Print this page

በዓለ እረፍት አቡነ ቦክረ ድንግል ኣብ ገዳም ኣቡነ ብፁዓ አምላክ ብድምቀት ተባዒሉ

Jun 18, 2021

ሓዋርያዊትን ኣጽናፋዊትን ዝኾነት ቅድሥቲ ቤተ ክስቲያን ሓደ ካብቲ መለለይአ ዝኾነ፡ንቅዱሳን ዘለዋ ክብርን ዝኽርን እዩ።ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ  “ተዘከሩ መኳኒንክሙ ዘነገርኩሙ ቃለ እግዚአብሔር እንዘ ትሬእዩ ሠናየ ግዕዞሙ ወሞፃእቶሙ ወተመሰሉ በሃይማኖቶሙ” ዝበሎ; ናይ ሃይማኖትን ምግባርን ፡ብርሃንን መምህራንን ዝኾኑ ቅዱሳን በብዕለቶም ከይዘከረቶም ኣይትኃልፍን እያ። 

ዓመት መጸ ዕለት 9 ሰነ ዝበዓል በዓለ ዕረፍት ኣቡነ ቦክረ ድንግል፡ ኣብ ቦታ ዕረፍቶም ዝኾነ ገዳም ደብረ ኮል ኣቡነ ብፁዓ ኣምላክ ብድምቐት ተጸንቢሉ። ኣብቲ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ቄርሎስ ሓሙሻይ ፓትርያርክ ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ከምኡ ውን ጳጳሳት፡ ሊቃውንት ቤተ ክርስቲያን; ምእመናንን ምእመናትን ዝተረኽብሉ ዕለት፡ብድሮ ካብ ሳዓት 10 ድኅሪ ቀትሪ ጀሚሮም ምሉእ ለይቲ ስብሐታተ ማኅሌት ክበጽሑ ሓዲሮም።

ሰዓት 6 ወጋሕታ ብብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ቄርሎስ ሓሙሻይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትትራ ዝተመርሐ ጸሎተ ቅዳሴ ተሠሪዑ። ስዓት 8፡00 ቅ.ቀ ድማ ቅዳሴ ምስተዛዘመ፡ ሰዓት 8፡30 ታቦተ ሕጉ ብለባስያን፡ድያቆናት፡ካህናት፡መምህራንን፡ጳጳሳትን ምእመናንን ምእመናትን ተዓጅቡ፡ ሠለስተ ጊዜ ንቤተ ክርስቲያን ድኅሪ ምዝዋሩ ኣብ ዝተዳለወሉ ቦታ ቆመ። ብምቕጻል ሠለስተ ሊቃውንት ነቲ ዕለት ዝምልከት ጣዕመ ዜማ ኣቅረቡ።

ብኃላፊ ክፍሊ መንፈሳዊ ትምህርቲ መምህር ሰመረ አፈወርቅ ትምህርቲ ተዋህበ። መምህር ኣብ ትምህርቶም “ናብዚ ክቡር በዓለ ዕረፍት ጻድቅ ኣቦና አቡነ ቦክረ ድንግል እንቋዕ ኣብጽሓና ድኅሪ ምባል፡ እዚ በዓል እዚ ብምኽንያት ኮሮና ተዓጽዩ ዚጸንሐ ቤተ ክርስቲያን ዝተኸፍተሉ፡ ከምኡውን ንንውኅ ዝበለ ዓመታት ቤተ ክርስቲያናን፡ ህዝብናን ክጽበዮ ዚጸነሐ ምሻም ፓትርያርክ፡ዝተፈጸመሉ ጊዜ ይበዓል ብምህላዉ ድርብ ሓጎስን እዩ” ኢሎም። ንሶም ብምቅጻል “ መንክር እግዚአብሔር በላዕለ ቅዱሳኒሁ” ብዝብል ኣርእስቲ ፡ እግዚአብሔር ኣብልዕሊ ቅዱሳን ዚገብሮ፡ ኃይሊ፡ ተኣምራት፡ ጸጋ፡ ዓብይን መንክር እዩ ኢሎም። ሓደ ካብዞም ቅዱሳን እዚ ነገር እዚ ዚተፈጸመሎም ድማ፡ ጻድቅ ኣቦና ኣቡነ ቦክረ ድንግለ እዮም፡ ድኅሪ ምባል፡ ሓጺር ታሪኽ ሕይወት ኣቡነ ቦክረ ድንግለ ሚሂሮም።

ኣብ መወዳእታ ብቅዱስ ኣቦና ቃለ ምዕዳን ምስ ተዋህበ ታቦተ ሕጉ ናብ ናይ ክብሪ ቦታኡ ምስተመልሰ፡ ፍጻሜ ናይቲ በዓል ድማ ኮነ ።