banner

ተሰቅለ ዲበ ዕፅ በሥጋሁ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

“ ወበእንተ ኃጣውኢነ ውእቱ ተሰቅለ ዲበ ዕፅ በሥጋሁ/ ምእንቲ ኃጢኣትና ብሥጋኡ ኣብ ዕንጨይቲ ተሰቕለ።” (1ይ ጴጥ. 2፡24)

እግዚአብሔር ዝሃቦ ተስፋን፡ ነቢያት ዝተነበይዎ ትንቢትን ንምፍጻም፡ ኣካላዊ ቃል እግዚአብሔር ወልድ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብ መልዕልተ መስቀል ተሰቂሉ ቅዱስ ሥጋኡ ቈረሰልና፡ ክቡር ደሙ’ውን ኣፍሰሰልና፡ ክብርቲ ነፍሱ’ውን ብፍቓዱ ኣኅለፈልና። በዚ ኣብ መስቀል ዝፈጸሞ ተበጃውነት ድማ ብዙኅ ጸጋን ክብርን ረኸብና።

ብምኽንያት ኃጢኣተ ኣዳም፡ ካብ ኣዳም ክሳብ ሙሴ (እስከ ክርስቶስ) ኣብ ዝበደሉን ዘይበደሉን ሞት ነጊሡ ነበረ። (ሮሜ 5፡14) ኃጢኣት ብዘርኢ እናተመኃላለፈ፡ ብመርገመ ሥጋን መርገመ ነፍስን ተኣሢርና ብርደተ መቃብር ርደተ ገሃነም፡ ብሞተ ሥጋ ድማ ሞተ ነፍስ ተፈሪድና ኵልና ንመውት ነበርና።

ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ መልእኽቱ፡ ” ወበእንተ ኃጣውኢነ ውእቱ ተሰቅለ ዲበ ዕፅ በሥጋሁ/ ምእንቲ ኃጢኣትና ብሥጋኡ ኣብ ዕንጨይቲ ተሰቕለ።” (1ይ ጴጥ. 2፡24) ከምዝበሎ ክርስቶስ ኣምላኽና ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱን ሥጋና ተዋሒዱን ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ኃጢኣትና (መርገምና) ስለዝተሰከመልና ግና ሞት ተሳዒሩ ሕይወት ረኺብና።

ኃይለ እግዚአብሔር ዝተገልጸ፡ ግብረ ምድኃን ዝተፈጸመ ኣብ መልዕልተ መስቀል ብምዃኑ ‘‘ንሱ ንርእስኻ ክቕጥቅጥ እዩ’’ ተባሂሉ ከምዝተነግረ፡ ጐይታ ንዲያብሎስ ዝቐጥቀጦ ብመስቀሉ እዩ። (ዘፍ. 3፥15)።
ኵልና ብእኡ እንኣምን’ውን ንዲያብሎስ እንቕጥቅጠሉ ኃይልና መስቀል እዩ።

ኣብ መንጎ እግዚአብሔርን ሰብን፡ መላእኽትን ሰብን ፣ ሥጋን ነፍስን፣ ሕዝብን ኣሕዛብን ሰላም ዝተረኽበ ብናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ቤዛነት ብምዃኑ መስቀል ትእምርተ ሰላም እዩ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ‘‘ ወገብረ ሰላመ በደመ መስቀሉ ለዘበሰማይ ወለዘበምድር/ ብደም መስቀሉ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ንዘለዉ ሰላም ገበረ።” (ቈላ. 1፥19-20) ይብል እሞ ኣብ መልእክቱ ናብ ሰብ ኤፌሶን ድማ “ ንሱ ነቲ ኣብ መንጎ ዝነበረ ናይ ጽልኢ መንደቕ ብሥጋኡ ብምፍራስ ነቶም ኽልተ ሓደ ዝገበረ ሰላምና እዩ። . . . ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ብሙማት ነቲ ጽልኢ ደምሰሶ።” (ኤፌ. 2፥13-14) ይብል። ቅዱስ ዮሐንስ አፈ ወርቅ’ውን “ወበመስቀል ቀተሎ ለጸላኢ ሚ ይትሌዓል ዝሀብት ወሚ ያፈርህ ዝነገር/ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ንጸላኢ ዲያብሎስ ሰዓሮ፣ እዚ ክብሪ’ዚ ክንደይ ይረቅቕ፣ እዚነገር’ዚ ኸ ክንደይ ያፈርህ” ብምባል ብኣድናቖት ይገልጾ። (ሃይ.አበው ዮሐ. አፈወርቅ 68፡18)
ስለዚ፡ መርገምና ዝተደምሰሰሉን ሞት ዝተሳዕረሉን መንደቕ ጽልኢ ዝፈረሰሉን፡ . . . ወቦ ዘተርፈ ግብረ ቤዛነት ዝተፈጸመ ኣብ መልዕልተ መስቀል ስለዝኾነ፣ መስቀል ንዘለዓለም ትእምርተ ሰላምን ዓወትን ኃይልን ጽንዓትን . . . ኮይኑ ይነብር።

