዕፅምቶም ኸስኪሶም፡ ደሞም ኣፍሲሶም ፍረ ናፅነት ሃገር ስለዝፈረዩ ወትሩ ኣብ ጸሎታ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን “ንሰማዕታተ ሃገር ዕረፍቲ ነፍሲ ሃቦም” እናበለት ናብ እግዚአ ሕያዋን እግዚአብሔር ምስ ለመነት እያ።

ብደረጃ ሃገር ዝክረ ሰማዕታት ምስ ዝኽበረሉ ዕለት ብምዝማድ፡ ዓመት መጽአ 12 ሰነ ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ብፍላይ ድማ ብደረጃ ሃገር ኣብ ደብረ ሣህል ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን (ቤት መኻ) ጸሎተ ፍትሓት ከምዝግበር ፍሉጥ እዩ።

እንሆ ድማ ሎሚ ዓመት 2011ዓ.ም. ብደረጃ ሃገር ኣብ ደብረ ሣህል ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝተገብረ ጸሎተ ፍትሓት ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ዋና ኣመኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክ፡ ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ሊቀ ጳጳስ ሀገረ ስብከት ማእከል፡ ኣመኃደርቲ ሰበካ ጉባኤያት፡ ውሉደ ክህነት፡ ምእመናንን ምእመናትን፡ ኣካላት መንግሥትን ካልኦት ዕዱማት ኣጋይሽን ተሳተፍቲ ነይሮም።

ብመሠረት ዝወፀ መርሐ ግብር፡ ካብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ዝተዋፅኡ ለባስያን ካህናት ብሥሙር ድምፂ ‘ጸሎት በእንተ ሙታን (እግዚአ ሕያዋን)’ ብዜማ ከብጽሑ ከለዉ፡ ኵሉ ሕዝቢ ድማ ኣብ መምዕራፉ ንነፍሳት ኵሎሙ ሰማዕታተ ኤርትራ ኣዕርፍ እናበለ ይቕበሎም ነበረ።

‘ጸሎተ ንስሓ’ ተጸልዩ ጸሎተ ወንጌል ምስ በጽሐ፡ ዲያቆናት ካብ መዝሙር ዳዊት “ወይርአዩ አሕዛብ በቅድመ አዕይንቲነ በቀለ ደሞሙ ለአግብርቲከ ዘተክዕወ ይባእ ቅድሜከ ገዓሮሙ ለሙቅሐን / ሕነ ናይቲ ኣገልገልትኻ ዝኸዓውዎ ደሞም ኣሕዛብ ኣብ ቅድሚ ኣዕይንትና ይርኣዩ፡ ገዓር (ልመና) እቶም እሡራት’ውን ኣብ ቅድሜኻ ይብጻሕ” (መዝ. 78/79፡10) እናበሉ ምስ ሰበኹ፡ ብብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ካብ ወንጌል ዮሐንስ (15፡7-13) ኣንቢቦም።

 

ቀጺሎም ሊቃውንት መዘምራን ያሬዳዊ ዜማ ምስ ኣስምዑን ኣሸብሸቡን፡ ሰባኬ ወንጌል መሪጌታ ስምዖን በየነ ነቲ ዕለተ ሰማዕታት ምስ ቃለ እግዚአብሔር ብምትእስሳር ሰፊሕ ትምህርቲ ምሂሮም።

ኣብ መወዳእታ ድማ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሕዝበ ክርስቲያን፡ ልቦናኦም ሰቒሎምን ኣእዳዎም ዘርጊሖምን ብኣንቃዕድዎ “እግዚአብሔር ኣምላኽ ንዝሞቱ ዕረፍቲ ነፍሲ፡ ንዝሰንከሉ ተስፋ፡ ንሥድራ ቤት ድማ ምጽንናዕ ክህብ’’ ብጸሎተ ምህላ ተማሕፂኖም። ጸሎተ ቅዳሴ'ውን ብመሪሕነት ብፁዓን ጳጳሳት ምስ ተሠርዐ ፍጻሜ ናይቲ ዕለተ ዝክረ ሰማዕታት ኮነ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195