banner

ዝክረ ጥንተ ስቅለት ክብረ በዓል መድኃኔዓለም ተኸቢሩ!

ዝክረ ጥንተ ስቅለት ክብረ በዓል መድኃኔዓለም ብ27 መጋቢት 2008 ዓ.ም.ግ. ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያናት ክበዓል ከሎ፡ ብፍላይ ግና ኣብ ሀገረ ስብከት ኣሥመራ መካነ ሕይወት መድኃኔዓለም ኦሮታ ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ሊቀ ጳጳስ ዘሀገረ ስብከት ዞባ ማእከል ኣብ ዝተረኽብሉ ብዓቢይ ክብሪ ተባዒሉ። እቲ በዓል ካብ ዋዜማ 26 መጋቢት ሰዓት 8፡00 ቅድሚ ቀትሪ ጀሚሩ ሊቃውንት መዘምራን ብጣዕመ ዜማን ቅኔን ምንባብ መጻሕፍትን ስብሐተ እግዚአብሔር ምስ ኣብጽሑ ብጸሎተ ቅዳሴ ሰዓት 3፡00 ድ.ቀ. ተፈጺሙ።

ተውሳክ፡ . . .ዝክረ ጥንተ ስቅለት ክብረ በዓል መድኃኔዓለም ተኸቢሩ!

ብብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ዝተመርሐ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ናብ ኣውስትራልያ!

ዋና ኣመኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክ ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ፡ ንኣገልጋሊ ካህን ቀሺ መሓሪ ሙሴ ኂዞም ናብ ኣህጉረ ኣውስትራልያ ሰኑይ 26 መጋቢት 2008 ገይሾም። እዚ ጕዕዞ’ዚ ኣብ ኣህጉረ ኣውስትራልያ ዝቕመጡ ሕዝበ ክርስቲያን፡ ምስቲ ራሕቅን ስፍሓትን ናይቲ ኣህጉር ከይተጸልዉ ስጡም መንፈሳዊ ሥምረት ዝጸንሖም ብምዃኖም፡ ብዝበለጸ ቀሪብካ ኣባታዊ ምዕዳን ንምሃብ’ዩ። ብፍላይ ድማ ምስ ምብዛኅ ምእመናንን ምስፋሕ ኣገልግሎትን ኣብ ርእሲ’ዚ ዝጸንሐ ቤተክርስቲያን፡ ተወሳኺ ኣብ ከተማ ኣደላይት ታቦተ መድኃኔዓለም ንምእታውን ኣገልገልቲ ምምዳብን ዝዓለመ መንፈሳዊ ጕዕዞ’ዩ።

ኃሙሻይ ሰንበት፡ 'ደብረ ዘይት'

ኃሙሻይ ሰንበት፡ ደብረ ዘይት ‘ማእከለ ጾም’

ብዛዕባ ናይ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዳግማይ ምጽኣት ብፍሉይ እንዝክረሉ ሠለስተ ጊዜያት ኣለዉ። እቲ ሓደ ኣብ ወርኃ ጳጉሜን ክኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ድማ ኣብ 4-6 ኅዳር ዘሎ ደብረ ዘይት ዝበሃል ኣሎ፡ እቲ ሣልሳይ ድማ መበል ኃሙሻይ ሰንበት ናይ ዓቢይ ጾም ‘ደብረ ዘይት እናተባህለ ዝጽዋዕ እዩ። ‘ደብረ ዘይት’ ብሸነኽ ምሥራቅ ኢየሩሳሌም ዝርከብ ጎቦ እዩ። “ወእንዘ ይነብር እግዚእነ ውስተ ደብረ ዘይት ቀርቡ ኀቤሁ አርዳኢሁ እንተ ባሕቲቶሙ” ከምዝብል (ማቴ. 24፡3)

ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ደብረ ዘይት ተቐሚጡ ኸሎ ቅዱሳን ሓዋርያት ብሕት ኢሎም . . . ትእምርቲ ምምጻእካን ናይ መወዳእታ ዓለም ምልክታቱን እንታይ እዩ፧ እዚ መዓስ እዩ ዚኸውን፧ እስኪ ንገረና እናበሉ ናብኡ ምስ ቀረቡ ብዛዕባ ኅልፈተ ዓለምን ዳግም ምጽኣቱን ዝመሃረሉ እምባ ስለዝኾነ፡ እዛ ሰንበት’ዚኣ ደብረ ዘይት ተባህለት። ኣብዛ ሰንበት’ዚኣ ዚዝመር መዝሙርን ዚንበብ መጻሕፍትን ነቲ ጐይታ ኣብ ደብረ ዘይት ዚመሃሮ ብዛዕባ ምሥጢረ ምጽኣቱን፡ ምልክታት ኅልፈተ ዓለምን ዘመልክት እዩ።

