banner

በዓለ እግዝእትነ ማርያም ደብረ ምጥማቅ ብኽብሪ ተባዒሉ!

በዓለ እግዝእትነ ማርያም ደብረ ምጥማቅ ብኽብሪ ተባዒሉ!

ክብረ በዓል 21 ግንቦት በዓለ እግዝእትነ ማርያም ደብረ ምጥማቅ ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ክኽበር ከሎ፡ ብፍላይ ኣብ ገዳም ደብረ ሲና ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ዋና ኣመኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክን ጳጳስ ሀገረ ስብከት ዓንሰባን፡ ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ማእከል፡ ካብ ዝተፈላለየ ቦታ ዝመጹ ናይ ገዳም ኣበምኔታትን ገዳማውያንን፡ ሊቃውንት፡ ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽብሉ ብመንፈሳዊ ብኽብሪ ተባዒሉ።

20 ግንቦት ካብ ሰዓት 2፡00 – 6፡00 ድ.ቀ. ዋዜማ ምስ ተቖመ፡ ካብ ሰዓት 9፡00 ድ.ቀ. ናይ ምሸት ኣትኂዞም ድማ ሊቃውንትን ውሉደ ክህነትን ስብሓተ ማኅሌት ኽቖሙ ኸለዉ ኣዴታትን መንእሰያትን ብወገኖም ድማ ኣብ ወለንሳ ክማህለሉ ኃዲሮም።

ተውሳክ፡ . . . በዓለ እግዝእትነ ማርያም ደብረ ምጥማቅ ብኽብሪ ተባዒሉ!

ክብረ በዓል ቅዱስ ገብርኤል ኣብ ባሕረ ነገሥታት ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን ድባርዋ ብዓቢይ ኽብሪ ተባዒሉ!

ክብረ በዓል ቅዱስ ገብርኤል ኣብ ባሕረ ነገሥታት ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን ድባርዋ ብዓቢይ ኽብሪ ተባዒሉ!

ዓመት መጽአ 19 ግንቦት ዝኽበር በዓል ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤልን ጻድቅ ኣቡነ ዓብየ እግዚእን ብስብሐታትን ጸሎተ ቅዳሴን ዑደተ ታቦትን ብዓቢይ ኽብሪ ተባዒሉ።

ብፁዕ ኣቡነ ዮሓንስ ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ድባርዋ፡ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ዋና ኣመኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክ፡ ካብ ዝተፈላለየ ቦታ ዝመጹ ገዳማውያን፣ ሊቃውንት መዘምራን፡ ውሉደ ክህነት፡ ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣብ ባሕረ ነገሥታት ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን ድባርዋ ተፈጺሙ።

ተውሳክ፡ . . .ክብረ በዓል ቅዱስ ገብርኤል ኣብ ባሕረ ነገሥታት ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን ድባርዋ ብዓቢይ ኽብሪ ተባዒሉ!

ጉባኤ ወለንታውያን ሓካይም ኣብ ኣዳራሽ መንበረ ፓትርያርክ ተቓኒዑ!

ጉባኤ ወለንታውያን ሓካይም ኣብ ኣዳራሽ መንበረ ፓትርያርክ ተቓኒዑ!

ብዕለት 17 ግንቦት 2011 ዓ.ም. (25/05/2019 ዓ.ም.ፈ.)፡ ብፁዓን ኣቦታትን መራሕቲ ኣብያተ ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክን ኃለፍቲ ክፍልታትን ከምኡ’ውን ሰብ ሞያ ሕክምናን ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣብ ኣዳራሽ መንበረ ፓትርያርክ ጉባኤ ወለንታውያን ሓካይም ተቓኒዑ!

ተውሳክ፡. . . ጉባኤ ወለንታውያን ሓካይም ኣብ ኣዳራሽ መንበረ ፓትርያርክ ተቓኒዑ!

በዓለ ግዕዛነ ኤርትራ ኪዳነ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን (ፓራዲዞ/ማይተመናይ) ብመንፈሳዊ ሓበን ተኸቢሩ!

"ኣደ ጐይታና ሓበን ናትና ዝኾንኪ ድንግል ማርያም ኪዳንኪ ኃይልናን ጸግዕናን ኢኻ ”

በዓለ ግዕዛን ዘውእቱ ግዕዛነ ኤርትራ ኪዳነ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን (ፓራዲዞ/ማይተመናይ) ብመንፈሳዊ ሓበን ተኸቢሩ!

