Print this page

ኣብ ኵሉ ኵርንዓት ዓለም ኣካላት ቤተ ክርስቲያን መግለጺ ሓጐስ ሢመት ኃሙሻይ ፓትርያርክ ይገልጹ ኣለዉ!

Jun 25, 2021

ሥርዓተ ሢመት ቅዱስ ፓትርያርክ ብዕለት 06 ሰነ 2013 ዓ.ም. ድኅሪ ምፍጻሙ፡ ካብ ኵሉ ኵርንዓት ዓለም ብዝተፈላለየ መገዲ መግለጺ ሓጐስ ይውሕዝ ኣሎ። ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብዘይ ቅዱስ ፓትርያርክ ንኣስታት 5 ዓመታት ምጽናሓ ከተሓሳስቦምን፡ ክዛረቡሉን ናብ እግዚአብሔር ብዓቕሞም ጸሎቶም ከብጽሑ ዝጸንሑ ዅሎም ኣካላት ቤተ ክርስቲያን፡ ተፈጺሙ ብዘሎ ሥርዓተ ሢመትን ሥሙር ኣገባቡን ዝተሰምዖም ሐሤት ብደብዳበታት፡ ብኤሜላት፡ ቴሌፎናትን ካልእን ኣገባባት ይገልጹ ኣለዉ።

በዚ መሠረት ኵለን ገዳማት ኤርትራ፡ ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን፡ ሓለፍቲ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ፡ በበይኖም ጨናፍራት ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ፡ ትካላት ልምዓትን ትምህርትን መንበረ ፓትርያርክ፡ ሃገረ ስብከታት ውሽጢ ሃገር፡ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣሥመራ፡ ዓበይቲ ዓዲ ምእመናን፡ ሃገረ ስብከት ሕቡራት መንግሥታት ኣሜርካን ካናዳን፡ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ፡ ንኡሳን ሃገረ ስብከታት ኤውሮጳ፡ ኣብያተ ክርስቲያናት እስራኤልን ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን፡ ኣብያተ ክርስቲያናት ዱባይን ኣቡዳቢን፡ ኣብያተ ክርስቲያናት ደቡብ ኣፍሪቃን ኣንጎላን፡ ኣብያተ ክርስቲያናት ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያናት ዓለም (WCC)፡ ቤት ምኽሪ ማሕበር ኣብያተ ክርስቲያናት ቀርኒ ኣፍሪቃን ዓበይቲ ቀላያትን (FECCALAHA)፡ . . . ድሮ መግለጺ ሓጐስ ምልኣኾም ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣበምኔታትን መነኮሳትን ገዳማት ኤርትራ ኣብዚ ዘበጽሓናን ነዚ ንምርኣይ ዘብቕዓናን ልዑል ፈጣሪ ምስጋና ብምቕራብ፡ ብመሪሕነት ቅዱስ ፓትርያርክ ኣብ ጐኒ ቅዱስ ሲኖዶስ ብምዃን ዝተሓስቡ ዓበይቲ መደባት ኣብ ምስላጥ ከምዝተሓጋገዙ ገሊጾም። ቅዱስ ፓትርያርክ ብጸሎት ክዝክርዎም ድማ ተማኅጺኖም። ብወገን ጉባኤ ሊቃውንት ድማ እንቋዕ ሓጐሰና ድኅሪ ምባል ንቅዱስ ኣቦና ነዊሕ ዕድመን ጥዕናን፡ ንቤተ ክርስቲያን ድማ ዕብየትን ብምምናይ ቡራኬ ቅዱስ ፓትርያርክ ተቐቢሎም።

ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝመጹ  ናይ ሓጐስ መልእኽትታት ይቕጽል ምህላዉ ድማ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።