banner

“ ኣብ ነፍስኹም ጨው ይሃልኹም” ማር. 9፡48 - ሣልሳይ ክፋል

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

“ ኣብ ነፍስኹም ጨው ይሃልኹም” ማር. 9፡48 - ሣልሳይ ክፋል

3. ትዕግሥት

ኣብ ጕዕዞ ክርስትና ናብ ሕንጹጽ ዕላማን ዓስቢ ዓወትን እተብጽሕ ትዕግሥቲ እያ። ካብ ገዛእ ርእስና፡ ዓለምን ዲያብሎስን ዝመጸና ግዳማውን ውሣጣውን ፈተናታት ዝሃድእ ብትዕግሥቲ እዩ። ምሕረት ፈጣሪና ኽንረክብን ዝለመንናዮ ክንቅበልን እንኽእል ዓቃላትን ዕጕሣትን ምስ እንኸውን እዩ።

ነቢይ ዳዊት “እግዚአብሔር ርኅሩኅን መሓርን እዩ። ንኵራ ደንጓዪ ብምሕረት ድማ ምሉእ እዩ።” (መዝ. 103፡8) ክብል ገሊጽዎ ከምዘሎ ትዕግሥቲ እግዚአብሔር ካብ ምሕረቱን ርኅራኄኡን እዩ። ኃጥእ ብንስሓ ክሳዕ ዝምለስ ይዕገሦ። ሰብአ ነነዌ ብጾምን ጸሎትን ናብኡ ክሳብ ዝምለሱ ተዓገሦም። (ዮና. 3፡4) “እቲ ጐይታና ንከድኅነኩም ኢሉ ዘርእዮ ዘሎ ትዕግሥቲ ሕሰቡ።” ይብል ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ። (2ይ ጴጥ. 3፡15)

መምህር ትዕግሥቲ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣባና ዘርእዮ ትዕግሥትን ስሌና ክብል ንመሪር መከራ ዝተዓገሦን ኣሰሩ ምእንቲ ኽንስዕብ ኣርኣያ ንምዃን እዩ። ኣሰረ ፍኖቱ ዝሰዓቡ ኣቦታት “ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ዝፈልየና መን እዩ፧” (ሮሜ. 8፡35) እናበሉ ሓዋርያት ብስብከቶም፡ ሰማዕታት ብደም፡ ጻድቃን ብገድሎም ዝጸንዑ ብትዕግሥቲ እዮም። “እቲ ክሳዕ መወዳእታ ዝዕገሥ ግና ንሱ ኽድኅን እዩ።” (ማቴ. 10፡22)፣ “ንነፍስኹም ከኣ ትዕግሥትኩም ከተጥርይዋ ኢኹም።” (ሉቃ. 21፡19) ዝብል ኣምላካዊ ቃል ፈጸሙ። 

ሎሚ ኣብዛ መቐረት ዘይብላ ዓለም ትዕግሥትና ከመይ ይመስል፧

ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ መልእኽቱ “መልክዕክንሲ እቲ ኣብ ልቢ ወዲ ሰብ ዘሎ ለዋህን ህዱእን ዝኾነ መንፈስ ይኹን።” (2ይ ጴጥ. 3፡4) ከምዝበለ ውሣጣዊ ህድኣት(ትዕግሥት) ክህልወና ይምዕደና። ምኽንያቱ ክርስቲያን፡ ብውሣጣዊ ትዕግሥት ሕይወቱ እንተመርሐን፣ ከውሑን መድኃኒኡን እምባኡን እግዚአብሔር እንተገበረን ኣይናወጽን እዩ። (መዝ. 62፡1-2) ውሽጣዊ ህድኣት ዝተባህለ ጸጥታ ኣእምሮ፡ ርጉእ ልብን ህዱእ ሓሳባትን እዩ። ውሣጣዊ ህድኣት ዘይብሉ ሰብ ድሌቱን ተስፋኡን ጽኑዕ ኣይኮነን። ተጠራጣሪ፡ ኣብ ዘየለ ዝኹብልል ፈራህን ኣብ ዘይተባህለ ዝህውትት ጭኑቕን ብምዃኑ ኣብ ማዕበል ባሕሪ ብዘሎ ነው ነጀውን ነውጽን ይምሰል። ህዱእ ሰብ ግና ከም ማዕሙቕ ባሕሪ እዩ። ነቶም ሽግራት ኣብ ላዕሊ ጸምበለል የብሎም፡ ናብ ውሽጢ ማዕሙቕ እንተኣተዉ ግና የሕቕቖምን የጥፍኦምን። ንሕይወትና ኣመቂራ ናብ መንግሥተ ሰማያት እተእቱ ድማ ትዕግሥቲ እያ። ባዕሉ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ውን “ዓቃላት ንምድሪ (መንግሥተ አምላክ) ኪወርስዋ እዮም እሞ ብፁዓን እዮም።” (ማቴ. 5፡5) ኢሉና እዩ።

ስለዚ ንሕይወትና ሕያውን ባህ ዘብልን መሥዋዕቲ ገይርና እነቕርቦ (ሮሜ 12፡1) ፄወ ነፍስ ወሥጋ ዝኾኑ ፍቕርን ትሕትናን ትዕግሥትን ኣቃሚምና እዩ። ምኽንያቱ ጨው ዘይብሉ መግብ ዝበልዖ ከምዘይብሉ፡ ፄወ ነፍስ ወሥጋ ዝኾኑ ፍቕርን ትሕትናን ትዕግሥትን . . . ዘይብሉ ሕይወትና ድማ እግዚአብሔር ዝቕበሎ ኣይኮነን። 

ነዚ ንምፍጻም እግዚአብሔር ጸጋኡ የብዝኃልና። ኣማላድነት ቅድስት ድንግል ማርያምን ጸሎት ቅዱሳንን ንዘለዓለም ምስ ኵልና ይኹን።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195