ነገረ መስቀል ብብዙኅ ትንቢት ተነጊሩ እዩ። ብብዙኅ ኅብረ አምሳልውን ተመሥጢሩ እዩ። ኣቦና ኣዳም በደሉ ኣሚኑ ብኃዘንን ብኽያትን ምስ ለመነ፡ መፍቀሬ ንስሐ እግዚአብሔር ብዓይነ ምሕረት ጠሚቱ ፥ ‘‘ እትቤዘወከ በመስቀልየ ወበሞትየ/ ብመስቀለይን ብሞተይን ክብጀወካ እየ’’ ዝብል ተስፋ ሃቦን ቃል ኪዳን ኣተወሉን። (አክሲማሮስ ዘዓርብ፣ ቀሌ. 13 )

ነቢየ እግዚአብሔር ቅዱስ ዳዊት’ውን “ወወሃብኮሙ ትእምርተ ለእለ ይፈርሁከ ከመ ያምስጡ እም ገጸ ቀስት” (መዝ. 59፡4) ክብል ከሎ ብክርስቶስ ክርስቲያን ብወልድ ውሉድ ዝተባህሉ ምእመናንን ምእመናትን ካብ ኃጢኣት፡ ኣጋንንት፡ መናፍቃንን ፍትወታት እኩያትን ብትእምርተ መስቀል ዓወት ከምዝረኽቡ ንምርዳእ እዩ።
ብኅብረ ኣምሳል ስለ ነገረ መስቀል ብዙኅ ተመሥጢሩ እዩ። ዕፀ ሕይወት (ዘፍ.3፡22)፣ ኖኅ ምስ ሥድራ ቤቱ ዝደኃነላ መርከብ (ዘፍ. 6፡14-22)፣ ‘ወአስተኀለፈ እዴሁ ወባረኮሙ/ ኣእዳዉ ኣመሳቒሉ ባረኾም’ ከምዝብል (ዘፍ. 48፥14) ኣቦና ያዕቆብ ንደቂ ዮሴፍ ዝባረኸሉ ምልክት፣ ባሕረ ኤርትራ ዝኸፈለት በትረ ሙሴ (ዘፀ. 14፡16)፡ ሙሴ ኣብ በረኻ ንኣስራዚ ተመን ዝሰቐለሉ ዕንፀይቲ (ዘኁ. 21፡8-9)፡ ኣቃውማ ሙሴ ንጸሎት (ዘፀ. 17፡11-17) . . . ወቦ ዘተርፈ።

ብሓፈሻ መስቀል ብትንቢት ዝተነግረ፡ ብኅብረ አምሳል ዝተመሥጠረ፡ ብደም ክርስቶስ ዝኸበረ፡ ቤዛነትን ድኅነትን ስለዝተፈጸመሉ ብዝተፈላለየ ሥርዓት ንገልጾን ነኽብሮን። ቤተ ክርስቲያን ብዘይ መስቀል ኣይትከልን’ዩ። ካብ ጉልላት ክሳብ መሠረት ምልክት መስቀል እዩ። ካህናት መስቀል ይኅዙ፣ ብእኡ’ውን ይባርኹ። ሕዝበ ክርስቲያን ውን መስቀል ይሳለሙ፣ ኣብ ኵሉ ሕይወቶም ኽጅምሩን ኽፍጽሙን ብትእምርተ መስቀል የማዕትቡ፣ ኣብ መስቀል ብዝተኸፍለ ዋጋ ተዓዲጎም እዮም እሞ ኣብ ክሳዶም ይኣስርዎ፣ ኣብ ክዳውንቶምን ንብረቶምን ድማ ይስለምዎን ይሥእልዎን።

