በዓለ እግዝእትነ ማርያም ደብረ ምጥማቅ ብኽብሪ ተባዒሉ!

Jun 01, 2021

ክብረ በዓል 21 ግንቦት በዓለ እግዝእትነ ማርያም ደብረ ምጥማቅ ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ክኽበር ከሎ፡ ብፍላይ ኣብ ገዳም ደብረ ሲና ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ዓቃቤ መንበር ዘመንበረ ፓትርያርክን ጳጳስ ሃገረ ስብከት ማእከል፡ ካብ ዝተፈላለየ ቦታ ብእግሮምን ብመኪናን ዝመጹ ናይ ገዳም ኣበምኔታትን ገዳማውያንን፡ ሊቃውንት፡ ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽብሉ ብመንፈሳዊ ብኽብሪ ተባዒሉ።

20 ግንቦት ካብ ሰዓት 2፡00 – 6፡00 ድ.ቀ. ዋዜማ ምስ ተቖመ፡ ካብ ሰዓት 9፡00 ድ.ቀ. ናይ ምሸት ኣትኂዞም ድማ ሊቃውንትን ውሉደ ክህነትን ስብሓተ ማኅሌት ኽቖሙ ኸለዉ ኣዴታትን መንእሰያትን ብወገኖም ድማ ብሰንኪ እዚ ሕልው ኵነታት ለበዳ ኮረና ቫይረስ ዓሚ ክመጽኡ ዘይምኽኣሎም፡ ሎሚ ዓመት ግና ብምሕረተ እግዚአብሔር ዝረከብናዮ ጸና እናስተንተኑን ነዚ ሕማም ፈጺሙ ከርሕቀልና ኣብ ወለንሳ ክማህለሉ ኃዲሮም።

ወጋሕታ ሰዓት 5፡00-5፡30 ብመሪሕነት ብፁዕ ኣቦና አቡነ ጴጥሮስ ጸሎተ ቅዳሴ ተሠሪዑ። ሰዓት 9፡30 ቅ.ቀ. ታቦት ብመንፈሳዊ ኽብሪ ተዓጂቡ ሠለስተ ሳዕ ዖይዱ ኣብ ዝተዳለወሉ ዓውደ ምሕረት ደው በለ። ብድኅር’ዚ ሊቃውንት መዘምራን ነቲ ዕለትን ክብሪ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝገልጽን ጣዕመ ዜማ ምስ ኣስምዑ፡ ሰባኪ ወንጌል መሪጌታ ወልደ ሥላሴ ነቲ ዕለት ዝምልከት ትምህርቲ ታሪኽ ገዳም ደብረ ሲና  ምስ’ቲ ዘለናዮ ሕልው ኵነታት ለበዳ ሕማም ኮረና ቫይረስ ብምትእስሳር ሰፊሕ ትምህርቲ ምሂሮም።  መሪጌታ እዚ ሕጂ ድኅሪ ልዕሊ ዓመት ብሰንኪ ኣበሳና ብዝመጽአ ሕማም ካብ ቤተ ክርስቲያን ተፈሊና ብምሕረቱ ቤቱ ዘርሐወልና ኣምላኽና እናኣመስገንና ካብቲ ደቂስናሉ ዘሎና ተበራቢርና ነቲ ንሱ ካባና ዝደልዮ ከም ፍቓዱ ሕግታቱ እናፈጸምና ሥርዓት ቤተክርስቲያናን እናሓለና ክንነብር ይግባእ ኢሎም።

ቀጺሎም ብፁዕ ብፁዕ ኣቦና ቃለ ምዕዳንን ቡራኬን ምስ ሃቡ ጸሎተ ምህላ ተገይሩ ታቦት ናብ መንበር ክብሩ ኣትዩ። 

ከምዝፍለጥ ገዳም ደብረ ሲና፡ ጐይታ በኪደተ እግሩ ስለዝባረኻን ቃል ኪዳን ቅድስት ድንግል ማርያም ስለዘለዋን በረኸት ቅዱሳን ስለዘይተፈልያን ኽሳዕ ሎሚ በቶም ተኣምረ እግዝእትነ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተፈጸመሎምን ዝሰምዑን ምእመናንን ዘይኣመንትን ዓመት መጽአ 21 ግንቦት ምስ ኣዕለቕለቐት እያ። ከምቲ ትውፊት ዝንገር ግንቦት 21 ኣብ ገዳም ደብረ ሲና ዝነገደ ከም ብርኪ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተሳለመ እዩ፡ በረከታ ምስ ዅልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን።

No events found.

