banner

ኣብ ጉዳይ ምቋም ኮሚተ ኣርቃቒ ሕጊ ምርጫ ቅዱስ ፓትርያርክ ዝምልከት ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ተቓኒዑ!

ኣብ ጉዳይ ምቋም ኮሚተ ኣርቃቒ ሕጊ ምርጫ ቅዱስ ፓትርያርክ ዝምልከት ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ተቓኒዑ!

ብዕለት 22 ነሓሴ 2011 ዓ.ም. (28/08/2019 ፈ.)፦ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ዘቃንዖ ጉባኤኡ ኣብ ጉዳይ ምቋም ኮሚተ ኣርቃቒ ሕጊ ምርጫ ቅዱስ ፓትርያርክ ዝምልከት ኣስፊሑ ተዘራሪቡ።

በዚ መሠረት ሕጊ ቤተ ክርስቲያን (ቃለ ዓዋዲ) ኤርትራ ብዘማእከለ ኣገባብ፣ ፍትሓ ነገሥት መንፈሳዊን ዓበይትን ንኡሳን ጉባኤታትን ቀኖናተ ቤተ ክርስቲያን ብምምርማር፣ ኣኃት ኦርየንታል ኣብያተ ክርስቲያን ንዝግልገላሉ ሕጋጋት ብምንጽጻር፣ ምስ ህልዊ ዓቕምን ኵነታትን ቤተ ክርስቲያንና ዝሳነ ኣማኸርቲ ሕጊ ዝርከብዎም ካብ ኵሎም ኣካላት ቤተ ክርስቲያን ማለት ካብ ገዳማውያን፣ ሊቃውንት፣ ውሉደ ክህነት፣ ምእመናን፣ መንእሰያት ትምህርተ ሰንበት ተዋፂኡ ሓደ ኮሚተ ክቐውም እሞ ንሕጊ ምርጫ ቅዱስ ፓትርያርክ ኣርቂቑ ጸብጻባቱ ናብ ቅዱስ ሲኖዶስ ከቕርብ ተሰማሚዑ።

ኣብ ዝኃለፈ ዕለት 10 ሓምለ 2011 ዓ.ም. (17/07/2019 ፈ.) ዓቃቤ መንበር ብሥሙር ድምጺ ከምዝሠየመ ዝዝከር ኮይኑ፣ ከም መቐጸልታኡ ድማ ብቀጻሊን በብመሥርዑን ክግበሩ ብዛዕባ ዘለዎም መደባት ኣብ ምሕንጻጽ ሰፊሕ ምክረ ዘተ ኣካዪዱ።

ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ጉዳይ ህልዊ ኵነታት ንዝወሃብ ዘሎ ሰነዳዊ ጽሑፋትን ቪድዮን መግለጽታት ድኅሪ ምግምጋም ቃለ ምዕዳን ኣመኃላሊፉ። ኣብ ዘመኃላለፎ ቃለ ምዕዳን ድማ እቶም ብስም ሣልሳይ ፓትርያርክ ነበርን ካልእ ዕላማታትን ምኽንያት ገይሮም ንነዊኅ ዓመታት ሕዝበ ክርስቲያን ከደናግሩ ዝጸንሑ ኣካላት መንነቶም ይቃላዕን መተዓይዪቶም’ውን በዓል መን ምዃኖም ተጋሂዱን ምህላዉ ኵሉ ከስተውዕሎ ከምዝግባእ፣ ብፍላይ ሥዩማን ኣገልገልትን ምእመናንን ምእመናትን ነቒሖም ኣብ ሃይማኖቶም ጸኒዖም ክጓዓዙ፣ ተጋግዮምን ተደናጊሮምን ዝጸንሑ ከኣ ብንስሓ ክምለሱ፣ ብሕጂ’ውን ዝተፈላለየ መልክዕን ሥጋዊ ዕላማን ኂዞም ንመጓሰ ቤተ ክርስቲያን ክከፋፍሉ ንዝደልዩ መንጠልቲ ተዃሉ ዕቱብ ምክትታል ክግበረሎም መልእኽቱ ኣመኃላሊፉ።

ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ብዘይካ’ዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ዛዕባ ብተወሳኺ’ውን ምስ ገዳማት ኤርትራ ኣገዳሲ ዘተ ኣካዪዱ እዩ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195