ዓርቢ 16 ግንቦት ብኃይሊ እግዚአብሔርን ኣማላድነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን ዝተረኽበ ናጽነት ኤርትራ ንምዝካር፡ ሎሚ ዓመት ንመበል 28 ዓመት ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ክኽበር ከሎ ብፍሉይ ድማ ኣብ መካነ ገነት ኪዳነ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን ፓራዶዞ/ማይተመናይ ካብ ዋዜማ ጀሚሩ ብማኅሌትን ቅዳሴን ዑደተ ታቦትን ክብረ በዓል ተኸቢሩ።

ኣብዚ ብፁዓን ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ማእከል፡ ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ዋና ኣመኃዳሪ መንበረ ታርያርክ፡ ከምኡ’ውን ካብ ዝተፈላለየ ቦታ ዝመጹ ሊቃውንት መምህራን፡ ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ምእመናትን ዝተረኽቡሉ በዓል፡ ብመንፈሳዊ ሥርዓት ተባዒሉ።

ተውሳክ፡ . . . በዓለ ግዕዛነ ኤርትራ ኪዳነ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን (ፓራዲዞ/ማይተመናይ) ብመንፈሳዊ ሓበን ተኸቢሩ!

ብሠናይ ዕረፍቲ ብፁዕ አቡነ ኣትናቴዎስ፡ ካብ ርኁቕን ቀረባን ሕዝበ ክርስቲያን ኃዘኖም ገሊጾም!

ብሠናይ ዕረፍቲ ብፁዕ አቡነ ኣትናቴዎስ፡ ካብ ርኁቕን ቀረባን መግለጺ ኃዘን ቀሪቡ!

ኣብ ቀረባን ርኁቕን ውሽጢ ሃገርን ወፃኢ ሃገርን ዝርከቡ ሕዝበ ክርስቲያን ብሠናይ ዕረፍቲ ብፁዕ አቡነ ኣትናቴዎስ ዝተሰመዖም ኃዘን ገሊጾም።

ብፍላይ ካብ ሃገረ ስብከት ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካን ካናዳን ኣብ ዝለኣኽዎ መልእኽቲ፦ ብዕረፍቲ ብፁዕ ኣቦና ዝተሰምዖም ኃዘን ድኅሪ ምግላጽ ንሶም ብቅዱስ ሲኖዶስ ተወኪሎም ኣብ ሀገረ ስብከቶም ዝፈጸምዎ ሓዋርያዊ ዕዮ፡ ዝሃብዎ ቡራኬን ከምኡ’ውን ትሕትናኦምን ለውሃቶምን ኣባታዊ ኃላፍነቶምን ንዅሉ ምእመን ናይ ተስፋ ስንቂ ኮይንዎ ከምዘሎ ገሊጾም።

ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ብወገኖም ኣብ መግለጺኦም፦ ዕረፍቲ ብፁዕ ኣቦና ንቤተ ክርስቲያንና ዓቢይ ሃጓፍ እዩ እሞ እግዚአብሔር ኃይልን ብርትዐን ይሃባ፣ ንዅሉ ሕዝበ ክርስቲያን ድማ ጽንዓት ይሃብ ኢሎም።

ተውሳክ፡ . . . ብሠናይ ዕረፍቲ ብፁዕ አቡነ ኣትናቴዎስ፡ ካብ ርኁቕን ቀረባን ሕዝበ ክርስቲያን ኃዘኖም ገሊጾም!

ሥርዓተ ቀብር ብፁዕ ኣቡነ ኣትናቴዎስ ተፈጺሙ!

ሥርዓተ ቀብር ብፁዕ ኣቡነ ኣትናቴዎስ ተፈጺሙ!

ሠሉስ 13 ግንቦት 2011 ዓ.ም. ፡ ብፁዓን ሊቃነ ጳጳሳት፡ አበምኔት ገዳማት፡ ገዳማውያን፡ ውሉደ ክህነት፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ምእመናንን ምእመናትን ከምኡ’ውን መራሕቲ ሃይማኖታትን ሰበ ሥልጣን መንግሥትን . . . ኣብ ዝተረኽብሉ ሥርዓተ ቀብር ብፁዕ ኣቡነ አትናቴዎስ ኣብ ርእሰ ኣድባራት ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን ኣሥመራ ተፈጺሙ።

ተውሳክ፡ . . . ሥርዓተ ቀብር ብፁዕ ኣቡነ ኣትናቴዎስ ተፈጺሙ!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195