banner

ቅዱስ ሲኖዶስ ድኅሪ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ሥሩዕ ጉባኤኡ ኣቃኒዑ!

ቅዱስ ሲኖዶስ ድኅሪ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ሥሩዕ ጉባኤኡ ኣቃኒዑ!

ሠሉስ 14 ሰኔ 2008 ዓ.ም፡ (21 ሴኔ 2016 ዓ.ም.ፈ) ቅዱስ ሲኖዶስ ሥሩዕ ጉባኤኡ ኣቃኒዑ። ኣብዚ ጉባኤኡ ብቤት ጽሕፈት ቅዱስ ሲኖዶስን ቤት ጽሕፈት ምምኅዳር መንበረ ፓትርያርክን ዝተመርሑ ጉዳያት ሓደ ብሓደ ኣዕሚቑን ኣስፊሑን ብምዝታይ ዝተፈላለየ ውሳኔታት ኣኅሊፉ።

ተውሳክ፡ . . .ቅዱስ ሲኖዶስ ድኅሪ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ሥሩዕ ጉባኤኡ ኣቃኒዑ!

ሰለ ሰማዕታተ ኤርትራ ጸሎተ ፍትሓት ተገይሩ!

ስለ ሰማዕታተ ኤርትራ ጸሎተ ፍትሓት ተገይሩ!

ኦ እግዚኦ አዕርፍ ነፍሳተ ኵሎሙ ሰማዕታተ ኤርትራ

ቅድስት ቤተ ክርስቲያን፡ ነቶም በጃ ሃገሮምን ሕዝቦምን ዝኃለፉ ሰማዕታት ኤርትራ፡ እግዚአብሔር ዓስቢ መንግሥተ ሰማያት ክኸፍሎም ብጸሎት ክትዝክሮም ስለዝግባእ፡ ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን፡ ብፍላይ ድማ ብደረጃ ሃገር ኣብ ደብረ ሣህል ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን ሰንበት 12 ሰነ 2008 ዓ.ም. ጸሎተ ፍትሓት ተገይሩ። 

ኣብዚ ሥነ ሥርዓት’ዚ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ዋና ኣመኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክ፡ ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ሊቀ ጳጳስ ሀገረ ስብከት ማእከል፡ ኣበምኔት ገዳማት፡ ኣመኃደርቲ ሰበካ ጉባኤያት፡ ኣካላት መንግሥቲ፡ ውሉደ ክህነት፡ ምእመናንን ምእመናትን ተሳተፍቲ ነይሮም።

ተውሳክ፡ . . .ሰለ ሰማዕታተ ኤርትራ ጸሎተ ፍትሓት ተገይሩ!

ዳግማይ ዝተሓንፀ ቤተ ክርስቲያን ኣቡነ በኵረ ድንግል ተመሪቑ!

‘ለዛቲ ቤት ሣረራ አብ፡ ሐነፃ ወልድ፡ ፈጸማ መንፈስ ቅዱስ!’

ብዕለት 9 ሰኔ 2008 ዓ.ም. ዳግማይ ዝተሓንፀ ሕንፃ ቤተ ክርስቲያን ኣቡነ በኵረ ድንግል ብብፁዓን ጳጳሳት ተቀዲሱን ተባሪኹን ተመሪቑን። ኣብዚ ሥርዓተ ተቀብኦ’ዚ ብፁዕ ኣቡነ ቄርሎስ ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ዞባ ደቡብ ዓዲ ቀይሕ፣ ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ጳጳስ ሀገረ ስብከት ማእከል፣ ዋና ኣመኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክ ኣቡነ ባስልዮስ፣ ከምኡ’ውን ገዳማውያንን ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ምእመናትን ተረኺቦም ነይሮም።

ብድሮ ዋዜማ ብብፁዓን ጳጳሳት ናይ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ሥርዓተ ተቀብኦ ተገይሩ፡ ሊቃውንት መዘምራን ስብሐተ እግዚአብሔር ከብጽሑ ከለዉ፡ ብደገ ቤተ ክርስቲያን ድማ ብኣርባዕተ መኣዝን እናተሰብከ ኣርባዕቱ ወንጌል ተነቢቡ፡ ታቦት ናብ መንበረ ክብሩ ኣትዩ።

ሰዓት 10፡00 ድ.ቀ. ብሊቃውንት መዘምራን ስብሓተ ማኅሌት ያሬዳዊ ዜማታት ክሳዕ 5፡30 ቅ.ቀ፡ ምስ በጽሐ ብብፁዓን ጳጳሳት ዝተመርሐ ጸሎተ ቅዳሴ ተሠሪዑ። ቀጺሉ ዑደት ተገይሩ ታቦት ምስ ቆመ፡ ብኣባል ክፍሊ ጉባኤ ሊቃውንት መምህር ሠመረ አፈወርቅ ብዛዕባ ኣተሓናንፃ ቤተ እግዚአብሔር፡ ታሪክ ኣቡነ በኵረ ድንግልን ሓፈሻዊ ምኽርን ተግሣፅን ተዋሂቡ።

ተውሳክ፡ . . . ዳግማይ ዝተሓንፀ ቤተ ክርስቲያን ኣቡነ በኵረ ድንግል ተመሪቑ!