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

በዓለ እረፍት አቡነ ቦክረ ድንግል ኣብ ገዳም ኣቡነ ብፁዓ አምላክ…

ሓዋርያዊትን ኣጽናፋዊትን ዝኾነት ቅድሥቲ ቤተ ክስቲያን ሓደ ካብቲ መለለይአ ዝኾነ፡ንቅዱሳን ዘለዋ ክብርን ዝኽርን እዩ።ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ  “ተዘከሩ መኳኒንክሙ ዘነገርኩሙ ቃለ...

መመረቕታ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ትጉሃን መላእክት ኣርባዕቱ እንስሳ ብድሙቕ መንፈሳዊ…

ኣብ ንኡስ ዞባ ማይ ዓይኒ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ትጉሃን መላእክት ኣርባዕቱ እንስሳ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ቄርሎስ ፓትርያርክ ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን...

ሓጺር መግለጺ ታሪኽ ሕይወትን ኣገልግሎትን ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ቄርሎስ 5ይ…

`` ዝንቱሰ ብእሲ ዘእምንእሱ ሕይወቱ ውስተ ቤተ እግዚኣብሔር / እዚ ሰብ እዚ ካብ ንእስነቱ ኣትኂዙ ኣተዓባብያኡ ኣብ ቤተ እግዚኣብሔር እዩ...

ጸሎተ ፍትሓትን ሰማዕታተ ኤርትራ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ። ሰብ ንሕይወቱ ኣብ ክንዲ ብጻዩ በጃ ዘሕልፍ፡ ካብዚ ዝዓቢ ፍቅሪ የልቦን፤ ዮሓ 15፥13 ኣብ ውሽጢ...

መግለጺ ቅዱስ ሲኖዶስ ድኅሪ ሢመተ 5ይ ፓትርያርክ!

መግለጺ ቅዱስ ሲኖዶስ ድኅሪ ሢመተ 5ይ ፓትርያርክ!

ሥርዓተ ሢመት ወጸሎተ ተቀብዖ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ቄርሎስ ፭ይ ፓትርያርክ…

ሎሚ ዕለት ፮ ሰነ 2013 ዓ.ም (13/06/2021) ሥርዓተ ሢመት ወጸሎተ ተቀብዖ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ቄርሎስ ፭ይ ፓትርያርክ ኣብ ርእሰ ኣድባራት...

ጸሎተ ሠርክ ሥርዓተ ተቀብዓ 5ይ ፓትርያርክ ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን…

5 ሰነ 2013 ዓ.ም. (12 ሰነ 2021 ዓ.ም.) ጸሎተ ሠርክ ኣብ ዋዜማ ሥርዓተ ተቐብዖ 5ይ ፓትርያርክ ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን...

ምድላው ክዳውንቲ 5ይ ፓትርያርክን ተፈጺሙ!

ብደብረ ደናግል ሰማዕት ቅድስት ድምያና በራሪ ሃገረ ግብጽ ኣልባሳት 5ይ ፓትርያርክ ብልዑል ጻዕሪ ኣብ ሓጺር እዋን ተዳልዩ፡ ብዕለት 4 ሰነ...

እንቋዕ ናብ በዓለ ዕርገት ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብሰላም…

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ! በዓለ ዕርገት፥ ሓደ ካብ ትሽዓተ ዓበይቲ በዓላት ኮይኑ፡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሙታን...

ኣብ ምቛም ቤተ መዘክርን ቤት ንባብን ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን…

ብዋና ኣመኃዳሪ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብፁዕ አቡነ ባስልዮስ ዝተመርሐ ልዑኽ ኃለፍቲ ቤት ጽሕፈት መንበር...

ክብረ በዓል ቅድስት ድንግል ማርያም በለዛ ብድምቀት ተኸቢሩ!

ዓመታዊ 21 ግንቦት ኣስተርእዮ (ምግላጽ) ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ደብረ ምጥማቅ ብምዝካር ዝኽበር ክብረ በዓል ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ኩለን...

  

latest articles

PRAYER

Prayer is a word by which man communicates with his Creator in Faith, thanking and beseeching Him for the forgiveness...

FAITH AND WORKS

Faith is “a confidence or trust in God”. Faith gives assertion to the things we hope for and explains the...

The feast of the Holy Cross - Mesekel (The Founding…

The Mesekel holiday is celebreated on Meskerem 17 (27th of September) and Megabit 10 (19th of March). The word Meskel...

The Ascension of St Mary (part two)

Moreover, Whilst John the evangelist was preaching in the country of Asia, on the sixteenth day of the month of...

The Ascension of St Mary (part one)

"At your right hand stands the queen." (Psalm 45:9)IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY...

The Fast of Assumption of the Virgin Mary

This fast lasts from Nehassie (August) 1 to 16. Our Lady departed on 21 of Ter (January) in 50 A.D...

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...