Print this page

ጸሎተ ፍትሓትን ሰማዕታተ ኤርትራ

Jun 17, 2021

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

ሰብ ንሕይወቱ ኣብ ክንዲ ብጻዩ በጃ ዘሕልፍ፡ ካብዚ ዝዓቢ ፍቅሪ የልቦን፤ ዮሓ 15፥13

ኣብ ውሽጢ ቅድስት ቤተክርስቲያንና ካብ እንፍጽሞም ሃይማኖታዊ ግብርታት፡ ፍትሓትን ጸሎትን ይርከብዎም፤ ቃል እግዚኣብሔር “ኦ ኣዳም መሬት አንተ ወትገብእ ውስተ መሬት”“ኦ ኣዳም መሬት ኢኻ’ሞ ናብ መሬት ከኣ ክትምለስ ኢኻ”ከም ዝብል፡ ብምኽንያት ኃጢኣት፡ ሞት ናብ ዓለም ኣተወ፤ ስለዚ ኸኣ እቲ ዅሉ ሥጋ ዝለበሰ ዘበለ ይመውት፤ እዚ ኾይኑ ግና ኣብ ሓንቲ ሃይማኖት፥ ብጥምቀት ካብ እግዚኣብሔር ናይ ጸጋ ውሉድነት ዝረኸቡ ናይ ክርስቶስ ቤተሰብ ብሞት ሥጋ ምስ ዝጽውዑ  እዚ ሞትዚ ኣይ በጽሖምን፤ ብመሠረት ሥርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ጸሎተ ፍትሓት ይበጽሓሎም፥ ተዝካር ውን ይግበረሎም፤ ኣብዚ ጽሑፍ እዚ ብዛዕባ መንነት ሞት ገሊጽና ብዛዕባ ፍትሓትን ተዝካርን ከነንብብ ኢና።

ሞት፥ ንሞት ብዙኃን ሊቃውንት ብዝተፈላለየ ኣገላልጻ ይትርጒምዎ፤  ነዚ ጽሑፍ  እዚ ኸነዳሉ ኻብ ዝተበገስናሉ ዕላማ መሠረት ብምግባር ከምኡ ውን ሓዳ ሓደ ሰባት ጸሎተ ፍትሓት ከምዘየድሊ ስለ ዝሓስቡ ንሞት ኣብ ክልተ ኸፊልና ክንርእዮ ኢና።

1.ሞተ ሥጋ፥ ነፍሲ ኻብ ሥጋ ምፍላይ ማለት እዩ፤ ወዲ ሰብ ካብ ኣርባዕተ ባሕርያተ ሥጋን ካብ ሠለስተ ባሕርያተ ነፍስን “ንግበር ሰብአ በአርአያነ ወበአምሳሊነ”“ብመልክዕና ከም ምስልና ሰብ ንፍጠር” ብዝብል ናይ ቅድስት ሥላሴ ቃል ከም ዝተፈጥረ ዝተፈልጠ እዩ፤ ዘፍ.፩ ፡፳፮ /1፦26/፤ኣብ ገነት ንዘለዓለም ሕያው ኮይኑ ንኺነብር ዝተፈጥረ ወዲ ሰብ፥ ሕጊ እግዚኣብሔር ብምጥሓሱ ንሞት ሥጋን ነፍስን ግዙእ ኪኸውን ተገደደ፤ ነፍሲ ናብ ናይ ጽድቂ ወይ ናብ ናይ ኵነኔ  ዓለም ክትከይድ ከላ፥ ሥጋ ድማ ኽሳዕ ዕለተ ምጽኣት ፈሪሱን በስቢሱን ዝጸንሕ ኮነ፥ “መኑ ሰብእ ዘየሐዩ ወኢይሬእያ ለሞት” “ሰብ ኮይኑ ንሞት ዘይርእያ መንዩ፧” ከምዝበለ /መዝ.፹፱፡ ፵፰ /89፦48/ ።ካብ ኣዳምን ሔዋንን ጀሚሩ እቲ ዅሉ ሥጋ ዝለበሰ ዘበለ ሞት ይረኽቦ እዩ፤ “ነፍሲ ውን ናብቲ ወሃቢኣ እግዚኣብሔር ከይተመልሰት፥ ብመዓልትታት ንእስነትካ ንፈጣሪኻ ዘክሮ”  ዝብል ቃል ጥበበኛ ሰሎሞን ውን ነዚ እዩ ዘረጋግጸልና።መክ.፲፪፡፯/12፦7፣ሮሜ.፭፡፳፩/ 5፦21፣ ፮ ፡ ፳፫ /6፦23፣ ገላ.፮ ፡፰ /6፥8/።

