Print this page

ዝክረ ዕለተ ሰማዕታተ ኤርትራ ብጸሎተ ፍትሓት ተዘኪሩ!

Jun 22, 2021

ብደረጃ ሃገር ዝክረ ሰማዕታት ምስ ዝኽበረሉ ዕለት ብምዝማድ፡ ዓመት መጽአ 12 ሰነ ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ብፍላይ ድማ ብደረጃ ሃገር ኣብ ደብረ ሣህል ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን (ቤት መኻ) ብድምቀት ተኸቢሩ ።

ኣብቲ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ቄርሎስ ቀዳማዊ ፭ይ ፓትርያርክ ወርእሰ ለቃነ ጳጳሳት ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ፡ ብፁዓን ጳጳሳት፡ ወርቂ መስቀልን ማዕጠንትን ዝሓዙ ውሉደ ክህነት፡ መምህራን ሊቃውንትን ምእመናንን ምእመናትን ዝተረኽቡሉ ስነስርዓት፡ ከም መኽፈቲ መደብ ውዳሴ ማርያም ተዓዲሉ።

እንሆ ድማ ሎሚ ዓመት 2013ዓ.ም. ብደረጃ ሃገር ኣብ ደብረ ሣህል ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝተገብረ ጸሎተ ፍትሓት ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ቄርሎስ 5ይ ፓትርያርክ፡ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ዋና ኣመኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክ፡ ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ሊቀ ጳጳስ ሀገረ ስብከት ማእከል፡ ካብ ወጻዒ ሃገረ ስብከት ዝመጽኡ ኣጋይሽ፡ ኣመኃደርቲ ሰበካ ጉባኤያት፡ ውሉደ ክህነት፡ ምእመናንን ምእመናትን፡ ኣካላት መንግሥትን ካልኦት ዕዱማት ኣጋይሽን ተሳተፍቲ ነይሮም።

ብመሪሕነት ብፁዓን ኣቦታት “እግዚአ ሕያዋን ከምኡ ውን በእንተ እለ ኖሙ” ማለት ስለ እቶም ዘዕረፉ (ዝሓለፉ) ዝብል ጸሎት( መስተበቊዕ) ብዜማ፡ ጸሎተ ንስሓ ብትግርኛ ከምኡ ድማ ጸሎተ ኪዳን ብድጋም በብግዜኡ በጺሑ ።

ብለባስያን ውሉደ ክህነት  ካብ መዝሙር ዳዊት “ወይርአዩ አሕዛብ በቅድመ አዕይንቲነ በቀለ ደሞሙ ለአግብርቲከ ዘተክዕወ ይባእ ቅድሜከ ገዓሮሙ ለሙቅሐን / ሕነ ናይቲ ኣገልገልትኻ ዝኸዓውዎ ደሞም ኣሕዛብ ኣብ ቅድሚ ኣዕይንትና ይርኣዩ፡ ገዓር (ልመና) እቶም እሡራት’ውን ኣብ ቅድሜኻ ይብጻሕ” (መዝ. 78/79፡10) እናበሉ ምስ ሰበኹ፡ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ቄርሎስ ካብ ወንጌል ዮሐንስ (15፡7-13) ኣንቢቦም።

 

 ካብዚ ቀጺሎም ማኅቶተ ቤተ ክርስቲያን ዝኾኑ ሊቃውንት “ ሞቶሙሰ ለጻድቃን ሕይወቶሙ ውእቱ፡ እስመ ለጻድቅ ይትሌዓል ቀርኑ በክብር፡ ጻድቃን እለ ኣሥመርዎ ለእግዚኦሙ ምድረ ብርህተ ወጽዕዱተ ይወርሱ ” ማለት ሞት እቶም ጻድቃን ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ክቡር ሞት እዩ፡ እግዚአብሔር ድማ ብርህቲ ምድሪ ከውርሶም እዩ እና በሉ መስቀል ድኅሪ ምምራሕ አሸብሺቦም ።

ኣብ መወዳእታ ድማ ኃላፊ ክፍሊ ስብከተ ወንጌል መምህር ስምዖን በየነ “ምንተኑመ ትርአዩ ወጻእክሙ ገዳመ” ማለት ናብዚ እንታይ ክትርእዩ መጻእኩም  ማቴ 11፡7 ዝብል ኃይለ ቃል ምስቲ ዕለት እናሰማምዐ ሰፊሕ ትምህርቲ ምስ መሃረ እቲ ሥነ ሥርዓተ ብጸሎትን ምህላን ተዛዚሙ ።