ክብረ በዓል ገዳም ቅዱስ ዮሓንስ ቴድረር ብዓቢይ ክብሪ ተባዒሉ።

ክብረ በዓል ገዳም ቅዱስ ዮሓንስ ቴድረር ብዓቢይ ክብሪ ተባዒሉ።

ብምኽንያት ‘ኣስተርእዮተ ሥጋሁ ለቅዱስ ዮሓንስ’ ዝበዓል ክብረ በዓል ገዳም ቅዱስ ዮሓንስ ቴድረር ብዓቢይ ክብሪ ተባዒሉ። ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ብፁዕ አቡነ ሉቃስ፡ ኣበምኔት ገዳማትን ኣብ ዝተረኽብሉ፡ ሊቃውንት መምህራንን ካህናትን ዲያቆናትን ምእመናንን ምእመናትን ሕዝበ ክርስቲያን ናይ ቅዱስ ዮሓንስ ቃል ኪዳንን በረኸትን ተሳተፍቲ ኮይኖም።
ገዳም ቅዱስ ዮሐንስ ቴድረር፡ ኣብ ዓመት ብዙኃት ክብረ በዓላት እኳ እንተለዎ እቶም ቀንዲ ዝኽብሩ ግና 1 መስከረም ርእሰ ዓውደ ዓመት ቅዱስ ዮሓንስ ከምኡ’ውን 2 ሰነ ፍልሰተ ሥጋሁ ለዮሓንስ እዮም።

ተውሳክ፡ . . .ክብረ በዓል ገዳም ቅዱስ ዮሓንስ ቴድረር ብዓቢይ ክብሪ ተባዒሉ።

ቅዱስ ሲኖዶስ ድኅሪ ዓቢይ ጾም ሥሩዕ ጉባኤኡ ኣቃኒዑ!

ቅዱስ ሲኖዶስ ድኅሪ ዓቢይ ጾም ሥሩዕ ጉባኤኡ ኣቃኒዑ!

ቅዱስ ሲኖዶስ ድኅሪ ዓቢይ ጾም ሥሩዕ ጉባኤኡ ኣቃኒዑ። ኣብዚ 24-25 ግንቦት 2008 ዓ.ም. ዝተቓንዐ ምልኣተ ኣባላት ዝነበሮ ጉባኤ፡ ብርክት ዝበሉ ኣጀንዳታትን ጉዳያትን ብሰፊሑ ተዘቲሎምን ውሳኔታት ተዋሂብሎምን።

ናይቲ ኣብ ዝኃለፈ ክልተ ወርኂ ብልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ ተመሪሑ ዝተኻየደ ሓዋርያዊ ዑደታት ኣብ ሃገረ ስብከታት ወፃኢ ብፍላይ ከኣ ብልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ፣ ኬንያ፣ ኣውስትራልያ፣ እስራኤል ሰፊሕን ዝርዝራውን ጸብጻብ ሥራሕ ቀሪቡ። ብኃይለ እግዚአብሔር ኣብ ኵሉ ዓውዲ ዕዉት ዕዮ ከምዝተሰላሰለን፣ ሕዝብና ኣብ ቅዱስ ሲኖዶስን ኣቦታቱን ዘለዎ ኣኽብሮትን፣ በብዝኸዶ ድማ ብሃይማኖት ጸኒዑን ተጠርኒፉን ዓበይቲ ሥራሓት ይዓምም ከምዘሎ ተነጺሩ።

ተውሳክ፡ . . . ቅዱስ ሲኖዶስ ድኅሪ ዓቢይ ጾም ሥሩዕ ጉባኤኡ ኣቃኒዑ!

ኣብ ሃገረ ስብከት ደቡብ ድባርዋ ሓድሽ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ሥላሴ ተመሪቑ!

ኣብ ሃገረ ስብከት ደቡብ ድባርዋ ሓድሽ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ሥላሴ ተመሪቑ!

ኣብ ሃገረ ስብከት ደቡብ ድባርዋ ዓዲ ሽምሃውቲ ሰረንታ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ሓድሽ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ሥላሴ ብዕለት 14 ግንቦት 2008 ዓ.ም. ተመሪቑ። ኣብዚ ሥርዓተ ምረቓ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ፣ ኃላፊ ክፍሊ ምክትታል ኣድያማተ ስብከት መንበረ ፓትርያርክ ሊቀ ካህናት ዘሚካኤል ኣብርሃም፡ ኣብቲ ከባቢ ዝቕመጡ ውሉደ ክህነትን፡ ምእመናንን ምእመናትን ናይቲ ዕለት በረኸት ተሳቲፎም ነይሮም።

ዋዜማ ሰዓት 3፡00 ድ.ቀ.፡ ‘ሐነፅዋ ወሣረርዋ ለቤተ ክርስቲያን እንተተሐንፀት በስሙ ወተቀደሰት በዕፀ መስቀሉ/ ነታ ብስሙ ዝተሓንፀትን ብዕፀ መስቀሉ ዝኸበረትን ቤተ ክርስቲያን ፍጹም ተኸልዋ’ እናበሉ ዋዜማ ዝጀመሩ ሊቃውንት መዘምራን፡ ሠለስተ ዋዜማ ቅኔ ምስ ሥላሴ ጌሮም።

ተውሳክ፡ . . . ኣብ ሃገረ ስብከት ደቡብ ድባርዋ ሓድሽ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ሥላሴ ተመሪቑ!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195