2.ሞተ ነፍስ፥ቅዱሳት መጻሕፍቲ ንናይ ዘለዓለም መቕጻዕቲ፦ሞተ ነፍስ ይብልዎ፤ “ሰባት ይሞቱ ፍርዲ ኸኣ ተመዲቡ ኣሎ” ከምዝብል ጽቡቕ ሃይማኖትን ጽቡቕ ግብርን ኣጣሚሮም ዝነበሩ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ይወርሱ፤ዕብ.፱፡፳፯/9፥27፣ ራእ.፳፩፡፯/21፥7/እዚ ኸኣ ሞት ቅዱሳን “ሞቶሙሰ ለጻድቃን ሕይወቶሙ ውእቱ” “ንጻድቃን ሞቶም ሕይወቶም እዩ”ከም ዝብል ቅዱስ ያሬድ፤ ብኣንጻሩ ግና ኸይኣመኑ፥ ከይተጠምቁ፥ ሃይማኖትን ጽቡቕ ግብርን ከየማልኡ፥ ትሩፋት ዘይብሎም (ኃጥኣን) ካልኣይ ሞት ኣብ ዝተባህለ ንዘለዓለም ኣብ ባሕሪ ሓዊ (ገሃነም እሳት) ይኣትዉ፤ማቴ.፳፭፴/ 25፥ 30፣ ገላ.፮ ፰ /6፥8/። 

 ትርጉምን ኣድላይነትን ጸሎተ ፍትሓት

ፍትሓት ዝብል ቃል “ፈትሐ” ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ግሲ ዝወፅአ ኾይኑ፥ ትርጉሙ ኸኣ “ምፍታሕ”ምልቃቕ” ማለት እዩ፤ኣብ ውሽጢ እምነትን ሥርዓትን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን፥ ዝጽለየሎም ሥርዓተ ጸሎት፥ ጸሎተ ፍትሐት ክበሃል ከሎ፥ እዚ ጸሎት ዝምርሓሉ መጽሐፍ ከኣ መጽሐፈ ግንዘት ይበሃል።

ምእንቲ እቶም ብሞት ዝተፈልዩ ምእመናን (ኣመንቲ) ምጽላይ ካብ ትምህርቲ ቕዱሳን ነቢያትን ቅዱሳን ሐዋርያትን ዝወረስናዮ እዩ፤ ነቢይ ኤልሳዕ ነቲ ዝሞተ ሰብ ሾብዓተ ጊዜ ደጋጊሙ ምጽላዩን ነቲ ዝሞተ ምትንሣኡን ብሞት ንዝተፈልዩ ኽንጽልየሎም ከምዝግባእ መርትዖ እዩ።2ነገሥ.፬፴፪-፴፭ 4፥32-35/። ኣብ መጽሓፈ ሲራክ  ንዝሞተ ሰብ ጸሎት ጥራይ ዘይኮነስ ተዝካር ክግበረሉ ከምዝግባእ ውን ተጻሒፉ ኣሎ /ሲራክ.፴፰፡፲፮ 38፥16 ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብሞተ ሥጋ ንዝተፈልዮ ሄኔሲፎሩ ከም ዝጸለየሉ  እግዚኣብሔር ንቤት ሄኔሲፎሩ ምሕረት ይሃባ! . . . በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ጐይታ ምሕረት ምእንቲ ኽረክብ እግዚኣብሔር ይሃቦ” ብምባል ገሊጹ ኣሎ፤ እዚ ኸኣ ምእንቲ ዝሞቱ ሰባት ምጽላይ ከም ዝግባእ ይምህረና፤ ቅዱስ ጳውሎስ “ከምቲ ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘሎኹ፥ ንስኻትኩም ከኣ ንኣይ ምሰሉ።” ኢሉ ኣሎ’ሞ ካብኡ ንመሃር፤ 2ጢሞ.፩፡ ፲፮-፲፰ /1፥16-18፣ 1ቆሮ.፲፩ ፡፩ /11፥1/፤ ትምህርቲ ሓዋርያት ኣብ ዝኾነ ዲድስቅልያ ውን “ንሙታን ብትግሃት ጸልዩሎም”  ኢሎም ኣቦታት ዝኣዘዝዎ ትእዛዝ ዝተጻሕፈ ኪኸውን ከሎ፥ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ኸኣ “ንዝሞተ ሰብ ክንረድኦ ንኽእል ብጸሎት እዩ” ኢሉ ምሂሩ እዩ፤ዲድ.፴፬ / 34/

