Print this page

ኣብ ኣተሓሕዛ ገንዘብን ንብረትን ዝዝቲ ጉባኤ ተኻይዱ

Jun 23, 2021

10 ሰኔ 2013 ዓ.ም. (17 ሰኔ 2021 ዓ.ም.ፈ) ብክፍሊ ቁጽጽር ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ዝተወደበ ኣብ ቁጽጽርን ኣተሓሕዛን ገንዘብን ንብረትን  ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ዝዝቲ ጉባኤ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ተኻይዱ።

ኣብቲ ካብ ዝተፈላለያ ሚኒስትሪታትን ኩባንያታትን ዝመጽኡ ሞያውያን፤ ወኪል ምምሕዳር፡ ኃላፊ ክፍሊ ፋይናንስ፡ ኃላፊ ቤት ጽሕፈት ሓፈሻዊ ቁጽጽር ዘመንበረ ፓትርያርክ፤ ኃለፍቲ ክፍሊ ፋይናንስ ኣህጉረ ስብከታትን፤ ሕሳብ ሹም ኣብያተ ክርስቲያናትን ዝተረኽቡሉ ጉባኤ፤ ብክፍሊ ቁጽጽር ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ዲያቆን ፍሬእግዚእ ገብረመስቀል ንኣመሠራርታ ከምኡ ድማ ንኅሉፍን ንህሉው ኪደት ክፍሊ ቁጽጽር ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ዝምልከት መብርሂ ተዋሂቡ።

ብዘይካ እዚ ኣብቲ ጉባኤ፡ ንዝነበሩ ብልጫታትን ድኽመታትን ሥርዓተ ቁጽጽር ገንዘብን ንብረትን ኣብያተ ክርስቲያናት ብምልላይ፡ ነቶም ዝተለለዩ ድኽመታት ኣብ ምፍዋሶም ከምኡ ድማ ነቶም ብልጫታት ኣብ ምኅያሎምን ምዕቃቦምን ብዛዕባ ክግበር ዝግቦኦ ንጥፈታትን ሥራሓትን፡ ምስ ሞያዊ ኣብነታት ተሞክሮ መንግስታውያንን ትካላት ብምዝማድ ተዘቲሎምን ኣብ ምርድዳእ ተበጺሕሎምን።

ኣብ መወዳእታ ክፍሊ ምስ ሞያውያን ብምትሕግጋዝ ንመጻኢ ዕውት ሥራሕ ዘሥርሕ መምርሒ ሥራሕ ነዲፉ ብቅዱስ ሲኖዶስ ኣጽዲቁ ኣብ ግብሪ ከውዕል ምስ ተረዳድኡ እቲ ጉባኤ ተዛዚሙ።