banner

ነገረ ምጽአተ ክርስቶስን ኅልፈተ ዓለምን

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!
ነገረ ምጽአተ ክርስቶስን ኅልፈተ ዓለምን

ብዛዕባ ናይ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዳግማይ ምጽኣት ብፍሉይ እንዝክረሉ ሠለስተ ጊዜያት ኣለዉ። እቲ ሓደ ኣብ ወርኃ ጳጉሜን ክኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ድማ ኣብ 4-6 ኅዳር ዘሎ ደብረ ዘይት ዝበሃል ኣሎ፡ እቲ ሣልሳይ ድማ መበል ኃሙሻይ ሰንበት ናይ ዓቢይ ጾም ‘ደብረ ዘይት እናተባህለ ዝጽዋዕ እዩ።

ቅዱሳን ሓዋርያት ብሕት ኢሎም ንጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ “. . . ትእምርቲ ምምጻእካን ናይ መወዳእታ ዓለም ምልክታቱን እንታይ እዩ፧ እዚ መዓስ እዩ ዚኸውን፧ እስኪ ንገረና እናበሉ ናብኡ ምስ ቀረቡ ብዛዕባ ኅልፈተ ዓለምን ዳግም ምጽኣቱን ኣስፊሑ ምሂርዎም እዩ።

ተውሳክ፡ . . . ነገረ ምጽአተ ክርስቶስን ኅልፈተ ዓለምን

“ይትዔገሥ ከመ ዘኢየአምር / ከም ዘይፈልጥ ይዕገሥ!”

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

“ይትዔገሥ ከመ ዘኢየአምር / ከም ዘይፈልጥ ይዕገሥ!” (ቅዳሴ ሠለስቱ ምእት ቍ. 59-60)

እግዚአብሔር፡ ብባህሪኡ ከሀሌ ኵሉ፡ ማእምረ ኵሉ፡ ምሉእ በኵለሄ እዩ። “አኃዜ ዓለም በእራኁ ኵሉ እኁዝ ውስተ እዴሁ፡ ይጸውር ድደ ወይነብር ጠፈረ” ከምዝብል ኵሉ ዝርአን ዘይርአን ፍጥረት ኣብ ትሕቲኡ እዩ። 

"ንስኻ መርመርካኒ ከምኡ’ውን ፈለጥካኒ። ዝገብሮ ዘበለ ኵሉ ትፈልጥ፡ ንሓሳበይ ካብ ርኁቕ ተስተውዕሎ። ክዓዪ ከሎኹን ከዕርፍ ከሎኹን ትርኢ ንብዘሎ ተግባራተይ’ውን ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ኢኻ። . . . ቅድሚ ምዝራበይ ነቲ ኽብሎ ዝደሎኹ ኣቐዲምካ ትፈልጦ ኢኻ። . . . ካባኻ ናበይ ክኸይድ እየ፧ ካብ ገጽካስ ናበይ ክሃድም እየ፧ . . . ” ከምዝበለ ቅዱስ ዳዊት (መዝ. 139፡1-12) ኵሉ ቅድምን ድኅርን ፡ ዝኃለፈን ዘሎን ዝመጽእን፡ ቀረባን ርኁቅን ብእኡ ፍሉጥ እዩ። ካብኡ ዝኅባእ የለን።

ተውሳክ፡ . . . “ይትዔገሥ ከመ ዘኢየአምር / ከም ዘይፈልጥ ይዕገሥ!”

“እንታይ ክመጸኒ ኢሉ ኣይትበል: እግዚኦ መሓረነ ክርስቶስ በል” መምህር ክነፈ ርግብ ማርቆስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

“እንታይ ክመጸኒ ኢሉ ኣይትበል: እግዚኦ መሓረነ ክርስቶስ በል” መምህር ክነፈ ርግብ ማርቆስ

ሰብ ካብ ፍርህን ስንባደን ናጻ ኮይኑ ንኽነብር ለይትን መዓልትን ከየባተኸ፡ ‘እንታይ ክመጸኒ ኢሉ ከይበለ እግዚኦ መሓረኒ ክርስቶስ’ ክብል ይግብኦ።

ኣብ ዓለም፦ ደዌያት ዘርኅቕ፡ ሰላም ዘምጽእ፡ ምሕረት ዝዕድም፡ ኃይሊ ጸላኢ ዘድክም ኣሎ እንተተባህለ ካልእ ዘይኮነስ እግዚኦ መሓረኒ ክርስቶስ ዝብል ንባብ እዩ። ‘እግዚኦ መሐረነ ክርስቶስ’ ዝብል ሰብ ወዲቑ ኣይወድቕን እዩ፣ እንተወደቐ እኳ ቀልጢፉ ይትንሥእ።

ሰብ በቲ ዝሠርሖ ኃጢኣትን ዝብድሎ በደልን ኣብ ልዕሊኡ ዝመጾ ሓደገኛ ፈተና ክፈልጦ ኣይክእልን እዩ። ስለ ዘይፍልጦ ከኣ እዩ ኵሉ ሳዕ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናተጋገየ ይነብር።

ተውሳክ፡ . . . “እንታይ ክመጸኒ ኢሉ ኣይትበል: እግዚኦ መሓረነ ክርስቶስ በል” መምህር ክነፈ ርግብ ማርቆስ

"እንሆ በብቛንቋና ብዛዕባ እቲ ዓቢይ ግብሪ ኣምላኽ ክዛረቡ ንሰምዖም ኣሎና።" (ግብ. ሓዋ. 2፡11)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