ቀዳማይ ምጽኣት ጐይታ ብትሕትና ኣብ መብልዕ ማል ተወሊዱ እዩ። ዳግማይ ምጽኣቱ ግና ብኽብሪ ብእልፍ ኣእላፍ ቅዱሳን መላእኽቱ ተዓጂቡ፡ በክበበ ትስብእት በግርማ መለኮት ብምስጋና እዩ። ነዚ ዳግማይ ምጽኣቱ መንገዲ ዝጸርጉ ምልክታት ገለ ካብኣቶም ሎሚ ንዕዘብ ኣሎና።

ተውሳክ፡ . . . ኃሙሻይ ሰንበት፡ 'ደብረ ዘይት'

ብብፁዕ አቡነ ሉቃስ ዝተመርሐ ዑደት ናብ ኤውሮጳ

ብብፁዕ አቡነ ሉቃስ ዝተመርሐ ዑደት ናብ ኤውሮጳ

ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ብፁዕ አቡነ ሉቃስን ተሓጋጋዚ ኣመኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክዲያቆን ግርማይ ዘርአይንሓዋርያዊ ዑደት ናብ ኤውሮጳ ንምግባር ቀዳም 17 መጋቢት 2008 ዓ.ም.ግ. ከይዶም።

እዚ ዑደት’ዚ መቐጸልታ ናይ ዝኃለፈ ዓመት ኮይኑ ዓበይቲ መደባት ንምትግባር ዝዓለመ’ዩ። ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ ኣብ መንጎ ሕዝበ ክርስቲያን ተቐመጥቲ ኤውሮጳ ተረኺቡ ብቐረባ ንምዝርራብ፡ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲይን ንምጽናዕን ምስፋሕን እዩ።

ተውሳክ፡ . . . ብብፁዕ አቡነ ሉቃስ ዝተመርሐ ዑደት ናብ ኤውሮጳ

ብብፁዕ አቡነ አትናቴዎስ ዝተመርሐ መንፈሳዊ ጉዕዞ ናብ ኬንያ

ሓዋርያዊ ዑደት ብልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ይካየድ ኣሎ!

ብብፁዕ አቡነ አትናቴዎስ ዝተመርሐ መንፈሳዊ ጉዕዞ ናብ ኬንያ

ኣባል ቅዱስ ሲኖዶስ ብፁዕ አቡነ አትናትዮስን ቀሺ በረኸት ኪዳነን መንፈሳዊ ጕዕዞ ናብ ኬንያ ንምግባር 17 መጋቢት 2008 ዓ.ም.ግ. ከይዶም። ናይሮቢ ኣብ ዝኣተውሉ ጊዜ፡ ኣምባሳደር ሃገረ ኤርትራ ኣብ ሃገረ ኬንያ ኣቶ በየነ ርእሶምን ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ምእመናትን ማኅበረ ኮም ኤርትራውያን ኣብ ሃገረ ኬንያን ብኽብሪ ተቐቢሎሞም።

ሰንበት 18 መጋቢት ኣብ ኪዳነ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን ተረኺቦም ዝግባእ ስብሐተ እግዚኣብሔርን ጸሎተ ቅዳሴን ኣብጺሖም። ነቶም ንነዊኅ እዋን ብሃንቀውታ ኪጽበዩ ዝጸንሑ ንመዓርገ ዲቁና ዝበጽሑ 9ተ ተመሃሮ መንእሰያት ብብፁዕ ኣቡነ ኣትናቴዎስ መዓርገ ዲቁና ተቐቢሎም። በዚ ዝተሓጐሰ ሕዝቢ ነዚ ዝገበረን ቅዱስ ፍቓዱ ዝኾነን እግዚኣብሔር ከመስግን ውዒሉ።

ዕላማ እዚ መንፈሳዊ ጕዕዞ'ዚ እምነ መሰረት ሓድሽ  ኪዳነ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን ንምንባር እዩ። ወግዓዊ ሥነ ሥርዓት ምንባር እምነ መሰረት ረቡዕ 21 መጋቢት 2008 ኪፍጸም እዩ፡፡

ከምዝፍለጥ ኣብ ሃገረ ኬንያ ዝቕመጡ ሕዝበ ክርስቲያን ብዙኅ ፈተና ክገጥሞም ጸኒሑ እዩ። ስለዚ እዚ ጕዕዞ’ዚ ኣብ ርእሲ'ቲ እምነ መሠረት ምንባር፡ ንእኦም ኣባታዊ ምጽንናዕን ቡራኬን ንምሃብ እዩ። 

ክብረ በዓል ገዳም ደብረ ጽጌ ኣቡነ ዮናስ ፡ ብምዕሩግ መንፈሳዊ ጽንብል ተኸቢሩ!