“ወከማሁ ይትቤዘውዎ ለነፍሰ ኀጥእ ለእመ ገብሩ ተዝካሮ በመሥዋዕተ ቍርባን፡ ወያሥተፌሥሕዎ ለነፍሰ ጻድቅ፡ በገቢረ ተዝካሩ በንጹሕ መሥዋዕት ወበቍርባን፡ ወበማዕጠንት፡ ወበምጽዋት ከመ ይትዐሠይ ዘአዕረፈ በጸሎተ ዚአክሙ፡ ወከመ ይንሣእ ዘዐይን ኢርእየ፡ ወእዝን ኢሰምዐ፡ ወውስተ ልበ ሰብእ ዘኢተሐለየ፡ ዘአስተዳለወ ለእለ ያፈቅርዎ፤ ዛቲ ይእቲ ሕይወት ዘለዓለም፡ እንተ አስተዳለወ ለእለ ያፈቅርዎ፡ ወዘንተ ነገርኩክሙ ከመ ትዘከሩ አኃዊክሙ በገቢረ ተዝካሮሙ ለአበዊክሙ፡ ወለቢጽክሙ፡ ወለአኃዊክሙ፡ ወኢትበሉ ከመ ሕዝበ አረሚ ምንተ ይበቍዖሙ እምድኅረ ሞቱ፡ ወዘንተሰ ይብሉ እለ ኢየአምኑ ትንሣኤ ምዉታን፡ ወአልቦሙ ተስፋ ለድኂን/ ክትርጐም ከሎ “ንነፍስ ኃጥእ መዘከርታኡ ብመሥዋእቲ ቁርባን ገይሮም ይብጀውዎ ብንጹህ መዘከርታን መስዋእቲ ቁርባን ማዕጠንት ጌሮም ንነፍሲ ጻድቅ የሐጉስዎ እዚ ድማ እቲ ዝዓረፈ ምእንቲ ብጸሎትኩም ከሕጎስን ዓይኒ ዘይረኣየቶን ዕዝኒ ዘይሰምዓቶን ኣብ ልበ ሰብ ዘይተሓስበ እግዚኣብሔር ንፈተውቱ ዘዳለዎ ክቅበል፤ ንሳ ድማ እታ ንዘፍቅርዎ ዘዳለዎ ሕይወት እያ ምእንቲ ንኣሕዋትኩም ኣቦታትኩምን ብጸሎትኩምን መዘከርታ ብምግባር ክትጽውዕዎም እዩ፤ ንስካትኩም’ሲ ከምቶም ሕዝቢ ኣረሚ ድሕሪ ሞቶም ንፍትሓት እንታይ ይጠቅም ኣይትበሉ፤ እቶም ትንሣኤ ሙታንን ተስፋ ድሕነትን ዘይብሎም ግና ፍትሓት የለን ይብሉ። ቀሌሜንጦስ ምዕ 12፡69