“ወናሁ ንሰምዖሙ ይነብቡ በነገረ በሐውርቲነ ዕበያቲሁ ለእግዚአብሔር/ እንሆ በብቛንቋና ብዛዕባ እቲ ዓቢይ ግብሪ ኣምላኽ ክዛረቡ ንሰምዖም ኣሎና።”  (ግብ. ሓዋ. 2፡11)

ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዝትንሥእ ኣብ መበል ኃምሳ መዓልቱ፡ ካብ ዝዓርግ ድማ ኣብ ዓሥራይ መዓልቱ ዝኽበር በዓለ መንፈስ ቅዱስ እዩ። እዚ በዓል’ዚ በዓለ ኃምሳ፡ በዓለ ጰራቅሊጦስ፡ ወይ በዓለ ጰንጠቆስጤ እናተባህለ’ውን ይጽዋዕ እዩ።

• በዓለ ኃምሳ ፦ ብሕገ ኦሪት ካብ በዓለ ፋሲካ ኣብ መበል ኃምሳ መዓልቲ፡ ‘በዓለ ሰዊት’ እናበሉ እስራኤላውያን ካብ ፍርያቶም በኵራት ከም ቁርባን ብምቕራብ ተኣኪቦም ዘብዕልዎ ዕለት እዩ። (ዘሌ. 23፡16-17) ከምኡ’ውን ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዝትንሥእ ኣብ መበል ኃምሳ መዓልቲ ማለት’ዩ።

ተውሳክ፡ . . ."እንሆ በብቛንቋና ብዛዕባ እቲ ዓቢይ ግብሪ ኣምላኽ ክዛረቡ ንሰምዖም ኣሎና።" (ግብ. ሓዋ. 2፡11)

‘ወናሁ አነ እፌኑ ተስፋሁ ለአቡየ ላዕሌክሙ/ እንሆ ኣነ ተስፋ ኣቦይ ክሰደልኩም እየ’ ሉቃ. 24፡49

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

‘ወናሁ አነ እፌኑ ተስፋሁ ለአቡየ ላዕሌክሙ/ እንሆ ኣነ ተስፋ ኣቦይ ክሰደልኩም እየ’ (ሉቃ. 24፡49)

ተስፋ

ተስፋ ማለት ነቲ ዘይርአ ከም ዝርአ፡ ነቲ ዘየሎ ከምዘሎ፡ ነቲ ዘይኸውን ድማ ከምዝኸውን ጌርካ ብእምነት ንእግዚአብሔር ምጽባይ እዩ። ተስፋ ሓንቲ ካብተን ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ቆሮንቶስ ጽሒፍሎም ዘሎ ቓላት እያ። ( 1ይ ቆሮ. 13፥13)
እምነት ኣብ እግዚአብሔር ተስፋ የግብር፡ ተስፋ ድማ ፍቕሪ ኣምላኽ የንግሥ እዩ እሞ ኣብዚ ጊዜና ትስፍዋት ክንከውን ይግባእ።

ተስፋ፡ ካብ ቀደም ኣትኂዛ ከም ዝነበረት መጽሐፍ ቅዱስ ይነግረና።

ተውሳክ፡ . . .‘ወናሁ አነ እፌኑ ተስፋሁ ለአቡየ ላዕሌክሙ/ እንሆ ኣነ ተስፋ ኣቦይ ክሰደልኩም እየ’ ሉቃ. 24፡49

6ይ ሰንበት፡ ‘ገብርኄር’

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

‘ገብርኄር’

ሻዱሻይ ሰንበት ዓቢይ ጾም “ገብርኄር” ትበሃል። እዛ ሰንበት እዚኣ ‘ገብርኄር’ ዝተሰምየት፡ ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ዝደረሶ ጾመ ድጓ፡ ብዛዕባ ቅኑዓት ኣገልገልትን፡ ጐይታ ነቶም ቅኑዓት ኣገልገልቲ “ገብርኄር” እናበለ ዓስቦም ከም ዝህቦም ዘዘኻኽር ስለዝዝመር እዩ። ‘ገብርኄር’ ማለት እሙን ኣገልጋሊ እዩ። ኣብዚ ሰሙን’ዚ ብዛዕባ ጐይታ ኣገልገልትን፡ እሙናት ኣገልገልትን ዘይእሙን ኣገልጋልን ይትርኽ። (ማቴ. 25፡14-30፣ ሉቃ. 19፡12-27) እዚ ምሳሌያዊ ትምህርቲ፡ ሓደ ክገይሽ ዝደለየ ሰብኣይ ቅድሚ መገሻኡ ንኣገልገልቱ ጸዊዑ ንነፍሲ ወከፎም ከከም ዓቕሞም ነቲ ቐዳማይ ኃሙሽተ መክሊት፡ ነቲ ኻልኣይ ክልተ መክሊት፡ ነቲ ሣልሳይ ድማ ሓደ መክሊት ሂቡ፡ ነጊዶም ክረብሕሉን ትርፊ ክረኽቡሉን ተላብዩ ኸደ።

ተውሳክ፡ . . .6ይ ሰንበት፡ ‘ገብርኄር’

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195