ክብረ በዓል ገዳም ደብረ ጽጌ ኣቡነ ዮናስ ፡ ብምዕሩግ መንፈሳዊ ጽንብል 17 መጋቢት 2008 ዓ.ም.ግ. ተኸቢሩ።

ካብ ኣቡነ ዮናስ በረኸት ንምስታፍ ካብ ርሑቅን ቀረባን ዝመጹ ውሉደ ክህነትን ምእመናን ምእመናትን ተሳተፍቲ ኮይኖም።
ንክብሪ እዚ በዓል እዚ ካብ ዋዜማ ክሳዕ ጸሎተ ቅዳሴን ዑደተ ታቦትን ስብሐተ እግዚአብሔር ፡ ምንባብ ገድለ ኣቡነ ዮናስ በጺሑ። ድኅሪ ጸሎተ ቅዳሴ ኸኣ ከባቢ 9፡30 ቅድሚ ቀትሪ ታቦተ ሕጉ ካብ መንበሩ ላዕላይ ቤተ ክርስቲያን ወፂኡ ሠለስተ ጊዜ ዖይዱ ናብ ታሕታይ እንዳ ኣዴታት ወሪዱ ኣብ ዝተዳለወሉ ቦታ ምስ ቆመ፦ ሊቃውንቲ መምህራን ጣዕመ ዜማ ከስምዑ ከለዉ፡ ብመምህር ኣናንያ ምስ ገድለ ኣቡነ ዮናስ ብምትእስሳር ሰፊሕ ትምህርቲ ተዋሂቡ። መምህር ኣናንያ ኣብ ትምህርቶም “ክቡር ሞቱ ለጻድቅ ኣብ ቅድመ እግዝአብሔር” ዝብል ኃይለ ቃል መሠረት ብምግባር፡ ቅዱሳን ሓጐስን ደስታን፡ ምብላዕን ምስታይን ይትረፈና ኢሎም፡ እግዚአብሔር ዝፈትዎ ሥራሕ ጥራሕ ስለዝፈተዉ ክቡራን ተባሂሎም ተጸውዑ።


ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ‘ዓለም ንኣይ ኣይትበቅዕን’ያ፡ ኣነ’ውን ንዓለም ኣይበቅዕን’የ’ ዝበሎ፡ ኣቦና ኣቡነ ዮናስ ካብ ኣቦኦም ንዋየ እግዚእን ኣደኦም ኂሩተ ማርያምን ኣብ ‘ቡር ሃገረ መስቀል (እንዳ መስቀል)’ ትብሃል ዓዲ፡ ብዕለት 17 ሕዳር ብ1357 ዓ.ም. ተወልዱ፡ ከም ነቢይ ሳሙኤል ኣብ ቤተ እግዚአብሔር ዓብዮም፡ ብሕገ እግዚአብሔር ኣብ ትሕቲ መምህራን ተቐሚጦም ሕገ እግዚአብሔር ፈጺሞም፡ ብዙኅ ተጋዲሎም ካብ ጐይታ ቃል ኪዳን ተቐቢሎም በዛ ሎሚ መዓልቲ ስለዝዓረፉ፡ ንሕና ካብዚ ቃል ኪዳኖም ተካፈልቲ ክንከውን ናይ ዕረፍቶም መዘከርታ ንገብር ኣሎና። እዚ ድማ ከምቲ ቅዱስ ዳዊት ‘መዘከርታ ጻድቅ ንዘለዓለም ይነብር እዩ’ ከምዝበለ።" ኢሎም። ብሽማግለ ገዳም ኣቡነ ዮናስ ኣባ ከሠተብርሃን ንነጋድያን ምስጋናን ምስ ሃቡ ጸሎትን ምህላላን በጺሑ።

ክብረ በዓል ደብረ ጽጌ ናይ ኣቡነ ዮናስ ዕለተ ዕረፍቶም ምኽንያት ብምግባር ዓመት መጸ 17 መጋቢት ይኽበር። ኣቡነ ዮናስ ካብ ዝመሥረትወን ብዙኃት ገዳማት፡ እታ ሓንቲ ደብረ ጽጌ እያ። ኣብ ዞባ ደቡብ ጥቃ ማየ ጸሎት ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ደርኣንቶ ትርኸብ።

ኣቡነ ዮናስ ነቶም ደቆም ቀቅድሚ ዕረፍቶም “ግበሩ ተዝካርየ ምስለ ማርያም እምየ/ ዝኽረይ ምስ በዓለ ማርያም ግበሩለይ” ፡ ብዝበልዎም ዓመት መጸ 21 ጥር ዝኽበር እንተኾነ፡ በቲ ዝዓረፉሉ ዕለት 17 መጋቢት እውን ይኽበር እዩ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195