"እንሆ በብቛንቋና ብዛዕባ እቲ ዓቢይ ግብሪ ኣምላኽ ክዛረቡ ንሰምዖም ኣሎና።" (ግብ. ሓዋ. 2፡11)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

“ወናሁ ንሰምዖሙ ይነብቡ በነገረ በሐውርቲነ ዕበያቲሁ ለእግዚአብሔር/ እንሆ በብቛንቋና ብዛዕባ እቲ ዓቢይ ግብሪ ኣምላኽ ክዛረቡ ንሰምዖም ኣሎና።”  (ግብ. ሓዋ. 2፡11)

ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዝትንሥእ ኣብ መበል ኃምሳ መዓልቱ፡ ካብ ዝዓርግ ድማ ኣብ ዓሥራይ መዓልቱ ዝኽበር በዓለ መንፈስ ቅዱስ እዩ። እዚ በዓል’ዚ በዓለ ኃምሳ፡ በዓለ ጰራቅሊጦስ፡ ወይ በዓለ ጰንጠቆስጤ እናተባህለ’ውን ይጽዋዕ እዩ።

• በዓለ ኃምሳ ፦ ብሕገ ኦሪት ካብ በዓለ ፋሲካ ኣብ መበል ኃምሳ መዓልቲ፡ ‘በዓለ ሰዊት’ እናበሉ እስራኤላውያን ካብ ፍርያቶም በኵራት ከም ቁርባን ብምቕራብ ተኣኪቦም ዘብዕልዎ ዕለት እዩ። (ዘሌ. 23፡16-17) ከምኡ’ውን ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዝትንሥእ ኣብ መበል ኃምሳ መዓልቲ ማለት’ዩ።

• በዓለ ጰራቅሊጦስ፦ ‘ጰራቅሊጦስ’ ብልሳነ ግሪኽ ኮይኑ “መንጽሒ፡ መጽንዒ” ማለት እዩ። እዚ ኸኣ መጸውዒ ስም ናይቲ ዘንጽሕን ዘጽንዕን ዝቕድስን እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ስለዝኾነ እዚ ዕለት’ዚ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ንምባል በዓለ ጰራቅሊጦስ ንሰምዮ።

• ጰንጠ ቆስጤ፦ ማለት መበል 50 መዓልቲ ናይቶም ኣቐዲሞም ዘለዉ 49 መዓልታት ዘመልክት እዩ።

በዚ ዕለት’ዚ ቅዱሳን ሓዋርያት፡ ኣብ ሓደ ቤት ተኣኪቦም ከለዉ፡ ሃንደበት ካብ ሰማይ ከም ድምፂ ነፋስ ዝበለ ተሰምዐ እሞ በአምሳለ እሳት ዘይትከፈል/ ዝተመቓቐለ ልሳን ሓዊ ዚመስል ተራእዮም፡ ኣብ ልዕሊኦም’ውን ዓረፈ። ኵሎም ከኣ መንፈስ ኃይሊ ተመልኡ። ፈራሃት ዝነበሩ ተባዓት ኮኑ፣ ካብ ብልየት ተሓደሱ፣ ብኣእምሮ በርትዑ።

መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊ ሓዋርያት ወረደ ክበሃል ከሎ፡ መንፈስ ቅዱስ ብኣካሉ ወሪድሎም ወይ ኣካለ መንፈስ ቅዱስ ተኸፋፊሉ ተዋሂብዎም ማለት ዘይኮነስ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ተዋሂብዎም ማለት እዩ። ኣካለ መንፈስ ቅዱስ ሓደ ክኸውን ከሎ እቲ ዝወሃብን ዝኃድርን ጸጋኡ ሃብቱ ግና ብዙኅ እዩ። ብርሃነ ዓለም ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ መልእኽቱ ክገልጾ ከሎ ከምዚ ይብል፦ “እምበኣርከ በብዓይነቱ ውህበት ኣሎ፡ መንፈስ ቅዱስ ግና ሓደ ንሱ እዩ። . . . ንነፍሲ ወከፍ ከከምዝግብኦ ከከምዝጠቕሞ ብግልጺ ይወሃቦ።” (1ይ ቆሮ. 12፡4-11)