ከምኡ ድማ ቅዱሳን ሐዋርያት ኣብ መጽሓፈ ዲድስቅልያ ፴፬/ ቅዱሳን ሊቃውንት ፫፻፲፰ ነዚ ጠቂሶም ከኣ ኣብ ፍት/መን/አን/፳፪ “ተጋብኡ እንከ ዘእንበለ ሀኬት ውስተ ቤተ ክርቲያን፡ ወአንብቡ መጻሕፍተ ቅዱሳተ ላዕለ እለ ኖሙ፡ ጻድቃን፡ ወሰማዕት፡ አኃዊክሙ እለ አዕረፉ ፡ ወግበሩ ሎሙ አኰቴተ ቍርባን ሥጋሁ ቅዱስ ወደሞ ክቡረ አዕርጉ ውስተ ቤተ ክርስቲያን፤ ብዘይ ትህኪት ኣብ ቤተክርስቲያን ተኣከቡ፤ ስለ እቶም ንኣምላኽ ኣሚኖም ዝሞቱ ፤ ብክርስቶስ ኣሚኖም ዘዕረፉ ጻድቃንን፡ ሰማዕታትን ኣኅዋትኩም፡ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ኣንብቡ፤ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ብምስጋና ኣብ ቤተክርስቲያን ኣዕርጉሎም” ኢሎም ኣዚዞሙና ከምዘለዉ ጸሎተ ፍትሓት ማለት ምእንቲ ዝሞቱ  ዝግበር ጸሎት እዩ። 

       1.ኣገልግሎት ጸሎተ ፍትሐት

 ብኣቦታት ካህናት፥ ብመጽሐፈ ግንዘት ዝምራሕ ጸሎተ ፍትሐት ሃይማኖታዊ ግብርታት ዝግለጸሉ ሥርዓት እዩ። ንኣብነት

ሀ. ጸሎተ ፍትሐት መማኅፀንን ምሕረት ዘውህብን ጸሎት እዩ፤

ንጸሎተ ፍትሐት ዘብጽሑ ሥልጣነ ክህነት ዘለዎም ኣቦታት ካህናት እዮም፤ “መሐራ እግዚኦ ለነፍሰ ገብርከ /አመትከ/ . እገሌብምባል ንነፍሲ እቲ ምዉት ምሕረት ይልምኑ፤ ብሃይማኖትን ብሥነ-ምግባርን ክነብር ከሎ ነፍሲ ንንስሓ ከይበጽሐ ዝዘንግዖ ኃጢኣት ሞተ ነፍስ ከየምጽኣሉ፥ ምሕረት ንኽረክብ ይሓቱሉ፤ “ፍቱሕ ይኹን” ብምባል ብክህነቶም ይጽልዩ፥ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ “ኣብ ምድሪ ዝፈታሕክምዎ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ኪኸውን እዩ . . .” ብምባል ንካህናት ብዝሃቦ ኣምላኻዊ /ዘይሰዓር/ ቃል-ኪዳን መሠረት፥ ጸሎተ ፍትሐት ዝበጽሓሉ ሰብ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ይኸውን፤ ማቴ.፳፰፡፲፱/28፥19፣ ፲፰፡፲፰/18፥18 እዚ ኸኣ እስራኤላውያን ንቐጽሪ ግንቢ  ኢያሪኮ እናጸለዩ ሾብዓተ ጊዜ ምስ ዘሩዋ እቲ ጽኑዕ ቀጽሪ ፈሪሱ ወዲቑ እዩ።ኢያ.፯፡፭ /7፥5/ካህናት ሓዲሽ ኪዳን ውን ጽንሐሕ ኂዞም እናዓጠኑ “በከመ አንሀልከ ቅድመ ጥቅማ ለኢያሪኮ በእደ ኢያሱ ገብርከ ከማሁ አንህል ጥቅመ ኀጢአትየ ወኃጢአተ ኵሉ ሕዝብከ” “ ከምቲ ኣቐዲምካ ብኢድ ኢያሱ ባርያኻ ግንቢ ኢያሪኮ ዘፍረስካ፥ ከምኡ ኸኣ ግንቢ ኃጢኣተይን ኃጢኣት ሕዝብኻን ኣንህል {ኣፍርስ መሓሮ} እናበሉ ይጽልዩ።

