Print this page

ኣብ ምቛም ቤተ መዘክርን ቤት ንባብን ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም ዝምልከት ዑደት ተኻይዱ፡

Jun 09, 2021

ብዋና ኣመኃዳሪ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብፁዕ አቡነ ባስልዮስ ዝተመርሐ ልዑኽ ኃለፍቲ ቤት ጽሕፈት መንበር ፓትርያርክን ሃገረ ስብከት ኣሥመራን፡ ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን ኣሥመራ፡ ብመንገዲ ሰበኻ ጉባኤ ተማእኪሉ ቤተ መዘክርን ቤት ንባብን ንምጅማር ክግበር ንዝጸንሐ ምድላዋት ተዓዚቡን ምስ ዝምልከቶም ተዘራሪቡን።

ርእሰ ኣድባራት ቅድስት ማርያም ኣዝዩ ጥንታዊን ታሪኽ ዝሓቈፈ ቅርሲ ዝውንን ቤተ ክርስቲያን ምዃና ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ፡ ምስቲ ዕብየትን ጥንታዊነትን እዛ ቤተ ክርስቲያን ዝመጣጠን ቤት መዘክርን ቤት ንባብ ከምዘይጸንሖ ብምግላጽ፡ ሰበኻ ጉባኤ ኣብ ውሽጢ እዚ ቤተ ክርስቲያን ተዓቝሩ ዘሎ ሃብታም ቅርስን ታሪኽን ምስ ሕዝቢ ዝላለየሉ፡ ኣፍልጦ ሕዝቢ ክብ ኣብ ምባል ኣብ ትምህርቲ ዝውዕለሉ፡ ጥንታውያን ንዋያተ ቅዱሳት ቤተ ክርስቲያን ብዝግባኣ ዝዕቀበሉ፡ ደረጅኡ ዝሓለወ ስራሕ ንምስራሕ ተበግሶ ብምውሳድ፡ ሓደ ኮሚቴ ብምምዛዝ ምስ ዝምልከቶም ኣካላትን ሰብ ሞያን ክዘራረብን ሓሳባት ከዋህልልን ድኅሪ ምጽንሑ፡ ናብ ትግባረ ገጹ ንምኻድ ኣብ መወዳእታ ምዕራፍ ምብጽሑ ብኣማኃደሪ ደብሪ መልኣከ ጽዮን ቀሺ ጴጥሮስን ካልኦት ኣባላት ሰበኻ ጉባኤን ኮሚቴን ነቲ ልዑኽ መግለጺ ተዋሂቡ።

ብምቕጻል ንቤተ መዘክርን ቤት ንባብን ዝተሓስበ ጥንታዊ ሕንጻን ተዓቂቡ ዘሎ ቅርስን ብምዝውዋር ድኅሪ ምእዛብ፡ ብፁዕ አቡነ ባስልዮስ ተሓሲቡ ዘሎ መደብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑን፡ ተነጊሩ ዘይውዳእ ጥንታዊ ታሪኽን ቅርስን ኣብ ዘለወን ገዳማትን ኣድባራትን ተመሳሳሊ መደባት ንምብጋስ ቅዱስ ቅንኢ ዝፈጥር ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ንትግባሪኡ ኣድላዪ ዘበለ ድጋፍ ከምዝገብር ብምርግጋጽ፡ ዋላ እኳ እንተደጐና እግዚአብሔር ዝሠርሓሉ ዘመንን ሰብን ስለዘሎ፡ ሕጂ’ውን ዝሓሰብኩሞ ኣብ ፍጻመ ከብጽሓልኩም እግዚአብሔር ኃይሉን ጥበቡን ይሃብኩም ብምባል ቃል ቡራኬኦም ኣመሓላሊፎም።