በዓለ መስቀል ዓመታዊ 17 መስከረም ብድምቀት ይኽበር። ታሪኻዊ ኣመጻጽኣ ናይዚ በዓል ሰፊሕን ዓሚቕን እዩ። ብስቕለት ጐይታ ዝኸበረን ደመ መለኮት ዝፈሰሶን መስቀል ከም ፀሓይ እናኣብርሀ ሕሙማት ይፍውስን ምዉታን የተንሥእን ስለዝነበረ፡ ኣይሁድ ብቅንእን ክፍኣትን ተላዒሎም፡ ዓሚቝ ጕድጓድ ኣዅዒቶም ቀበርዎ። ንኸይርከብን ስመ ዝክሩ ንኸይልዓልን ድማ ኵሎም ነበርቲ ኢየሩሳሌም ጐሓፍን ርስሓትን ዘበለ ኵሉ ኣብ ልዕሊኡ ንኽጕሕፉ ኣዘዙ። እቲ ዝቐበሩሉ ቦታ ኸኣ ክሳብ ጎቦ ዝኸውን ንኣስታት ሠለስተ ክፍለ ዘመን (300 ዓመት) ደፈንዎ።

ኣብ 4ይ ክፍለ ዘመን፡ ኣብ ቍስጥንጥንያ ንጉሥ ቈስጠንጢኖስ ኣብ ዝነገሠሉ ጊዜ ግና ኣደኡ ንግሥት እሌኒ ነቲ ንኣስታት ሠለስተ ሚእቲ ዓመት ዝተቐብረ መስቀል ንኽትደሊ ሠራዊትን ተሓጋገዝትን ኣኸቲላ ናብ ኢየሩሳሌም ኣተወት። ብጸሎትን ብምሉእ ተስፋን ብዝገበረቶ ከቢድ ጻዕሪ ኪራኮስ ዝበሃል ሽማግለ “ናይ ጐይታ መስቀል ኣብ ቀራንዮ ምህላዉ ኣቦታትና ይነግሩና ነይሮም” ብምባል ናብ ጎልጎታ ሓበራ። ንሳ ድማ ፈልዩ ነቲ ቦታ ንምሕባር ዕንፀይቲ ኣኪባ፡ ሓዊ ኣንዲዳ፡ ዕጣን ኣትከኸት። እቲ ትኪ ዕጣን ኸኣ ኣብ’ቲ መስቀል ተቐቢርዎ ዘሎ ቦታ ወሪዱ ምልክት ኣርኣየን ሰገደን። ኣብዚ ቦታ ድማ 17 መስከረም ኵዕታ ተጀሚሩ ድኅሪ ብዙኅ ድኻም ከኣ 10 መጋቢት መስቀል ተረኽበ።

ንግሥቲ እሌኒ ተቐቢሩ ዝነበረ መስቀል ብምርካባ ስለ ዝተሕጐሰት፡ ኣብ ቅዱሳት መካናት ኣብያተ ክርስቲያን ኣሕነፀት። ዝተሓንፃ ኣብያተ ክርስቲያን ብዕለተ 16 መስከረም ተባሪኸን፡ ብዓቢይ ክብሪ ቅዳሴ ቤቱ ተኸብረ። በዚ መሠረት ድማ ዓመት መጽአ 17 መስከረም ንግሥቲ እሌኒ ዕጣን ኣትኪኻ ንመስቀል ከም ዝረኸበቶ ንምዝካር ዳሜራ ጌርናን ሽግ ኣብሪህናን ነኽብሮ። ኣይሁድ እኳ እንተ ኸሓድዎ ንሕና ግና ከምቲ እቲ ትኪ ዕጣን ዝሰገደ ንሰግድ። መስቀል ኃይልና እዩ፡ መስቀል ጽንዓትና እዩ፡ መስቀል ቤዛና እዩ፡ መስቀል መድኃኒ ነፍስና እዩ” እናበልና’ውን ንዝምረሉ።

እግዚአብሔር አምላኽና፡ ዓውደ ዓመትና ይቀድስ፣ ንሀገርናን ንምሉእ ዓለምን ይባርኽ!

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ ኣሜን።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195