banner

ዝክረ ዕረፍት ሓዲስ ሓዋርያ ዘምድረ ኣግዓዚ አቡነ ተክለሃይማኖት ብኽብሪ ተባዒሉ!

ዝክረ ዕረፍት ሓዲስ ሓዋርያ ዘምድረ ኣግዓዚ አቡነ ተክለሃይማኖት ብኽብሪ ተባዒሉ!

ቅዱስ ኣቦና ኣቡነ ተክለ ሃይማኖት፡ ካብ ኣምላኩ ቃል ኪዳን ተቐቢሉ ኣብ መበል 99 ዓመቱ ብዕለት 24 ነሓሴ ምስ ዓረፈ፡ ቅዱሳን መላእኽት እናዘመሩ ንነፍሱ ክቕበልዋ ከለዉ፡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ኣክሊለ ጽድቅ ሂቡ ናብ ዘለዓለማዊ ዕረፍቲ ኣእተዎ።

በዚ መሠረት፡ ዓመት መጽአ ዝክረ ዕረፍት አቡነ ተክለሃይማኖት 24 ነሐሴ ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያናት ክዝከር ከሎ፡ ብፍሉይ ግና ኣብ ሃገረ ስብከት ማእከል፡ አቡነ ተክለሃይማኖት ቤተ ክርስቲያን (ቁሸት) ብድሙቕ መንፈሳዊ ሓበን ተኸቢሩ።

ካብ ድሮ’ቲ በዓል ጀሚሩ ሥርዓተ ዋዜማ፡ ስብሐተ እግዚአብሔር በጺሑ። ቀጺሉ’ውን መምህራን ሊቃውንት፡ ተማሃሮ ደቀ መዛሙርት፡ ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ምእመናትን ዝተሳተፍሉ .. .. ..

ነቲ ዕለት ዝምልከት ስብሐተ ማኅሌት ምስ በጽሐ ዑደተ ታቦት ካብ 10፡00 ቅ.ቀ. ክሳዕ ፍርቂ መዓልቲ ተፈጺሙ። ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን ዑደት ገይሩ፡ ኣብ ዓውደ ምሕረት ምስ ቆመ፡ ንቕድም ሊቃውንት መዘምራን ጣዕመ ዜማ ኣስሚዖም።

ቀጺሎም ተማሃሮ ትምህርቲ ሰንበት፡ “ሃሌ ሉያ በዕለተ ተክለ ሃይማኖት” እናበሉ ወረብ ምስ ኣቕረቡ ብመልአከ ምሕረት ቀሲስ ገብረንጉሥ ዘአማኑኤል ምስ ታሪኽን ኣማላድነትን ኣቡነ ተክለ ሃይማኖት ዝተተኃኃዘ ትምህርቲ ተዋሂቡ። ምህላን ጸሎትን ተገይሩ ታቦት ናብ መንበሩ ምስ ተመልሰ ብጸሎተ ቅዳሴ ፍጻሜ ናይቲ በዓል ኮይኑ።

ብተመሳሳሊ'ውን ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ዝተሳተፍዎ ኣብ ኣቡነ ተክለ ሃይማኖት ጊንዳዕ ብኽብሪ ተባዒሉ እዩ።

ብሓቂ አቡነ ተክለሃይማኖት፡ ምሉእ ሕይወቶም ንእግዚአብሔር ዝወፈዩ፡ ብትምህርቶምን ጸሎቶምን ብርሃን ጽድቂ ዘብርሁ ‘ፀሐይ’ እዮም እሞ፡ እግዚአብሔር ኣምላኽ ከም አቡነ ተክለሃይማኖት ዝበሉ ብሃይማኖቶም ፍጹማን፡ ብተግባሮም ርቱዓን፡ ብትምህርቶምን ጸሎቶምን ዘብርሁ፡ መምህራንን ኣቦታትን ከብዝኃልና ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195