banner

ክብረ በዓል ቅዱስ ሚካኤል ተኸቢሩ!

ክብረ በዓል ቅዱስ ሚካኤል ኣብ ኵሉን ኣብያተ ክርስቲያናትን ኣድባራትን ገዳማትን ብያሬዳዊ ዜማን ውዳሴን ቅዳሴን ጸሎትን ምህለላን ተኸቢሩ። ኣብተን ‘ታቦት’ እናኣውጽኣ ዘኽብሮኦ ብስም ቅዱስ ሚካኤል ዝጽውዓ ኣብያተ ክርስቲያናት፡ ካብ ዋዜማ ጀሚሮም ሊቃውንትን መዘምራንን ምእመናንን ተራዳእነት መላእክት እናተማኅፀኑ ስብሓተ እግዚኣብሔር ኣብጺሖም።
እዛ ጥንታዊትን ሓዋርያዊትን ዝኾነት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን፡ ዓመት መጸ ፲፪/12 ኅዳር ክብረ በዓል ቅዱስ ሚካኤል ተኽብር። 

ቅዱስ ሚካኤል ሓደ ካብቶም ሊቃነ መላእኽቲ እዩ። (ይሁዳ 1፡9) ኃይላት ናይ ዝበሃሉ ነገድ ሓለቓ እዩ። (ሄኖ. 10፡2-12) ቅዱስ ሚካኤል ናይ እብራይስጥ ቃል ኮይኑ ትርጕሙ ‘መን ከም እግዚአብሔር’ ማለት እዩ፡ ከምኡ ውን ‘ሚካኤል’ ብሂል ዕፁብ ማለት እዩ። ቅዱስ ሚካኤል ዲያብሎስ ብትዕቢት ኣምላኽነት ደልዩ፡ ኣብ ሞንጎ መላእኽቲ ህውከት ምስ ኣለዓዓለ ናይ ቅዱሳን መላእኽቲ መራሒ ኮይኑ ንዲያብሎስ ዝተዋግኦ ጽኑዕ ኃያል መልኣኽ እዩ። ኣብ ሰማይ ከኣ ውግእ ኮነ፡ ሚካኤልን መላእኽቱን ነቲ ገበል ተዋግእዎ። እቲ ገበልን መላእኽቱን ድማ ተዋግእዎም እንተኾነ እቲ ገበልን መላእኽቱን ተሳዕሩ፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዝነበረ ቦታኦም ኣጥፍኡ። (ራእ. ዮሓ. 12፡7) 

ተውሳክ፡. . . ክብረ በዓል ቅዱስ ሚካኤል ተኸቢሩ!

ኣብ ሃገረ ስብከት ዞባ ደቡብ ዓዲ ቐይሕ ዓቢይ መንፈሳዊ ጉባኤ ተቓኒዑ!

ኣብ ከተማ ዓዲ ቀይሕ ዕለት ፬/4 ኅዳር ፳፻ወ፰/2008 ዓ.ም.(14 ኅዳር 2015 ዓ.ም.) ኣብ ዝተኻየደ ዓቢይ መንፈሳዊ ጉባኤ ብመሪሕነት ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ፡ ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ዋና ኣመሓዳሪ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን፡ ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ኣባል ቅዱስ ሲኖዶስን ጳጳስ ዞባ ማእከል ከምኡ’ውን ምኽትል ኣመኃዳሪ ዲያቆን ግርማይ ዘርኣይ፡ ሓላፊ ኣድያመተ ስብከት ሊቀ ካህናት ዘሚካኤል ኣብርሃም፡ ሓላፊ ኣገልግሎት ካህናት ሊቀ ካህናት ሳሙኤል ጸጋይን፡ ሓላፊ ምምዕባል ዓቕም ሰብ ሊቀ ሥዩማን ኪሮስ ኪዳነ ዝሓቘፈ እዩ።