ለ. ጸሎተ ፍትሐት ዘን ዝግለጸሉን ሥርዓት መፋነውን  እዩ፤

ቅድስት ቤተክርስቲያን ንምእመናን ብምሥጢረ ጥምቀት ናይ እግዚኣብሔር ውሉድነት ብምሃብ ከምዝተቐበለቶም፥ ኣብ ዕለተ ሞቶም ውን ኃዘና ብምግላጽ ብጸሎተ ፍትሐት ተፋንዎም፤ ቅዱሳን ሐዋርያት ንሬሳ ጣቢታ ሓፂቦም ኣብ (ደርቢ) ከም ዘንበርዎ፥ ቤተ ክርስቲያን ውን ክብሪ ሬሳ ብጸሎተ ፍትሐት ትገልጽ/ግብ. ሐዋ.፱፡፴፯ /9፥37/፤ ከምቲ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣልዓዛር ብምሟቱ ንብዓቱ ዘፍሰሰ መጽሓፍ ቅዱስ ይምስክር እዩ፤ ቤተ ክርስቲያን ውን ንደቃ ዘለዋ ፍቕርን ኣኽብሮትን ብጸሎት ካህናት ትገልጽ፤/ዮሓ.፲፩፡፴፮ /11፦36/፤ኣብ መጽሓፈ ግንዘት ውን ክርስቲያን ሓዘኑ ጸሎተ ፍትሐት ብምብጻሕ ብድኅነት ቃል እግዚኣብሔር  ምእማኑ ኪገልጽን ብኽያቱ ውን ብልክዕን ብሥርዓትን ሠለስተ ጊዜያት ጥራይ ኪኸውንን ከምዝግባእ ተኣዚዙ ኣሎ፤ ካብዚ ወፃኢ ግና  ሓዘን ወይ ብኽያት ዘይግባእ ሥርዓት ምዃኑ ቤተ ክርስቲያን ትምህር።

ጥጡሕ ኩነታት ምፍጣር፥ ምእመናንን ካብ ቤተሰቦም ብሞት ምስ ዝፍለዮም ኣቐዲሞም ብመንገዲ መምህረ ንሥሓኦም ንቤተ ክርስቲያን ከፍልጡን በዚ ዕለት ጸሎተ ፍትሓት ከምዝበጽሕ ኪገብሩን ይግብኦም፤ ብዝበለጸ ውን ኣብ ቤት ሓዘን፥ ኣውያት. . . ከይህሉ ምግባርን ጥጡሕ ቦታ ምድላውን ክዝንጋዕ ዘይብሉ እዩ።

ንዝጽለ ጸሎት ኣተኩሮ ምሃብ፤

ጸሎተ ፍትሐት ከምዝበጽሕ ምግባር ምእመናን ብቓል እግዚኣብሔር ናይ ምእማኖም መግለጺ እዩ፤ ብዝግበር ሥርዓተ ጸሎት ምሕረት ነፍሲ ከምዝርከብ ብምእማን ካብ ተስፋ ምቝራጽን ካብ ዘይግባእ ሓዘንን ተፈልዮም ንዝጽለ ጸሎት ኣተኩሮ ክህቡ ይግባእ። ሕዝበ እግዚኣብሔር ኣብ ጊዜ ሓዘን ካብ ዘይግብኡ ፍጻሜታት መግለጺታት ሓዘን ክርኅቕ ኣለዎ፤ ንኣብነት ምህራም ኣፍልቢ፥ ምብሕጫር ገጽ፥ መግቢ ኸይትበልዕ ምውሳን፥ ኣልቃሲ ጸዊዕኻ ምልቃስን ንእኡ ዝመስል ካልእን ክገብር ኣይግባእን፤ “ግናኸ፥ ኣኅዋተይ፥ ከምቶም ተስፋ ዘይብሎም ካልኦት ምእንቲ ከይትሓዝኑ፥ ብዛዕባ እቶም ዝሞቱ ክትፈልጡ እደሊ ኣሎኹ፤”ብምባል ከምዝተጻሕፈ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሕዙን ተስፋ ናይ ምቝራጽ ዚገልጽ ሓዘን ኪህሉ ኣይግባእን፤ 1ተሰ.፬ ፡፲፫ /4፥13/፤ ዝያዳ ግና ሓዘንካ ብሥርዓት ምግላጽ የድሊ።

