banner

ነጋድያን ሀገር ቅድስት ኢየሩሳሌም ምድላዋቶም የጻፍፉ ኣለዉ!

ነጋድያን ሀገር ቅድስት ኢየሩሳሌም ምድላዋቶም የጻፍፉ ኣለዉ!

ብመሪሕነት ቅዱስ ሲኖዶስን ብማእከልነት ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ተማእኪሉ ዝሥራዕ ንግደት ናብ ሀገረ ቅድስት ኢየሩሳሌም ንምስታፍ፡ ነጋድያን በብሃገረ ስብከቶም ድኅሪ ዝተኻየደ ምዝገባን ዕጫን ከምኡ’ውን ቕጥዕታት ምምላእን ገንዘብ ምኽፋልን ዘድሊ መንፈሳዊ ኣኼባታትን ብሓፈሻ ካብ ወርኀ የካቲት ዝጀመረ ምድላዋቶም የጻፍፉ ኣለዉ!

ተውሳክ፡ . . . ነጋድያን ሀገር ቅድስት ኢየሩሳሌም ምድላዋቶም የጻፍፉ ኣለዉ!

ኣብ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ጉባኤ ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበት ተቓኒዑ!

ኣብ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ጉባኤ ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበት ተቓኒዑ!

ብዕለት 11 መጋቢት 2011 ዓ.ም. (20 /03/19 ፈ.) ኣብ ኣዳራሽ መንበረ ፓትርያርክ፣ ብኃላፊ ክፍሊ ትምህርቲ ሰንበት ዘመንበረ ፓትርያርክ ዝተመርሐ ምስ ናይ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበት ጉባኤ ተቓኒዑ!

ኃላፊ ክፍሊ ትምህርቲ ሰንበት ዘመንበረ ፓትርያርክ ቀሲሲ ተክሎም ተስፋልደት፡ ናይ ኣብያተ ትምህርተ ሰንበት ሓድነትን ኣመራርሓን ዘኀይል፣ መቃን ጊዜ ምርጫ ጠርነፍቲ ኮሚቴ ዘነጽር፣ ንኣከባብራ ዓመታዊ በዓላት ዘድምቕ . . . ሓሳባትን መምርሕን ኣቕሪቦም።

ተውሳክ፡ . . . ኣብ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ጉባኤ ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበት ተቓኒዑ!

ክብረ በዓል ተረክቦተ መስቀል ኣብ ገዳም መስቀል ጉና ጉና ብክብ ዝበለ መንፈሳዊ ድምቀት ተኸቢሩ!

ክብረ በዓል ተረክቦተ መስቀል ኣብ ገዳም መስቀል ጉና ጉና ብክብ ዝበለ መንፈሳዊ ድምቀት ተኸቢሩ!

ዓመት መጽአ 10 መጋቢት ዝዝከር ተረክቦተ መስቀል፡ ሎሚ ዓመት’ውን ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ክዝከር ከሎ ብፍላይ ግና ኣብ ገዳም ቅዱስ መስቀል ጉና ጉና ብፁዕ ኣቡነ ቄርሎስ ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ደቡብ ዓዲ ቀይሕ፡ ገዳማውያንን ሊቃውንት መምህራንን ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ብክብ ዝበለ መንፈሳዊ ድምቀት ተኸቢሩ።

ተውሳክ፡ . . .ክብረ በዓል ተረክቦተ መስቀል ኣብ ገዳም መስቀል ጉና ጉና ብክብ ዝበለ መንፈሳዊ ድምቀት ተኸቢሩ!

ኣብ ዓዲ ኣንቀጾ ምረቃ ቤተ ክርስቲያን ኣቡነ ኣረጋዊ ፡ ኣብ ሓመልማሎ እምነ መሠረት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሚካኤል ተኻይዱ!

ኣብ ዓዲ ኣንቀጾ ምረቃ ቤተ ክርስቲያን ኣቡነ ኣረጋዊ ፡ ኣብ ሓመልማሎ እምነ መሠረት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሚካኤል ተኻይዱ!

