ተመራጺ 5ይ ፓትርያርክ ብፁዕ አቡነ ቄርሎስ ንሥነ-መለኮት ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ ብሓመልማል ንምውቓብ ፈልሲ ተኪሎም!

May 27, 2021

ብዕለት 17 ግንቦት 2013 ኣብ መንፈሳዊ ሥነ-መለኮት ኮሌጅ ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ ተመራጺ 5 ፓትርያርክ ብፁዕ ኣቡነ ቄርሎስ ኵሎም ብፁዓን ኣቦታት፡ ገበሪ ሠናይ እዚ ሠናይ ግብሪ ኣቶ ፅሓየ መሓሪ ተላን ተማህሮ መንፈሳዊ ኮሌጅ ኣብ ተረኽብሉቲ ኮሌጅ ብሓመልማል ገነት ንምውቓብ ፈልሲ ተኪሎም!

እዚ ልምዓታዊ መደብ ንመንፈሳዊ ኮሌጅ ሥነ-መለኮት ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ ብልዕሊ 500 ብዝኂ ዘለዎም ሸውዓተ ዓይነት ዕምበባታት ንምውቓብ ብመዋሊ እቲ ፕሮጀክት ገባሪ ሰናይ ኣቶ ፅሓየ መሓሪ ተላን ፈጻሚ’ቲ ፕሮጀክት ዓሰብ ግሪን ዝተባህለ ትካል መፍረ ዕምበባታት ብማእከልነት ምምሕዳር መንበረ ፓትርያርክ ውዕል ብምውዕዓል ዝተፈጸመ እዩ።

ኣብ’ቲ ዕለት ንገባሪ ሰናይ ኣቶ ፀሐየ መሓሪ ንዝገበሮ ኣበርክቶን ዘርኣዮ ተገዳስነት ኣመልኪቶም ብፁዓን ጳጳሳት ቃል ምስጋናን ቡራኬን ክህብዎ ከለዎ ንብዓል ሞያ ኣትክልቲ ኣቶ ዳዊት ‘ውን ዝያዳ ንክተግህን ነቲ ዕላማ ናብ ፍጻሜ ንከብጽሕን ዘለዎ ሓላፍነት ልዑል ምዃኑን ክሳብ ሕጂ ዘርኣዮ ትግሃትን ጻዕርን ‘ውን ሞጊሶም። ንዝተፈጸመ ውዕል ኣብ ትግባረ ንኸምርሕን ድማ ኣብ’ቲ ዕለት ቅዱስ ሲኖዶስ ፍቓድ ሂቡ።

ኣብቲ ፈልሲ ምፍላስ ዕለት ከኣ ብፁዕ ኣቡነ ቄርሎስ ምስ ብፁኣን ኣቦታት ብምዃን ናብ ኮሌጅ ሥነ መለኮት ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ ብምኻድ ናይ ፈልሲ ዕምበባ ምትካል መደብ ተፈጺሙ። ኣብ’ቲ መዓልቲ ተመራጺ 5 ፓትርያርክ ኣቡነ ቄርሎስ ነቲ ዝተፈረመ ስምምዕ ኣብ ባይታ ዘተግብር ናይ መጀመርያ ፈልሲ ክተኽሉ ከለው፡ ነቲ ፕሮጀክት ዝመወሎ ኣቶ ፀሐየ መሓሪ ተላ ድማ ቀጺሉ ፈልሲ ዕምበባ ተኺሉ።

እዚ “ሓመልማለ ገነት” ተባሂሉ ተሰምዩ ዘሎ ፕሮጀክት፡ዕላሙ ንተምሃሮ መንፈሳዊ ኮሌጅ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምዕቃብን ምውቃብን ሕይወትን ሕይወታውያንን ንዘለዋ ጥንታዊ ሥርዓትን ተመክሮን ብዝውክል ኣገባብ ብግብሪ ምንጽባራቕን ምስራጽን፤ ኣብ ጊዜ ዕረፍቶም፡ ብዘይካ ሕንጻ ሰብ (መንደቕ)፡ ፍጥረት እግዚአብሔር ርእዮም ግብርታት እግዚአብሔር እናስተንነቱ መንፈሳዊ ሕይወቶም ንምቕያር ክሕግዞም፤ ኣብ ቅድሜኦም ሓምላይ ከባቢ ዝርከበሉ ሃዋሁ ንምፍጣር ኣብ ማእቶታታዊ ሥራሕ ከባቢኦም ከምዝሳተፉን፤ ኣገዳስነት ሓምላይ ከባቢ ብምርዳእ ድማ ብግብሪ ተማሂሮም ኣኣብ ዝኸድዎ ብተመሳሳሊ ኣብ ከባቢኦምን ተፈጥሮን ተገዲሶም ከምዝሠርሑ ምግባር። ሓምላይ ብምርኣይ ካብኡ ንዝርከብ ጸጋ እግዚአብሔር ዝሳተፉሉን፡ ኣእምሮኦም ዘሕደሱሉን፡ ካብ ጸቕጢ ትምህርትን መጽናዕትን ዝናገፉሉን፡ ዘዕርፉሉን ምቹእን ተበሃግን ከባቢ ኣብ ጥቕኦም ከምዝህሉ ምግባር ዝብሉ ዕላማታት ዝገብረ ምዃኑ ሰነድ ‘ቲ ፕሮጀክት ይጠቅስ።

ቤት ትምህርቲ ሥነ-መለኮት ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ ኣብ ኣስመራ ምምሕዳር ከባቢ ዕዳጋ ሓሙስ ጎድኒ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ሥላሴ ተደኺኑ ዝርከብ ዋንነት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዝኾነ ብደረጃ ዲግሪ፡ ዲፕሎምን ሰርቲፊኬትን ዘምህር ናይ ስነ-መለኮት ኮሌጅ እዩ።

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

No events found.