ፍትሓት ዝግብኦ መን እዩ፧

ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መዋዕለ ስብከቱ “ንመንፈስ ቅዱስ ዝጸረፈ ኃጢኣቱ ኣብዛ ዓለም እዚኣን ኣብታ ትመጽእ ዓለምን ኣይኅደገሉን እዩ”ብምባል ዝተዛረቦ ቓል እንተ’ስተውዒልናዮ ኣብታ ትመጽእ ዓለም/ብዓፀደ ነፍስ/ ምሕረት ዝረክብን ዘይረክብን ምህላዉ የረጋግጸልና፤ በዚ መሠረት ኣብ ክሕደት ዝነበረ፥ ንገዛእ ነፍሱ ባዕሉ ዘጥፍአን ጸሎተ ፍትሓት ዘይበጽሓሎም ክኸውን ከሎ፥ ኣብ ሃይማኖትን ኣብ ሥነ-ምግባርን ንዝነበረ ዝበጽሓሉ ጸሎት ግና ኣብታ ትመጽእ ዓለም ምሕረት ንኺረክብ መማኅፀኒ ምዃኑ ከነስተውዕለሉ ይግባእ።

ቅዱስ ዮሐንስ ኣብ መልእኽቱ ሞት ዝግብኦ ኃጢኣት ዝበሎ ኣብ ላዕሊ ዚተጠቕሰ ዓይነት ኪኸውን ከሎ፥ሞት ዘይግብኦ/ሞተ ነፍስ/ኃጢኣት ዘለዎ ድማ ቀኖና ከይፈጸመ ንዝሞተን ንእኡ ዝመስልን ኪኸውን ከሎ ብጸሎት ካህናት ምሕረት ከም ዝሕተተሉ ዘረጋግጽ መልእኽቲ እዩ፤ 1ዮሐ.፭፡፲፮ /5፥16/፤ ኣብ መጽሓፈ ግንዘት ውን “ኣብ ጊዜ ፍትሓት፥እቲ መዋቲ፥ጻድቕ እንተ ኾይኑ መላእክት የመስግኑ፥ ኃጥእ እንተ ኾይኑ ድማ ይልምኑ”ብምባል ኣቦታት ጽሒፎም ኣለዉ ፤ ኣብ ፍትሐ ነገሥት ንገዛእ ርእሱ ዘጥፍአ ፍትሓት ከይግበረሉ ኪእዝዝ ከሎ፥ ኣብ ሃይማኖትን ኣብ ሥነ-ምግባርን ዝነበረ ግና ፍትሓት ኪግበረሉ ከምዘለዎ ኣብ ሲኖዶስ  ሓዋርያት ውሳኔ ምእዛዙ የረጋግጸልና፤ /ፍት.ነገ. አን.፳፪ /22/።  ከምኡ ውን ብርሃን ዓለም ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ኢተአምሩ ኑ፧ ከመ ዐማፅያን ኢይሬእይዋ ለመንግሥተ እግዚአብሔር ኢያስሕቱክሙ ኢ ዘማውያን፡ ወኢ እለ ያጠዕው፡ ይኤብሱ በነፍስቶሙ ወኢ እለ የሐውሩ፡ ወኢ እለ የሐውርዎሙ፡ ወኢ ሰራቅያን፡ ወኢ ተዓጋልያን፡ ወኢ ሰካርያን፡ ወኢ ጸዓልያን፡ ወኢ ኃያድያን፡ ወኢይወርስዋ ለመንግሥተ እግዚአብሔር፤/ ዓመጽቲ ንመንግሥቲ እግዚአብሔር ከም ዘይርእይዋ ዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፡ ዘማውያን፡ መምለኽቲ ጣዖት፡ ግብረ ሶዶም ዝሰርሑ፡ ግብረ ሰዶም ዘስርሑ፡ ሰረቅቲ፡ ሰኽራማት፡ ከተርቲ፡ ተጻራፍቲ፡ ኣየስሕቱኹም እዚኣቶም ኵሎም መንግሥቲ እግዚኣብሔር ኣይወርሱን እዮም፤” ሮሜ፡ 6፥9-10 ከምዝበለ ፍጹም ንተረርቲ ልቢ፡ ንንስሓ ዝፈንፈኑ፡ ዘማውያን፡ መምለኽቲ ጣዖት፡ ሰረቅቲ፡ ከተርቲ ብሕጽር ዝበል ቅዱስ ኣትናቴዎስ ኀምስቱ ከለባት ኢሉ ገሊጽዎም ዘሎ እዩ፡ ነዚኣቶም ኃጣውእ ዝፍጽሙ ሰባት ፍትሓት ዝበሃል ኣይግበኦምን ከምኡ ውን ኣይግበረሎምን እዩ።