ካብቲ በብዓይነቱ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ በዚ ዕለት’ዚ ንቅዱሳን ሓዋርያት ዝተዋህቦም ሓደ ልሳን (ቋንቋ) እዩ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፦ “ ነቶም ዝኣምኑ እዚ ምልክት እዚ ክስዕቦም እዩ፦ . . . ብሓድሽ ቋንቋ ክዛረቡ እዮም” (ማር. 16፡17)ዝበሎ ብግብሪ ኣብ ቅዱሳን ሓዋርያት ተጀመረ። ‘ሓድሽ ቋንቋ’ ዝተባህለ ተወሊድካ ዘይዓበኻሉ፡ ተማሂርካ ዘይፈለጥካዮ ቋንቋ ማለት እዩ። ቅዱሳን ሓዋርያት፡ ሓደ ቛንቋ ዝፈልጡ ዝነበሩ ሰብዓን ሓደን ቋንቋ ተገሊጽሎም ብሰብዓን ክልተን ተዛረቡ። እቲ ዝተገልጸሎም ቋንቋ፡ ሰብ ዘይሰምዖ ወይ ቋንቋ መላእክቲ ዘይኮነስ ኣብ ዓለም ዝዝረብ፡ ሰብ ዝግልገለሉ ቋንቋታት ብምንባሩ ብዘይ ገለ ጸገም ንዅሎም እቶም ካብ ኣርባዕተ መዓዝን ካብ ሃገረ ኣሕዛብ ተፈልዮም መጺኦም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝተጋብኡ በብቛንቋኦም መሃርዎም።

እቶም ሕዝቢ “ነፍስ ወከፎም በብቛንንቋኦም ኪዛረቡ ምስ ሰምዑ ዚብልዎ ጠፍኦም። ከምዚ ዚስዕብ እናበሉ ኸኣ ኵሎም ተገረሙን ተደነቑን ‘እንሆ እዞም ዚዛረቡ ኵሎም ገሊላውያን’ዶ ኣይኮኑን፧ ከመይ ኢልና ደኣ ኵላትና በበቲ ዝተወለድናሉ ቋንቋ ክዛረቡ ንሰምዖም ኣሎና፧ . . . እንሆ በብቛንቋና ብዛዕባ እቲ ዓቢይ ግብሪ ኣምላኽ ክዛረቡ ንሰምዖም ኣሎና።” በሉ። (ግብ. ሓዋ. 2፡1 -11) ካብቶም ዝሰምዑ፡ በዛ መዓልቲ’ዚኣ ብሓንሳእ 3000 ሰባት ዝኣኽሉ ኣሚኖም ተጠምቁ። (ግብ. ሓዋ. 2፡41)

ስለዚ ሓድሽ ቋንቋ ዝወሃብ፡ ከምቲ “. . . ንስኻትኩም ብቛንቋታት ዘይርዳእ ነገር እንተ ተዛረብኩም ነቲ ዝተዛረብኩምዎ መን ኪርድኦ ይኽእል፧ ምስ ንፋስ ከም ዚዛረብ ኢኹም።” (1ይ ቆሮ. 14፡9) ዝብል ንኵሉ ሰብ በብዝውንኖ ቋንቋኡ ትምህርተ ወንጌል ሰቢኽካ ናብ ሕዝበ ክርስቲያን ምጽንባር እዩ።