ጉባኤ ብብፁዕ ሊቀ ጳጳስ ኣቡነ ቄርሎስ ብጸሎት ምስ ተኸፍተ፡ መራሕ ሥራሕ እቲ ሃገረ ስብከት ናይ እንቛዕ ብደኃን መጻኹም መደረ ኣስሚዖም።

ብድኅር'ዚ ሓላፊ ክፍሊ ኣገልግሎት ካህናት ሊቀ ካህናት ሳሙኤል ጸጋይ፡- ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን ብሰዓታትን ማኅሌትን ብስብሓታትን ኣብ ኣገልግሎት ጽሙዳት እኳ እንተኾኑ ኣብ ስብከተ ወንጌል ኣብ ጕስነትን ግን ከምቲ ዝግባእ ይሠርሓሉ ስለዘየለ፦ ብሓፈሻ ምእመናን ብፍላይ ድማ መንእሰያት ብኣጽራረ ቤተ ክርስቲያን ተሓድሶንን መናፍቓንን ይምንጠሉ ከምዘለዉ ገሊጾም። ኣስዒቦም ስብከተ ወንጌልን ጕስነትን ንምኅያል ቅዱስ ሲኖዶስ ኣበርቲዑ ይሠርሓሉ ከምዘሎን ክፍሊ ኣገልግሎት ካህናት መንበረ ፓርትርያርክ ናብ ቅዱስ ሲኖዶስ ዘቕረቦም እማመታት ጸዲቖም ናብ ተግባር ገጾም ከምዘለዉ ብዝርዝር ንጉባኤ ብምሕባር፡ ተዳልዩ ዘሎ ቅጥዕታት ብመንገዲ ሃገረ ስብከት ናብ ኣብያተ ክርስቲያን ክዝርጋሕ ምዃኑን፡ ክልል ሰበኻ ኣብያተ ክርስቲያን ብጥንቃቐ መሊኣን ኬቕርባን ተላብዮም።

ተውሳክ፡. . . ኣብ ሃገረ ስብከት ዞባ ደቡብ ዓዲ ቐይሕ ዓቢይ መንፈሳዊ ጉባኤ ተቓኒዑ!

ሓዋርያዊ ዑደት ናብ ሃገረ ስብከታት ዞባ ጋሽ ባርካን ዓንሰባን ተኻይዱ!

ኣቐዲሙ ብዕለት ፳/20 ጥቅምት ፳፻ወ፰/2008 ኣብ ሃገረ ስብከት ዞባ ደቡብ መንደፈራ ዝጀመረ ሓዋርያዊ ዑደት ልኡኽ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ መቐጸልታኡ ድማ ብዕለት ፳፱/29 ጥቅምት ኣብ ከተማ ባረንቱ ሃገረ ስብከት ዞባ ጋሽ ባርካ፡ ከምኡ ውን ብዕለት ፴/30 ጥቅምት ኣብ ከተማ ከረን ሃገረ ስብከት ዞባ ዓንሰባ ኣካይዱ።
እቲ ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ ብብፁዓን ኣቦታት ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስን ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ዋና ኣመኃዳሪ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዝተመርሐ ኾይኑ፡ ተሓጋጋዚ ኣመኃዳሪ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዲያቆን ግርማይ ዘርኣይ ከምኡ’ውን ሊቀ ካህናት ዘሚካኤል ኣብርሃም ሓላፊ ክፍሊ ኣድያመተ ስብከት፡ ሊቀ ካህናት ሳሙኤል ጸጋይ ሓላፊ ክፍሊ ኣገልግሎት ካህናት ዝሓቘፈ እዩ።
ብዕለት ፳፱/29 ጥቅምት ኣብ ከተማ ባረንቱ ኣብ ዝተቃንዐ ዓቢይ መንፈሳዊ ጉባኤ ናይ’ቲ ሃገረ ስብከት መራሕ ሥራሕን፡ ናይ ፱/9 ኣድያማተ ስብከታት ሊቃነ ካህናትን፡ ኣብቲ ሃገረ ስብከት ናይ ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያን አበ መናብርትን ምክትላትን፡ ልዕሊ 350 ውሉደ ክህነትን፡ ኣባላት ሰበካ ጉባኤ ዝኾኑ ምእመናንን ምእመናትን፡ መንእሰያት ተማሃሮ ትምህርቲ ሰንበትን ዘሳተፈ ነይሩ። ምስ ስፍሓት እዚ ሃገረ ስብከት ብምንጽጻር ካብ ርሑቕ ጫፋት ከይተረፈ ብዝኂ ዘለዎ ተሳታፋይ ምንባሩ እዚ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ሃይማኖቱን ዕዮ ቤተ ክርስቲያንን ዘለዎ ኽብሪ ዝገልጽ እዩ።
ጉባኤ ብጸሎት ኣብ ዝተኸፍተሉ ጊዜ “ተዘከር ማኅበረከ ዘአቅደምከ ፈጢረ ወአድኃንከ በትረ ርስትከ ደብረ ጽዮን ዘኀደርከ ውስቴታ” ዝብል መዝሙር ምስ ተሰብከ፡ ኣብ ወንጌል ዮሓንስ ምዕራፍ ፲፬፡፩/14፡1 ዘሎ ክፍሊ ተነቢቡ።

