banner

ክብረ በዓል ናይ ዕሥራን ኣርባዕተን ካህናተ ሰማይ ተባዒሉ!

ክብረ በዓል ዕሥራን ኣርባዕተን ካህናተ ሰማይ ተባዒሉ። ብፍላይ ኣብ ደብረ ፀሐይ ኣቡነ ተክለሃይማኖት ቤተ ክርስቲያን (ሓዝሓዝ) ዋና ኣመኃዳሪ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ብፁዕ ኣቦና ባስልዮስ ኣብ ዝተረኽብሉ፡ ሊቃውንት መምህራንን ካህናትን ዲያቆናትን ምእመናንን ምእመናትን ሕዝበ ክርስቲያን ናይ ዕሥራን ኣርባዕተን ካህናተ ሰማይ በረኸት ተሳተፍቲ ኮይኖም።

ንኽብሪ እዚ በዓል እዚ ካብ ዋዜማ (12፡00-5፡00 ድ.ቀ.) ከምኡ’ውን ካብ 11፡00 ድ.ቀ. ዝጀመረ ክሳዕ ዑደተ ታቦት ስብሐተ እግዚአብሔር በጺሑ። ብፍላይ ሊቃውንት መምህራን ‘ጻድቅኒ ይቤ ለልየ ርኢኩ እሳት መንበሩ ለእግዚአብሔር ይወጽእ ኃይለ መለኮት ወክብር እምውስተ ውእቱ መንበር፡ ሀለዉ ካህናት ይቀውሙ ዓውዶ ኅብራቲሆሙ ይመስል መረግደ ውእቱኒ ባረኮሙ ወወሀቡ ስብሐተ ለፈጣሪሆሙ/ ጻድቕ ኣቡነ ተክለሃይማኖት ከምዚ በለ፦ ካብቲ እሳታዊ ዙፋነ እግዚአብሔር ፍጹም ግርማ መለኮት ክወጽእ፡ ኣብ ዙርያኡ ድማ ፍጹም ዘጌጸ ክዳን ዝተኸድኑ ካህናት ርኣኹ፣ ንሱ ምስ ባረኾም ድማ ክብርን ምስጋናን ንፈጣሪኦም ሃቡ/’’ እናበሉ ነቲ ምስ ካህናተ ሰማይ ዝዓጠነ ጻድቕ ኣቡነ ተክለሃይማኖት ዘኪሮም።

ተውሳክ፡ . . .ክብረ በዓል ናይ ዕሥራን ኣርባዕተን ካህናተ ሰማይ ተባዒሉ!

እምነ ጽዮን ይብል ሰብእ

መንፈሳዊ በዓል ‘ኅዳር ጽዮን’ ሎሚ ዓመት ፳፩ ኅዳር ብሓፈሻ ኣብ ኵለን ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስቲያን፡ ብፍላይ ኣብተን ብስም ጽዮን ማርያም ዝጽውዓ ብኽብሪ ተባዒሉ።
ብፍሉይ ዝጥቀስ ድማ ኣብ ከተማ ኣሥመራ፡ ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ድንግል ማርያም ቤተ ክርስቲያን፡ ዋዜማ ካብ 8፡00 ቅ.ቀ. ጀሚሩ ክሳዕ ብጸሎተ ቅዳሴ ድኅሪ ቀትሪ ምስ ተፈጸመ፡ ብእዋኑ ምሸት ጀሚሩ ኸኣ ክሳዕ ናብ ፳፩ ኅዳር ዝወግሕ፡ ኵሉ ስብሐተ እግዚአብሔርን ንእግዝእትነ ማርያም ዝጠቅስ ማኅሌትን ንባባት ቅዱሳት መጻሕፍትን ምሉእ ለይቲ ክበጽሕ ኃዲሩ።

ብርሃን ቤተ ክርስቲያን ዝኾኑ ሊቃውንት መምህራንን መዘምራንን ውሉድ ክህነት፡ ‘ለቢሶ ዳዊት ልብሰ ክብር ዘየሃይድ ዓይነ ቅድመ ታቦተ ሕግ ኀለየ ወዓዲ ዘፈነ/ ዳዊት ዘንጸባርቕ ክቡር ልብሲ ተከዲኑ ኣብ ቅድሚ ታቦተ ሕግ እናዘመረ ኣሸብሸበ’ እናበሉ ጽጌረዳ ኂዞም በቲ ሲሲተ ልብ ጥዑም ደሃዮም ንቤተ ክርስቲያን ከብርህዋ ከለዉ፡ ኣቦታት መዝሙር ዳዊት እናጸለዩ፡ ኣደታት ብውዳሴን ምህለላን፡ መንእሰያትን ሕፃናትን ድማ እናዘመሩ፡ ብሓፈሻ ውሽጥን ቀጽርን ቤተ ክርስቲያን ከዋኽብቲ ብዝመሰሉ ፃዕዳ ዝተኸድኑ ሕዝበ ክርስቲያን ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ መሊኡ ኃዲሩ።

ተውሳክ፡ . . . እምነ ጽዮን ይብል ሰብእ

ኣብ መንበረ ፓትርያርክ ክወሃብ ዝጸንሐ መንፈሳዊ ሥልጠና ተፈጺሙ!

ብቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ክፍሊ ስብከተ ወንጌል ተሠርዑ ካብ ፩ ሓምለ ፳፻ወ፰ ክሳዕ ፴ ጥቅምት ፳፻ወ፰ (8 ሓምለ - 10 ኅዳር 2015 ዓ.ም.ፈ.) ክወሃብ ዝጸንሐ መንፈሳዊ ሥልጠና ተፈጺሙ። እዚ ንመንፈሳዊ ፍልጠት ዘበርኹ ትምህርታት ከም መባእታዊ ኣዕማደ ምሥጢር፡ ሸውዓተ ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን፡ እምነትን ሥርዓተ ኣምልኮን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንን ኦርቶዶክሳዊ ሜላ ስብከትን ዘጠቃለለ ናይ ኣርባዕተ ወርኂ ሥልጠና እዚ፡ ካብ ነፍሲ ወከፍ ቤተ ክርስቲያን ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ዝተመርጹ ብጠቅላላ 110 ውሉደ ክህነት ተሳቲፎም።

ምዕዳል ናይ ተሳታፍነት ምስክር ወረቐትን ሥነ ሥርዓት መመረቕታን ድማ ብዕለት ፲፭ ኅዳር ፳፻ወ፰ ዓ.ም. ኣብ ኣዳራሽ መንበረ ፓትርያርክ ተኻይዱ። ኣብዚ ዕለተ ምረቓ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ፡ ዋና ኣማሓዳሪ መንበረ ፓትሪያርክ ኣቡነ ባስልዮስ፡ ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ብፁዕ ኣቡነ ዮሓንስ፣ ኃላፊ ክፍሊ ጉባኤ ሊቃውንት መሪጌታ ኤልያስ ሃብታይ፣ ከምኡ’ውን ኃለፍቲ ክፍልታት መንበረ ፓትርያርክን ነቲ ሥልጠና ዝሃቡ መምህራን፦ ኣባ ሲላስ ብርሃነ፡ ዲያቆን እዮብ በርሀ፡ መሪጌታ ስምኦን በየነ፣ ተሳተፍቲ ሥልጠናን ዕዱማትን ተረኺቦም ነይሮም። እቲ መርሐ ግብር መመረቕታ ብጸሎት ብፁዓን ኣቦታት ምስ ተኸፍተ፡ መራሒ መደብ ተሓጋጋዚ ኃላፊ ስብከተ ወንጌል መሪጌታ ስምዖን ሓፈሻዊ መእተዊ ምስ ሃበ፡ መራሕ ሥራሕ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ሊቀ ካህናት ቀሲስ ኣሮን ተ/ልደትን ምክትል ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ዲያቆን ካሕሳይ ግርማይን ሓደ ድኅሪ ሓደ ዕላማ እቲ ሥልጠና ንውሉደ ክህነት ኣሠልጢንካ ስብከተ ወንጌል ምስፋሕን ንሕዝበ ክርስቲያን ብሃይማኖቶም ምጽናዕን ካብ ተዃሉ መናፍቓን ምሕላውን ምዃኑ ድኅሪ ምግላጽ ካብቶም ካብ ነፍሲ ወከፍ ቤተ ክርስቲያን ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ዝተመርጹ 110 ውሉደ ክህነት 99 ብግቡእ ሥልጠናኦም ወዲኦም ኣብ መመረቕታ ከምዝበቕዑ ገሊጹ።

ተውሳክ፡ . . .ኣብ መንበረ ፓትርያርክ ክወሃብ ዝጸንሐ መንፈሳዊ ሥልጠና ተፈጺሙ!

ማየ ጸሎት መካነ ሕይወት መድኃኔ ዓለም ቤተ ክርስቲያን ኣሥመራ ሰኒታ ተባሪኹ!

ብ፳፯/27 ጥቅምት ፳፻ወ፰/2008፡ ማየ ጸሎት መካነ ሕይወት መድኃኔ ዓለም ቤተ ክርስቲያን ካህናትን መዘምራንን ብዙኃት ምእመናን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽብሉ ብቡራኬን ጸሎተ ቅዳሴን ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ሊቀ ጳጳስ ዞባ ማእከል ተባሪኹ።  

እዚ ማየ ጸሎት እዚ ካብ ውሽጢ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን 46 ሜትር ንታሕቲ ተዃዒቱ ካብ ዚተረኽበ ማይ ብዘመናዊ መጨንጕዒ ማይ ተሓጊዙ ዚወጸ ኾይኑ ብፈዋሴ ድዉያን መድኃኔ ዓለም ኣምላኽና እናተባረኸ ሕዝበ ክርስቲያን ካብ ደዌ ሥጋን ነፍስን ዝፍወስሉ ማየ ጸሎት እዩ። ድሮ’ውን ብዙኃት ከምቲ መድኃኔ ዓለም ዚምህረናን ዚሕልወናን ብተኣምራቱ ካብ ደዌ ሥጋን ነፍስን ዚተፈወሱ ናይ ቃል ምስክርነቶም ይሁቡን የመስግኑን ኣለው ።

Read more: ማየ ጸሎት መካነ ሕይወት መድኃኔ ዓለም ቤተ ክርስቲያን ኣሥመራ ሰኒታ ተባሪኹ!

