Print this page

ንምርጫ ቅዱስ ፓትርያርክ ካብ ዝተፈላለየ ኣህጉረ ስብከት ዝመጹ ተወከልቲ መብርሂ ተዋሂብዎም!

May 12, 2021

ኣብ ውሽጢ ሃገር ካብ ዝርከባ ሃገረ ስብከታትን ንኡሳን ሃገረ ስብከትን ዝመጹ ተወከልቲ ምስ ጉዳይ ምርጫ 5ይ ፓትርያርክ ኣብ ዝትኣሳሰር ጉዳይ ኣመልኪቶም ብኣምረጽቲ ሽማግለ መብርሂ ተዋሂብዎም።

እቲ ጽባሕ ዕለት 05 ግንቦት 2013 ዓ.ም.ግ ዝኻየድ ምርጫ መንፈስ ቅዱስ ዝኃረዮ፡ ንቤተ ክርስቲያንን ሕዝበ ክርስቲያንን ብግቡእ ዝመርሕ ፓትርያርክ ንምምራጽ ዘኽእል መንፈሳዊ መረዳእታ ምርኹስ ዝገበረ መብርሂ ተዋሂቡ።

ኣብቲ ዕለት ዝተረኽቡ መረጽቲ ኣካላት ብጊድኦም፡ ንነዊኅ ዓመታት ወንበር በይኑ ምጽንሑ ብዙኅ ክፍተት ክገጥመና እዃ እንተጸንሐ፡ ሎሚ በጺሕናዮ ብዘለና ኵነት ግን ንኣብ ውሽጥን ወፃእን ክርአ ዝጸንሐ ክስተታት ኣብ ምህድኡን ናብ ሓድነት ምምጽኡ ዓቢይ ተራ ክህልዎ ምዃኑ ብተስፋ ገሊጾም።

ካብ ሎሚ ዕለት 04 ኣትሒዞም ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዝመጹ ዘለው ኣምረጽቲ መብርሂ ምሃብ ዝቅጽል ኮይኑ፡ ኣበ ምኔታት ገዳማትን እመምኔታት ደብረ ደናግልን’ውን ኣብ ተመሳሳሊ ጊዜ መብርሂ ይውሃቦም ‘ሎ።

ኣብ መፈጸምታ መረጽቲ ኣካላት ካብ ኵሉ ኵርንዓት ሃገር ዝመጹ ብምዃኖም፡ ቤተ ክርስቲያን እኹል መሰናድኦ ጌራ ምህላዋን መዕረፍን መመገብን ክፍልታት ኣዳልያትሎም ከም ዘላ’ውን ንተሳተፍቲ መብርሂ ተዋሂብዎም።