banner

3ይ ሰንበት ዓቢይ ጾም፡ ምኵራብ

     3ይ ሰንበት ዓቢይ ጾም
         ምኵራብ

ምኵራብ፦ ‘ቤተ ጸሎት ኣይሁድ’ እዩ። ኣይሁድ ኣብ ዘለዉዎ ሥፍራን ዓድን በብኸባቢኡ፡ መምሃሪ ሕገ ኦሪትን ነቢያትን ከምኡ'ውን መጸለዪ ዝግልገልሉ ዝነበሩ እዩ።
እዛ ዕለተ ሰንበት'ዚኣ ‘ምኵራብ’ ዝተባህለትሉ ምኽንያት ድማ በዛ ዕለት ካብ ጾመ ድጓ፡ ‘ቦአ ኢየሱስ ምኵራበ አይሁድ / ጐይታ ኢየሱስ ናብ ምኵራብ ኣይሁድ ኣተወ’ ዝብል ካብ ‘ዋዜማ ጀሚሩ ክሳብ ሰላም’ ስለዝዝመር እዩ።

Read more: 3ይ ሰንበት ዓቢይ ጾም፡ ምኵራብ

2ይ ሰንበት ዓቢይ ጾም ቅድስት

2ይ ሰንበት ዓቢይ ጾም ቅድስት

ካልአይቲ ሰንበት ናይ ዓቢይ ጾም “ቅድስት” ተባሂላ ትጽዋዕ። በዛ ሰንበት እዚኣ ካብ ዋዜማ ጀሚሩ ኣብ ጾመ ድጓ፦ “ዛቲ ዕለት ቅድስት ይእቲ/ እዛ ዕለት’ዚኣ ቅድስቲ እያ”፣ “ሰንበትየ ቅድስትየ እንተ አዕረፍኩ/ ዘዕረፍኩላ ዕለት ሰንበት ቅድስት እያ”፣ “ቅዱሳን ኩኑ እስመ አነሂ ቅዱስ አነ/ ኣነ ቅዱስ ከምዝኾንኩ ቅዱሳን ኩኑ”፣ “አብ ቀደሳ ለሰንበት/ አብ ንሰንበት ኣኽበራን ቀደሳን” . . . እናበለ ብዛዕባ ቅድስና ሰንበት ይዝመር።

ቅዱስ ያሬድ ኣብዛ ዕለት ክዝመር ካብ ዝደረሶም ድርሰታት፡ “ግነዩ ለእግዚአብሔር ወጸውዑ ስሞ ወንግርዎሙ ለአሕዛብ ምግባሮ፡ ሀቡ ስብሐተ ለስሙ አክብሩ ሰንበተ ተገበሩ ጽድቀ፡ ዝግቡ ለክሙ መዝገበ ዘበሰማያት ኀበ ፃፄ ኢያማስኖ ወኢይረክቦ ሰራቂ፡ ድልዋኒክሙ ንበሩ፡ ዘበላዕሉ ሐልዩ ኀበ ሀሎ ክርስቶስ”  ዝብል እዩ።

ተውሳክ፡ . . . 2ይ ሰንበት ዓቢይ ጾም ቅድስት

ክብረ በዓል ወዝክረ ዕረፍት አቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ 5 መጋቢት 2008 ዓ.ም ብዓቢይ መንፈሳዊ ድምቀት ተኸቢሩ።

ዝክረ ጻድቅ ለዓለም ይሄሉ/ ዝኽሪ ጻድቅ ንዘለዓለም ይነብር፡ መዝ. 111/112

ክብረ በዓል ወዝክረ ዕረፍት አቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ብዕለት 5 መጋቢት 2008 ዓ.ም ብዓቢይ መንፈሳዊ ድምቀት ተኸቢሩ።

ኣብ ኤርትራ ዝርከባ ብስም አቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ዝተሓንፃ ኣብያተ ክርስቲያን፡ ክብረ በዓል አቡነ ገብረመንፈስ ቅዱስ ኣብዒለን። ብፍላይ ድማ ኣብ ሀገረ ስብከት ኣሥመራ ኮከበ ገዳም ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ገጀረት ብፁዕ አቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ብዙኃት ሊቃውንትን ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽብሉ ብድምቀት ተኸቢሩ።

ተውሳክ፡ . . . ክብረ በዓል ወዝክረ ዕረፍት አቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ 5 መጋቢት 2008 ዓ.ም ብዓቢይ መንፈሳዊ ድምቀት ተኸቢሩ።

ዘወረደ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!
                      ዘወረደ 