ተውሳክ፡. . .ሓዋርያዊ ዑደት ናብ ሃገረ ስብከታት ዞባ ጋሽ ባርካን ዓንሰባን ተኻይዱ!

ሕዝበ ክርስቲያን ንበዓለ ቁስቋም ‘ስደትኪ ይኣክል ተመለሲ’ እናበሉ ብፍቕሪ ኣኽቢሮሞ!

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን፦ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ፍቁር ወዳ ናብ ደብረ ቁስቋም ዝኣተወትሉ ሽድሽተ ኅዳር በዓለ ቁስቋም ብድምቀት ኣብዒላቶ። ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስን ጳጳስ፡ ኣብ ደብረ ቁስቋም ኣብ ኣረጊት ድባርዋ፡ ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ጳጳስ ዞባ ማእከል ድማ ኣብ ቁስቋም ቤተ ክርስቲያን ወኪድባ፡ ከምኡ ውን ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ዋና ኣመኃዳሪ ቤት ጽሕፈት መንበር ፓትሪያርክን ጳጳስ ዞባ ዓንሰባን ኣብ ሓዲሽ ዝተሓንፀ ቤተ ክርስቲያን ገለብ ተረኺቦም ብጸሎተ ቅዳሴ ከኽብሩን ንሕዝበ ክርስቲያን ምኽርን ቡራኬን ክህቡን ብምውዓል ነቲ በዓል ኣማዕሪጎሞ።

በዓለ ቁስቋም ሓደ ካብ 33 በዓላተ ቅድስት ድንግል ማርያም እዩ፡ ‘አመ ፮ ለኅዳር በዓታ ውስተ ደብረ ቁስቋም’ ከምዝብል። (መቅድመ ተአምረ ማርያም) ቅድስት ድንግል ማርያም ነቲ ናይ ሠለስተ ዓመትን መንፈቕን ስደታ ወዲኣ፡ ንመስፍን ሰላም ኣቦ ዘለዓለም ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ኂዛ ናብ እስራኤል ኣብ ዘቕንዓትሉ ጊዜ ደብረ ቁስቋም ኣትያ ብሓጐስ ዘዕረፈት ብሽድሽተ ኅዳር ስለዝኾነ ነዚ ንምዝካር በዓለ ቁስቋም ይበሃል።

ተውሳክ. . . ሕዝበ ክርስቲያን ንበዓለ ቁስቋም ‘ስደትኪ ይኣክል ተመለሲ’ እናበሉ ብፍቕሪ ኣኽቢሮሞ!

ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ ካልኣይ ዙር ሓዋርያዊ ዑደት ሃገረ ስብከታት የካይድ ኣሎ!

ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ ናብ ኵለን ሃገረ ስብከታት ውሽጢ ሃገር ካልኣይ ዙር ሓዋርያዊ ዑደት ካብ ዕለት ፳ ጥቅምት ፳፻ወ፰ ዓ.ም. (31 ጥቅምት 2015 ዓ.ም.) ጀሚሩ የካይድ ኣሎ። እዚ ሓዋርያዊ ዑደት እዚ ከም መቐጸልታ ናይ ቀዳማይ ዑደት ኮይኑ ዕላማኡ ምስ ነናይ ኃለፍቲ ሃገረ ስብከታትን ንኡስ ሃገረ ስብከታትን፣ ኣባላት ኣብያተ ጽሕፈት ሃገረ ስብከታትን፣ ኣመኃደርቲ ሰበኻ ጉባኤን ብሓፈሻ ምስ ውሉደ ክህነትን፣ ምእመናን ምእመናትን፣ መንእሰያትን ኣብ ጕዳይ ቤተ ክርስቲያን ንምዝርራብ እዩ። እዚ ኸኣ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዙር ዑደት ዝተዘርበሎም ኣጀንዳታትን ዝተሓቱ ሕቶታትን በጺሖሞ ዘለዉ ደረጃ መግለጺ ምሃብ፣ እቲ ንትንሣኤን ዕቤትን ቤተ ክርስቲያን ተባሂሉ ዝተኣመመ ሓድስ እማመ ምስ መምርሒ ቤተ ክርስቲያን ዝኾነ ቃለ ኣዋዲ ዝትግበሩሉ ባይታ ምፍጣር፣ ንዝያዳ ጽፈት ምኅደራን ዕቤት ኣሠራርሓን ሃገረ ስብከታት ዝሕግዙ ሰንሰለታዊ ኣሥራርሓ፡ ውጥንን ባጀትን፡ ኣታኃኀዛ ገንዘብን ኣቀራርባ ጸብጻብን፡ . . . ከምኡ’ውን ብኸምዚ ንኸይዕየ ቀንዲ ማኅንቆታት ኮይኖም ዘለዉ ጕዳያትን፡ ኣብ ጕስነትን ኣገልግሎትን ቤተ ክርስቲያን ዘጋጥሙ ዘለዉ ሽግራትን፣ ንሃይማኖት ዝፈታተኑ ዘለዉ ናይ ተሓድሶን መናፍቓዊ ምንቅስቓሳትን . . . ብዝርዝርን ብቀረባን ንምዝርራብ እዩ።

ተውሳክ፡ . . . ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ ካልኣይ ዙር ሓዋርያዊ ዑደት ሃገረ ስብከታት የካይድ ኣሎ!

ሥሩዕ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ተቓኒዑ!

ሥሩዕ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ዕለት ፲፮-፲፯ ጥቅምት ፳፻ወ፰ (27/10/2015) ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ተቓኒዑ። ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ: ብመጀመርታ ጸብጻብ ናይ ብምኽንያት መንፈሳዊ ዕድመ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ግብጺ ዝተገብረ ሓዋርያዊ ዑደት ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ናብ ግብጺ ብምስማዕ፡ እቲ ዑደት ብዙኅ ኣርእስታት ዝተላዕለሉን ኣብ ምርድዳእ ዝተበጽሓሉን ብሓፈሻ ሓናፅን ዕዉትን ከምዝነበረ ገምጋሙ ሂቡ።
ብድኅር እዚ ቅዱስ ሲኖዶስ ዝተፈላለዩ ኣርእስታት ኣልዒሉ ብዕምቈትን ብስፍሓትን ዘትዩ። ሓደ ካብ ንኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ዝምልከት ኣርእስቲ ድማ ብጉባኤ ሊቃውንት ዝቐረበሉ ጽሑፋት ተመልኪቱ።

ተውሳክ፡ . . .ሥሩዕ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ተቓኒዑ!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195