ክብረ በዓል ቅዱስ ሚካኤል ዓዲ ቐይሕ ብዓቢይ ድምቀት ተባዒሉ!

ክብረ በዓል ቅዱስ ሚካኤል ዓዲ ቐይሕ ብዓቢይ ድምቀት ተባዒሉ። ኣብዚ ብዕለት ፲፪ /12 ኅዳር ዝተበዓለ በዓል እዚ ብፁዕ ኣቡነ ቄርሎስ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ዞባ ደቡብ ዓዲ ቐይሕ፡ ከምኡ ውን ካብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ካብ ርኁቕን ቀረባን ዝመጹ ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ምእመናትን በረኸት ቅዱስ ሚካኤል ክሳተፉ ተረኺቦም እዮም። 

ከምቲ መርሐ ግብር ዋዜማ ካብ 1፡00 ድ.ቀ. - 6፡00 ድ.ቀ. ስብሐተ እግዚአብሔር በጺሑ። ብድኅር’ዚ ሊቃውንት መዘምራን ካብ ሰዓት 9፡00 ድ.ቀ. ጀሚሮም ሥርዓተ ማኅሌትን መዝሙር ዘሰንበትን ከብጽሑ ምስ ኃደሩ ብብፁዕ አቡነ ቄርሎስ ዝተመርሑ ቀዳስያን ሰዓት 6፡00 ነግህ ጸሎተ ቅዳሴ ኣብጺሖም።

ተውሳክ. . . ክብረ በዓል ቅዱስ ሚካኤል ዓዲ ቐይሕ ብዓቢይ ድምቀት ተባዒሉ!

ክብረ በዓል ቅዱስ ሚካኤል ተኸቢሩ!

ክብረ በዓል ቅዱስ ሚካኤል ኣብ ኵሉን ኣብያተ ክርስቲያናትን ኣድባራትን ገዳማትን ብያሬዳዊ ዜማን ውዳሴን ቅዳሴን ጸሎትን ምህለላን ተኸቢሩ። ኣብተን ‘ታቦት’ እናኣውጽኣ ዘኽብሮኦ ብስም ቅዱስ ሚካኤል ዝጽውዓ ኣብያተ ክርስቲያናት፡ ካብ ዋዜማ ጀሚሮም ሊቃውንትን መዘምራንን ምእመናንን ተራዳእነት መላእክት እናተማኅፀኑ ስብሓተ እግዚኣብሔር ኣብጺሖም።
እዛ ጥንታዊትን ሓዋርያዊትን ዝኾነት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን፡ ዓመት መጸ ፲፪/12 ኅዳር ክብረ በዓል ቅዱስ ሚካኤል ተኽብር። 

ቅዱስ ሚካኤል ሓደ ካብቶም ሊቃነ መላእኽቲ እዩ። (ይሁዳ 1፡9) ኃይላት ናይ ዝበሃሉ ነገድ ሓለቓ እዩ። (ሄኖ. 10፡2-12) ቅዱስ ሚካኤል ናይ እብራይስጥ ቃል ኮይኑ ትርጕሙ ‘መን ከም እግዚአብሔር’ ማለት እዩ፡ ከምኡ ውን ‘ሚካኤል’ ብሂል ዕፁብ ማለት እዩ። ቅዱስ ሚካኤል ዲያብሎስ ብትዕቢት ኣምላኽነት ደልዩ፡ ኣብ ሞንጎ መላእኽቲ ህውከት ምስ ኣለዓዓለ ናይ ቅዱሳን መላእኽቲ መራሒ ኮይኑ ንዲያብሎስ ዝተዋግኦ ጽኑዕ ኃያል መልኣኽ እዩ። ኣብ ሰማይ ከኣ ውግእ ኮነ፡ ሚካኤልን መላእኽቱን ነቲ ገበል ተዋግእዎ። እቲ ገበልን መላእኽቱን ድማ ተዋግእዎም እንተኾነ እቲ ገበልን መላእኽቱን ተሳዕሩ፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዝነበረ ቦታኦም ኣጥፍኡ። (ራእ. ዮሓ. 12፡7) 

ተውሳክ፡. . . ክብረ በዓል ቅዱስ ሚካኤል ተኸቢሩ!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195