Print this page

መመረቕታ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ትጉሃን መላእክት ኣርባዕቱ እንስሳ ብድሙቕ መንፈሳዊ ሥነ ሥርዓት ተጸምቢሉ!

Jun 18, 2021

ኣብ ንኡስ ዞባ ማይ ዓይኒ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ትጉሃን መላእክት ኣርባዕቱ እንስሳ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ቄርሎስ ፓትርያርክ ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ፡ ዋና ጸሐፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ብፁዕ አቡነ ሉቃስ፡ ሊቀ ካህናት ሃገረ ስብከት ዓዲ ቐይሕ ቀሲስ መሓሪ መዝገቦ፡ ማኅቶተ ቤተክርስቲያን ሊቃውንትን ብርክት ዝበሉ ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ሥነ ሥርዓት መመረቕታ ብድሙቕ መንፈሳዊ ሥነ ሥርዓት ተጸምቢሉ ።

እቲ ሥነ ሥርዓት መመረቕታ ኣብ ዋዜማ ካብ ሰዓት 4፡00 ድ.ቀ ክሳብ ሰዓት 6፡30 ድ.ቀ ምስ መዝሙረ ዳዊትን ቅኔያትን ብምውህሃድ ከመስግኑ ውዒሎም ።

ካብዚ ቀጺሎም ካብ ሰዓት 10፡00 ድ.ቀ ክሳብ 5፡00 ቅ.ቀ ብግሩም ማኅሌት ዝተፈላለዩ ወረባት ብምግባር ምስ ኣሸብሸቡ፡ መጻሕፍተ ተአምርን ገድልን ምስ ጸሎተ ኪዳንን ቅዳሴን ጊዜኡ ሓልዩ በጺሑ።

ሥርዓተ ዑደተ ታቦት ንምፍጻም ድማ ታቦት ብብፁዓን ኣቦታት፡ ወርቂ መስቀልን ማዕጠንትን ብዝሓዙ ውሉደ ክህነት፡ ማኅቶተ ቤተክርስቲያን ሊቃውንት፡ ምእመናንን ምእመናትን ተዓጂቡ ኣብ ዝተዳለወሉ ዓውደ ምሕረት ምስ ቆመ ሊቃውንት ለዝብ ብምስማዕ ኣሸብሺቦም።

ኃላፊ ስብከተ ወንጌልን ኣገልግሎት ካህናትን መምህር ወልደ ሚካኤል ፍትዊ ብወገኖም ካብ ዘፍ 28፡17 “ወይከውን ዝየ ቤተ እግዚአብሔር ወዛቲ ይእቲ ኆኅታ ለሰማይ” ማለት እዚ ቦታ ቤተ እግዚአብሔር ክኸውን እዩ እዚኣ ከኣ ኣፍደገ ሰማያት እያ ብዝብል ኣርእስቲ ሰፊሕን መሳጥን ነቲ ዕለት ዝምልከት ትምህርቲ ምሂሮም ።

ቤተ ክርስቲያን ደብረ ትጉሃን መላእክት አርባዕቱ እንስሳ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ማይ ዓይኒ ዝርከብ ብሠለስተ ዓድታት ማለት ቀላይ በዓልቴት፡ መንብሮን ኩዶ ጸላምን ዝቖመ ናይ ትጉሃን መላእክት አርባዕቱ እንስሳ፡ ቅድስት ድንግል ማርያም፡ አቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ታቦት ዝሓዘ ሰፊሕ ደብሪ ከም ዝኾነ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ጸብጻብ የነጽር ።