ኵሉ ህያብ መንፈስ ቅዱስ ንዕብየትን ሕንፀትን ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ከምዝወሃብ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ መልእኽቱ፦ “ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ንመንፈሳዊ ውህበታት ሃረር እትብሉ ኻብ ኮንኩም በቶም ንቤተ ክርስቲያን ዚሓንፁ ውህበታት ዕዙዛት ክትኮኑ ድለዩ።” ይብል። (1ይ ቆሮ. 14፡12) ንቤተ ክርስቲያን ዚሓንፁ ውህበታት ማለቱ ድማ ንዝኃዘኑ ዘጽንዕ፡ ንዝደኸሙ ዘበርትዕ፡ ንውሉደ ክህነት ናብ ኣገልግሎት፡ ንምእመናን ናብ ጸሎትን ምጽዋትን፡ ንሰማዕታት ናብ ደም፡ ንመነኮሳት ናብ ገዳም ከምዝነቕሑን ከምዝለዓሉን ዝገብር እዩ። (ዮሐ. 16፡13)

ብኣንጻሩ መንፈስ ቅዱስ ዘይኮነስ መንፈስ ርኹስ ዝኃደሮም ሓድሽ ቋንቋ ተዋሂብና እናበሉ፡ ሰብነቶም እናቐጥቀጡ፡ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን እናኣጋጨዉ፡ መላእ ሰብነቶም ከም ሳዕሳዒት እናተወዛወዙ፡ ብዘይ ፍለጥ ቋንቋ እናለፍለፉ እንተዘይጸለዩ ዝጸለዩ ዘይመስሎም ከምዘለዉ ዝተፈልጠ እዩ። ንእግዚአብሔር ብዝኾነ ቋንቋ እንተ ኣመስገንናዮ እንተ ለመንናዮ ብንጽሕና ልብና ደኣ ይኹን እምበር ናይ ቋንቋ ምልውዋጥ ትርጕም የብሉን።

ዋላ ኣብዚ ዓለም ብዘለዉ 6,500 ቋንቋታት እንተ ተዛረብና፡ እዚ ዕብየትን ድኻምን እምነትና ዝልክዕ ኣይኮነን። ብዙኅ ቋንቋታት ናይ ምዝራብ ህያብ ዝተዋህቦ ቅዱስ ጳውሎስ “ኃለፋ ኵላትኩም ብቛንቋታት ስለ ዝዛረብ ንኣምላኽ አመስግኖ እየ። ኣብ ቤተ ክርስቲያን ግና ንኻልኦት ምእንቲ ኽምህር ብቛንቋታት እልፊ ቃላት ካብ ዝዛረብ ኃሙሽተ ቓላት ብኣእምሮ ኽዛረብ እፈቱ።” ብምባል ብዙኅ ካብ ምዝራብ፡ ብዝሓንፁ ኃሙስተ ኣዕማደ ምሥጢር ምስትምሃር ከምዝጠቅም ይነግር። (1ይ ቆሮ. 14፡18)

ከምኡ’ውን መለክዒ እምነት ስለዘይኮነን ከከም ኣገዳስነቱ ደኣ እምበር ንዅሉ ምእመን ግድን ዘይወሃብ ስለዝኾነን ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንህያባት መንፈስ ቅዱስ ኣብ ዝዘርዘረሉ ብቛንቋታት ምዝራብን ምትርጓምን ኣብ መወዳእታ ከምዝሠርዖ መጋብያነ ምሥጢር መምህራን የረድኡ። (1ይ ቆሮ. 12፡4-30)

በዓለ መንፈስ ቅዱስ፡- ትንቢት ነቢያት ዝተፈጸመሉ፡ ንቅዱሳን ሓዋርያት ምሥጢር ዝተገልጸሎምን ሓድሽ ቋንቋ ዝተወሰኾሎምን ብምዃኑ ሎሚ መዓልቲ ልደት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እዩ እሞ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ጽንዓትን ዕብየትን ንቤተ ክርስቲያንና ይሃባ። ኣብዛ ሓዋርያዊትን ርትዕትን ሃይማኖት ጸኒዕና ንመንግሥተ ሰማያት ዘብቅዕ ተግባር ክንፍጽም ጸጋኡ የብዝኃልና!

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!