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

በዓለ እረፍት አቡነ ቦክረ ድንግል ኣብ ገዳም ኣቡነ ብፁዓ አምላክ…

ሓዋርያዊትን ኣጽናፋዊትን ዝኾነት ቅድሥቲ ቤተ ክስቲያን ሓደ ካብቲ መለለይአ ዝኾነ፡ንቅዱሳን ዘለዋ ክብርን ዝኽርን እዩ።ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ  “ተዘከሩ መኳኒንክሙ ዘነገርኩሙ ቃለ...

መመረቕታ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ትጉሃን መላእክት ኣርባዕቱ እንስሳ ብድሙቕ መንፈሳዊ…

ኣብ ንኡስ ዞባ ማይ ዓይኒ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ትጉሃን መላእክት ኣርባዕቱ እንስሳ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ቄርሎስ ፓትርያርክ ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን...

ሓጺር መግለጺ ታሪኽ ሕይወትን ኣገልግሎትን ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ቄርሎስ 5ይ…

`` ዝንቱሰ ብእሲ ዘእምንእሱ ሕይወቱ ውስተ ቤተ እግዚኣብሔር / እዚ ሰብ እዚ ካብ ንእስነቱ ኣትኂዙ ኣተዓባብያኡ ኣብ ቤተ እግዚኣብሔር እዩ...

ጸሎተ ፍትሓትን ሰማዕታተ ኤርትራ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ። ሰብ ንሕይወቱ ኣብ ክንዲ ብጻዩ በጃ ዘሕልፍ፡ ካብዚ ዝዓቢ ፍቅሪ የልቦን፤ ዮሓ 15፥13 ኣብ ውሽጢ...

መግለጺ ቅዱስ ሲኖዶስ ድኅሪ ሢመተ 5ይ ፓትርያርክ!

መግለጺ ቅዱስ ሲኖዶስ ድኅሪ ሢመተ 5ይ ፓትርያርክ!

ሥርዓተ ሢመት ወጸሎተ ተቀብዖ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ቄርሎስ ፭ይ ፓትርያርክ…

ሎሚ ዕለት ፮ ሰነ 2013 ዓ.ም (13/06/2021) ሥርዓተ ሢመት ወጸሎተ ተቀብዖ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ቄርሎስ ፭ይ ፓትርያርክ ኣብ ርእሰ ኣድባራት...

ጸሎተ ሠርክ ሥርዓተ ተቀብዓ 5ይ ፓትርያርክ ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን…

5 ሰነ 2013 ዓ.ም. (12 ሰነ 2021 ዓ.ም.) ጸሎተ ሠርክ ኣብ ዋዜማ ሥርዓተ ተቐብዖ 5ይ ፓትርያርክ ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን...

ምድላው ክዳውንቲ 5ይ ፓትርያርክን ተፈጺሙ!

ብደብረ ደናግል ሰማዕት ቅድስት ድምያና በራሪ ሃገረ ግብጽ ኣልባሳት 5ይ ፓትርያርክ ብልዑል ጻዕሪ ኣብ ሓጺር እዋን ተዳልዩ፡ ብዕለት 4 ሰነ...

እንቋዕ ናብ በዓለ ዕርገት ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብሰላም…

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ! በዓለ ዕርገት፥ ሓደ ካብ ትሽዓተ ዓበይቲ በዓላት ኮይኑ፡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሙታን...

ኣብ ምቛም ቤተ መዘክርን ቤት ንባብን ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን…

ብዋና ኣመኃዳሪ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብፁዕ አቡነ ባስልዮስ ዝተመርሐ ልዑኽ ኃለፍቲ ቤት ጽሕፈት መንበር...

ክብረ በዓል ቅድስት ድንግል ማርያም በለዛ ብድምቀት ተኸቢሩ!

ዓመታዊ 21 ግንቦት ኣስተርእዮ (ምግላጽ) ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ደብረ ምጥማቅ ብምዝካር ዝኽበር ክብረ በዓል ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ኩለን...

  

latest articles

PRAYER

Prayer is a word by which man communicates with his Creator in Faith, thanking and beseeching Him for the forgiveness...

FAITH AND WORKS

Faith is “a confidence or trust in God”. Faith gives assertion to the things we hope for and explains the...

The feast of the Holy Cross - Mesekel (The Founding…

The Mesekel holiday is celebreated on Meskerem 17 (27th of September) and Megabit 10 (19th of March). The word Meskel...

The Ascension of St Mary (part two)

Moreover, Whilst John the evangelist was preaching in the country of Asia, on the sixteenth day of the month of...

The Ascension of St Mary (part one)

"At your right hand stands the queen." (Psalm 45:9)IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY...

The Fast of Assumption of the Virgin Mary

This fast lasts from Nehassie (August) 1 to 16. Our Lady departed on 21 of Ter (January) in 50 A.D...

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...