ቀጥታዊ ትርጕሙ ‘ዝወረደ’ ማለት እዩ። እዚ ድማ ምእንቲ ድኅነተ ዓለም፡ ካብ ሠለስተ ኣካል ሓደ ኣካል እግዚአብሔር ወልድ ብፍሉይ ኣካሉ ካብ ሰማየ ሰማያት ካብ ናይ ባህርይ ልዕልናኡ ወሪዱ፡ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ምውላዱ፡ ከምኡ’ውን ምስቃሉን ሙማቱን ዘመልክት እዩ። ‘ወአልቦ ዘዓርገ ውስተ ሰማይ ዘእንበለ ዘወረደ እም ሰማይ ወልደ ዕጓለ እመ ሕያው ዘውእቱ ይነብር ውስተ ሰማይ / ብዘይካ’ቲ ካብ ሰማይ ዝወረደ ኣብ ሰማይ’ውን ዘሎ ወልደ ዕጓለ እመ ሕያው ክርስቶስ ሓደ እኳ ናብ ሰማይ ዝዓረገ የልቦን’ (ዮሓ. 3፡13) ከምዝብል ካብዚ ጥቕሲ’ዚ ዝተወስደ ነዚ ግብረ ምድኃን’ዚ ዝዝከረሉ ቀዳማይ ሰንበት ናይ ዓቢይ ጾም ‘ዘወረደ’ ይበሃል። ቅዱስ ያሬድ’ውን ኣብ ዝሠርዖ ናይ ዓቢይ ጾም ማኅትው ዝዝመር ጾመ ድጓ፡ ክጅምር ከሎ፦ ‘ዘወረደ እምላዕሉ አይሁድ ሰቀሉ’/ ትርጕሙ ‘ነቲ ካብ ሰማይ ዝወረደ ልዑል ኣምላኽ፡ ደቂ ሰባት ኣይሁድ ሰቐልዎ’ ይብል።

ተውሳክ፡ . . . ዘወረደ

ኪዳንኪ ኮነ ለኃጥኣን ቤዛነ

ክብረ በዓል ኪዳነ ምሕረት ሰምበል

ክብረ በዓል ኪዳነ ምሕረት 16 የካቲት ብዓሚቝ መንፈሳዊ ተመስጦን ፍቕርን ተኸቢሩ። ብፍላይ ኣብ ኵለን ብስም ኪዳነ ምሕረት ዚተሓንፃ ኣብያተ ክርስቲያን ኣብ ኣሥመራ ደብረ ኪዳነ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን ሰምበል ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ከምኡ’ውን ኣብ ደብረ ኪዳነ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን ማይ ጭሆት ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ኣመኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክ ኣብ ዝተረኽብሉ ክበዓል ከሎ፡ ኣብ ከባቢ ኣሥመራ ድማ ኳዜን፡ ደቂጴጥሮስ፡ ፃዕዳ ክርስቲያን፡ እምባደርሆ፡ ኳዜን፡ ዓዲ ቀረጽ . . . ተኸቢሩ ውዒሉ ።
ኣብ ደብረ ኪዳነ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን ሰምበል ከምቲ ልሙድ 15 የካቲት ዋዜማ ተጀሚሩ ምስ ተፈጸመ፡ ናብ 16 የካቲት ናብ ዘውግሕ ለይቲ ኸኣ ሊቃውንትን ካህናትን ዲያቆናትን ምእመናንን ምእመናትን ንእግዚአብሔር ኬመስግኑ ኃዲሮም።
ሰዓት 10፡00 ድ.ቀ. ሥርዓተ ዑደት ታቦት፦ መንእሰያት ተመሃሮ ትምህርተ ሰንበት ብቕድሚት እናዘመሩ፡ ብድኅሪት ከኣ ሊቃውንቲ እናሸብሸቡ፡ ብየማነ ጸጋም ከኣ ሕዝበ ክርስቲያን እናተማህለሉ ሠለስተ ጊዜ ምስ ዖደ ኣብ ዓውደ ምሕረት ቆይሙ።

ተውሳክ፡ . . .ኪዳንኪ ኮነ ለኃጥኣን ቤዛነ

መበል 9ይ ዓመት ምምሥራት ቤት ትምህርት ሰንበት ደብረ ኃይል ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን ምሕራም ጭራ ተባዒሉ!

መበል 9ይ ዓመት ምምሥራት ቤት ትምህርት ሰንበት ደብረ ኃይል ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን ምሕራም ጭራ፡ ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን ውሉደ ክህነትን መንእሰያት ተመሃሮ ትምህርተ ሰንበትን ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኸቡሉ ሰንበት ዕለት 13 የካቲት 2008 ዓ.ም.ግ ብድምቀት ተኸቢሩ ውዒሉ።

ብመሠረት መርሓ ግብር፡ ጉባኤ ሰዓት 2፡30 ድ.ቀ. ብጸሎት ምስ ተጀመረ፡ ማእከሎት መዘምራን ቤት ትምህርት ሰንበት ሠለስተ መዛሙር፡ ‘ፍቕርካ ጐይታይ ዘይነጽፍ ወሓዚ እዩ፣ ንገሢ ኣብ ልበይ ኣደ ብርሃንን፡ ሰላም ጸሊ ለርኁቃን’ ዝብላ ምስ ዘመሩ፡ ስብከተ ወንጌል ኣብ ማቴ. 11፡28 “ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን ናባይ ንዑ” ዘሎ ኃይለ ቃል መሠረት ኮይኑ፡ እቲ ሓቀኛ ኣብ እግዚአብሔር ዘሎ ዕረፍቲ ብፍጹም ንስሓ ናብኡ ምስ እንምለስ ከም ዝርከብን፡ ብዙኃት ቅዱሳን ኣቦታት ከም ኣቦና ኣብርሃም ናብ እግዚአብሔር ተጸጊዖም መንፈሳውን ሥጋውን ዕረፍቲ ከምዝረኸቡ ኣብነታት ብምጥቃስ ሰፊሕን እዋናውን ትምህርቲ ተዋሂቡ።

ተውሳክ፡ . . .መበል 9ይ ዓመት ምምሥራት ቤት ትምህርት ሰንበት ደብረ ኃይል ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን ምሕራም ጭራ ተባዒሉ!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195