ብዕለት 21 የካቲት 2011 ዓ.ም. ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ዓረዛ ኣብ ኣንቀጾ ትብሃል ዓዲ ምረቓ ናይ ቅዱስ ኣቡነ ኣረጋዊ ቤተ ክርስቲያን፣ ከምኡ ድማ ብዕለት 23 የካቲት 2011 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ስብከት ዓንሰባ ሓመልማሎ ምንባር እምነ መሠረት ሕንፀተ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሚካኤል ብብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ዓንሰባን ዋና ኣመኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክን ተኻዪዱ

ተውሳክ፡ . . .ኣብ ዓዲ ኣንቀጾ ምረቃ ቤተ ክርስቲያን ኣቡነ ኣረጋዊ ፡ ኣብ ሓመልማሎ እምነ መሠረት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሚካኤል ተኻይዱ!

ዓመታዊ በዓል ጻድቅ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ብመንፈሳዊ ድምቀት ተኸቢሩ!

ዓመታዊ በዓል ጻድቅ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ብመንፈሳዊ ድምቀት ተኸቢሩ!

ንዝክረ ዕረፍት ቅዱስ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ብምዝካር ኣብ ኵለን ብስሙ ዝተሰምያ ኣብያተ ክርስቲያናት ዓመታዊ ክብረ በዓል ክኽበር ከሎ፡ ብፍላይ ግን ኣብ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ኮኮበ ገዳም ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ገጀረት ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ፡ ውሉደ ክህነት፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽብሉ ብድምቀት ተኸቢሩ።

ተውሳክ፡ . . .ዓመታዊ በዓል ጻድቅ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ብመንፈሳዊ ድምቀት ተኸቢሩ!

ኣብ ሃገረ ስብከት ደቡብ ዓዲ ቀይሕ፡ ንሕንፀተ ኣብያተ ክርስቲያናት እምነ መሠረት ተነቢሩ!

ኣብ ሃገረ ስብከት ደቡብ ዓዲ ቀይሕ፡ ንሕንፀተ ኣብያተ ክርስቲያናት እምነ መሠረት ተነቢሩ!

ብፁዕ አቡነ ቄርሎስ ሊቀ ጳጳስ ዘሃገረ ስብከት ደቡብ ዓዲ ቀይሕ ኣብ ወርኀ ጥርን የካቲትን ንሓድሽ ሕንፃ ኣብያተ ክርስቲያናት እምነ መሠረት ኣንቢሮም።

ኣብ ወርኀ ጥር ኣብያተ ክርስቲያናት ንምሕናፅ ብብፁዕ ኣቡነ ቄርሎስ ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰርሐ ዝርከባ ዓድታት፦ ኣብ ዓዲ ፍያሻ ብስም ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን፣ ኣብ ዓዲ ነድወ ድማ ብስም ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን፣ ከምኡ ድማ ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ዓዲ ቀይሕ ዝርከባ ዓድታት፦

ኣብ ዓዲ ኢንቶ ብስም ኣቡነ ቴዎድሮስ ቤተ ክርስቲያን፡ ኣብ ማይፃዕዳ ኸኣ ብስም ኣቡነ ተክለሃይማኖት ቤተ ክርስቲያን፣ ብተወሳኺ’ውን ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ጾሮና ዝርከባ ዓድታት፦ ኣብ ዓዲ ማይዓጋም ብስም ኣቡነ ኣረጋዊ ቤተ ክርስቲያን፣ ኣብ ዓዲ ሃደምትን ማይውራይን ከኣ ብስም ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን እምነ መሠረት ተነቢሩ።

ተውሳክ፡ . . . ኣብ ሃገረ ስብከት ደቡብ ዓዲ ቀይሕ፡ ንሕንፀተ ኣብያተ ክርስቲያናት እምነ መሠረት ተነቢሩ!

More Articles ...

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195