Print this page

ጸሎተ ሠርክ ሥርዓተ ተቀብዓ 5ይ ፓትርያርክ ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ በጺሑ!

Jun 12, 2021

5 ሰነ 2013 ዓ.ም. (12 ሰነ 2021 ዓ.ም.) ጸሎተ ሠርክ ኣብ ዋዜማ ሥርዓተ ተቐብዖ 5ይ ፓትርያርክ ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኵሎም ብፁዓን ጳጳሳት፡ ገዳማውያን ኣቦታትን አደታትን፡ ማኅቶተ ቤተ ክርስቲያን ሊቃውንት፡ ካብ አኅጉረ ስብከታት ወጻዒን ውሽጥን ሃገር ዝመጽኡ ውሉደ ክህነት፡ ተመሃሮ መንፈሳዊ ኮሌጅ፡ መዘምራን ትምህርተ ሰንበት ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን፡ ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረክብሉ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም በጺሑ።

ብመሠረት ዝወጽአ መርሐ ግብር ሰዓት 4 ውዳሴ ማርያም ተዓዲሉ ዳዊት ተደግመ፡ ብመሪሕነት መምህር ለይኩን ምቅናይ ምስ በጽሐ መልክዓ ማርያምን መልክዓ ኢየሱስን በጽሐ። ብመሪሕነት መምህር ለይኩን ዘበእንቲአሃ ለቤተ ክርስቲያን ምስ በጽሐ ብኃባር መሐረነ አብ ብልዙብ ዜማ በጺሑ።

 

 

 

ብምቕጻል ኵሎም ብፁዓን ጳጳሳት እናተቐባበሉ ነአኵቶ ለገባሬ ሠናያትን ተሣሃለኒ እግዚኦ ምስ ተነበ፡ መስተበቁዓት በጽሐ። “ብፁዕ ዘኅረይኮ ወዘተወከፍኮ” ምስባክ ምስ ተባህለ ወንጌለ ዮሐ. 10 ብብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ተነበ፡ ኣብ መወዳእታ ብብፁዕ አቡነ ቄርሎስ ተመራጺ 5ይ ፓትርያርክ ኪዳን ምስ በጽሐ ብራኬ ተዋህበ።

ኣብ መወዳእታ ብለባስያን ውሉደ ክህነት ብብፁዓን ጳጳሳትን ገዳማውያንን ውሉደ ክነትን ተዓጂቦም፡ ተመሃሮ ትምህርተ ሰንበት ኣብ ቀጽረ ቤተ ክርስቲያናን ባርከኒ ኣባን ኦ አባ ቅዱስ እቀቦሙ ዝብል መዛምር እናዘመሩ ናብ መንበሪ ገዝኦም ምስ በጽሑ ንኵሉ ተሳታፊ ናይ መክፈልቲ መደብ ምስ ተገብረ ብሰላም ተፈጸመ።