ኣብ መደምደምታ  ዓመት መጽአ ዕለት ፲፪ ሰኔ ዝግበር ፍትሓት

ዓመት /ዓመታት/፤ ካብ ዕለተ ልደት ዕለተ ሞት ብዝበለጸ ኪዝከር ይግባእ፤ መክ፡ 7፥1 ኣብ ዓመት ፀሓይ ናይ ዓመታ ዑደት እትፍጽሞ ኣብ ዓመት ሓደ ጊዜ እዩ እሞ ነዚ ኸይፈለጠ እንተ ሞተ ይቅረ በለሉ ንምባል ኣብ ዓመት ዓመት ንዝክሮ፤ ስለዚ ብሞት ዝተፈልየሉ ዕለት ብምኃዝ፥ኣብ ዓመቱን ንዝተወሰኑ ዓመታትን መዘከርታ ይግበር፤ ምእንቲ ነፍሳት ሙታን ኵሉ ጊዜ እትጽሊ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብጠቕላላ ንነፍሳት ሙታን ንምዝካር ዓሠርተው ክልተ ሰኔ  ኣብ መላእ ኣብያተ ክርስቲያናት ሃገርና ጸሎተ ፍትሐት ሰማዕታት ነቶም በጃ ሃገሮምን ሕዝቦምን ዝኃለፉ ሰማዕታት ንኽግበር ሠሪዓ ኣላ፤ ብሓፈሻ ብዛዕባ ጸሎተ ፍትሓት ኣብዚ ላዕሊ ተገሊጹ ዘሎ ኮይኑ፤ ኣብ ወንጌለ ዮሓንስ 15፥13 ሰብ ንሕይወቱ ኣብ ክንዲ ብጻዩ በጃ ዝሕልፍ ካብዚ ዝዓቢ ፍቅሪ የልቦን፡ ከም ዝብል፤ ካብዚ ተበጊሳ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ናይ ሰማዕታት ሃገርና ድማ ስለ  ሃገሮምን በጃ ሕዝቦምን መስዋዕቲ ኾይኖም ሕይወቶም ዘሕለፉ፥ ብሃይማኖትን ምግባርን ጸኒዖም ንዝነበሩ ሙታን መዘከርታ /ተዝካር/ ምግባር መንፈሳዊ ሥርዓትን፡ ብቅዱስ ሲኖዶስ ዝጸደቐ እዩ። መዝ.፻፲፪ ፡፮ /112፥6/።

ልዑል እግዚኣብሔር ንሰማዕታትና ብየማኑ እትቐውም ነፍሲ የሃበልና!!!ኣሜን!!!

ክፍሊ ጉባኤ ሊቃውንት

ን/ክ/መግረሬ ፀር

፲፪ ሰኔ ፳፻፲፫