Print this page

ክብረ በዓል ገዳም አቡነ ብፁዓ አምላክ ብዓቢይ ክብሪ ተባዒሉ።

May 21, 2021

ዓመት መጽአ ግንቦት 9 ክብረ በዓል አቡነ ብፁዕ ኣምላኽ ኣብ ክልቲኡ ገዳሞም ዝክበር ኮይኑ ብፍላይ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ፡ ኣብ ገዳም ደብረ ምዕዋን ኣቡነ ብፁዓ አምላክ ብፁዕ ኣቡነ ቄርሎስ ተመራጺ ፓትርያርክን ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ዓዲ ቀይሕ፡ ዓቃቤ መንበረ ዘኦርቶዶክ ተዋሕዶ ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ፡  ካብ ዝተፈላለየ ቦታ ዝመጽኡ ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረክብሉ ብምዕሩግ መንፈሳዊ ድምቐት ተኸቢሩ።

ንኽብሪ እዚ በዓል ከኣ ካብ ዋዜማ ጀሚሩ ክሳዕ ጸሎተ ቅዳሴን ዑደተ ታቦትን ሲሲተ ልብ ዝኮነ ስብሐተ  እግዚአብሔር በጺሑ።

ብብፁዕ ኣቡነ ቄርሎስ ዝተመርሐ ጸሎተ ቅዳሴ በጺሑ፡ ታቦት ብምስጋናን ምህለላን እናተዓጀበ ምስ ዖደ፡ ሊቃውንት መዘምራን ነቲ በዓል ዝምልከት ጣዕመ ዜማ ኣስሚዖም። ብድኅር’ዚ መምህር ሠመረ ምስ ታሪኽ ኣቡነ ብፁዓ ኣምላክ እናኣዛመዱ ነቲ በዓል ዝምልከት ትምህርቲ ምስ ሃቡ፡ ብፁዕ ኣቦና ኣቡነ ቄርሎስ ነቲ ዝረኸብናዮ ምሕረተ እግዚአብሔር እናስተንተንና ከም ፍቓዱ ብመንፈሳዊ ኣገልግሎት ክነብር ኣሎና ኢሎም ኣባታዊ ማዕዳን ቡራኬን ምስ ሃቡ ምህለላ ተገይሩ፡ ታቦት ብኽብሪ ተዓጂቡ ኣብ ቅዱስ መንበሩ ምስ በጽሐ ናይቲ በዓል ፍጻሜ ኮነ።

ገዳም ደብረ ምዕዋን ኣብ ዞባ ደቡብ ዝርከብ ኣቡነ ብፁዓ አምላክ ን30 ዓመታት ኣብ ደብረ ኮዳዱ ብጾምን ጸሎትን ተወሲኖም ድኀሪ ምቕማጦም ብፍቓደ እግዚአብሔር መጺኦም ዝዓረፉሉ ቅዱስ ገዳም እዩ። እዚ ገዳም እዚ ኣደታትን ኣቦታትን መነኮሳት ብሕገ ጳኵሚስ ተመሪሖም ዝነብሩ ካብ ጥንታውያን ገዳማት ኤርትራ እዩ።