banner

ዜና ዕረፍት ብፁዕ አቡነ ሰላማ !

ዜና ዕረፍት ብፁዕ አቡነ ሰላማ !

ኣባል ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራን ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ደቡብ መንደፈራን ኮይኖም ከገልግሉ ዝጸንሑ ብፁዕ ኣቡነ ሰላማ፣ ሎሚ ዕለት 12 ነሓሰ 2011 ዓ.ም.ግ (18/08/2019 ዓ.ም.ፈ) ፍርቂ ለይቲ ብምኽንያት ሕማም ኣብ መበል 92 ዓመት ዕድመኦም ዓሪፎም። ብፁዕ ኣቦና፡ ቅድም ኣብ ሆስፒታል መንደፈራ ደኃር ድማ ኣብ ሆስፒታል ደምበ ሰምበል ኣሥመራ ሕክምናዊ ረድኤት እናተገብረሎም እዮም ዓሪፎም።

ሥርዓተ ቀብር ብፁዕ ኣቦና ድማ ብመሠረት ቅዱስ ሲኖዶስ ሠሪዕዎ ዘሎ መርሐ ግብር፦ ናብ ሠሉስ ዕለት 14 ነሓሴ 2011 ዓ.ም. (20/08/2019 ፈ.) ዘውግሕ ለይቲ ሰዓት 4፡00 ቅ.ቀ. ኣብ ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን ጸሎተ ፍትሓት ምስ በጽሓሎም፣ ሥነ ሥርዓት ቀብሮምን ግብአተ መሬትን ድማ ሰዓት 2፡00 ድኅሪ ቀትሪ ኣብታ ተመሂሮም ዝዓበዩላን ዘገልግልዋን ጥንታዊት ገዳሞም - ገዳም ደብረ ሲና ቅድስት ማርያም ኪፍጸም ምዃኑ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣፍሊጡ።

ጠለ በረከት ይግደፉልና!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195