Print this page

ክብረ በዓል ሕንጸተ ቤታን ቅዳሴ ቤታ 20ን 21ን ሰኔ 2013 ዓ.ም. ኣብ ገዳም ደብረ ሲና ብዓቢይ መንፈሳዊ ድምቀት ተኸቢሩ!

Jun 30, 2021

ካብተ ን 33ተን በዓላተ እግዝእትነ ማርያም 2ተ ዝኾኑ ቅዳሴ ቤታን ሕንፀተ ቤታን 20ን 21ን ሰነ ኣብ ኵለን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኣብያተ ክርስቲያናንት ክክበር ከሎ ብፍላይ ኸኣ ኣብ ገዳም ደብረ ሲና ካብ 5ይ ክፍለ ዘመን ካብ ዘመነ ኣባ ዮሓኒ ኣቲሒዙ በዘን ዕለት ብዝተገልጸሎም ቃል ኪዳን ብፍሊይ መንፈሳዊ ክብሪ ይበዓል።

ሎሚ ዓመት ፍልይ ብዝበለ ብኣሽሃት ዝቍጸሩ ቆልዑትን መንእሰያትን ካብ ቀረባን ርኁቅን ነቲ ብሰንኺ ወሪዱና ዘሎ ሕማም ኮሮና ዝሓለፈ ዓመት በረኸታ ክሳተፉ ብዘይኸኣሎም ሎሚ ዓመት’ውን ኣውቶቡሳት ኣይጀመሩን ኢሎም ተስፋ ከይቆረጹ ፍቕራን ፍቅረ እግዚአብሔርን ሃይማኖቶምን ብምግላጽ ብእግሪ ጕዕዞን ኣብ ገዳማ ብምርኻብ ክብሪ ወላዲቱ ድንግል ማርያምን ብዝገልጽ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ናይቲ ዕለትን ተሳተፍቲ በረኸት ኾይኖም።

ኵሎም ሊቃውንት መዘምራንን ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ምእመናትን ካብቲ ኣብ ዕለት 19 ሰኔ፡ 20 ሰኔ፡ 21 ሰኔ ዝበጽሐ ጸሎተ ቅዳሴን ስብሐተ ማኅሌትን ተሳተፍቲ ኮይኖም። ብውሉደ ክህነት ዝግባእ ሥርዓተ ዋዜማ እናተቖመ ስብሐተ ማኅሌት ክበጽሕ ከሎ ናኣሽቱ መንእሰያትን ዓበይትን ምእመናንን ምእመናትን ብጸሎተ ምህላ ውዳሴን ዝማሬን ነቒሖም ቀንዮም። ብፍላይ ኣዴታት ኣፍልበን እናሃረማ ሰማያት እናኣንቃዕረራ ስለ ኵሉ ዓለም ስለ ሃገርን ቤተ ክርስቲያንን “ማርያመይ ጸባ እየንየ ማርያመይ ጸባ እየን’የ ድላይካ ዝሕባ፡ ሰሚዐ ሰሚዐ 2x ኮሮና ጠፊዑ ሰሚዐ . . . .” እናበላ ተማኅፂነን።

ን21 ሰኔ ዘውግሕ ሊቃውንት መዘምራን ውሉደ ክህነት ነቲ ዕለት ዝምልከት ንእግዚአብሔር ዘመስግን ንክብሪ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝገልጽን ጣዕመ ዝማሬ ካብ ምሸት ሰዓት 8፡00 ጀሚሮም ከዚሙ ኃዲሮም።

ሰዓት 9፡00 ቅድሚ ቀትሪ ብለባስያን ውሉደ ክህነት ተሰንዩ፡ ብዝማሬ ሊቃውንት መዘምራንን፡ ምህላ ሕዝብን ተዓጂቡ ዑደተ ታቦት ተፈጺሙ። ታቦት ሠለስተ ሳዕ ዘይሩ ኣብ ዝተዳለወሉ ዓውደ ምሕረት ምስ ቆመ፡ ሊቃውንት መዘምራን ነቲ ዕለት ዝምልከት ያሬዳዊ ዜማ ከስምዑ ከለዉ፡ ብመሪጌታ ወልደ ሥላሴ ድማ ነቲ ዕለት ዝገልጽ ሰፊሕ ትምህርቲ ምሂሮም።

መሪጌታ ኣብ ትምህርቶም “ ሎሚ ተኣኪብናዮ ዘሎና ዕለት፡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዝዓርግ ኣብ መበል 8 ዓመቱ ኣብ ሀገረ ፊልጵስዩስ ንኵሎም ቅዱሳን ሓዋርያት ብምእካብ ብስም ወላዲቱ ቅድስት ድንግል ማርያም ሕንፃ ቤተ ክርስቲያን ሓኒፁን ቅርጹ ኣውፂኡ ለኪዑን ዘርኣየሉ ከምኡ’ውን 21 ሰኔ ሥርዓተ ቅዳሴ ሠሪዖም ንሕዝቢ ቅዱስ ቍርባን ከቝርቡን ነዛ ዕለት ከኽብሩን ዝኣዘዘሉ ከምዝኾነ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ይሕብሩና።” (ስንክሳር 21 ሰኔ)

እዚ ካብ ዘመነ ሓዋርያት ጀሚሩ ዝኽበር በዓል  20 ሰኔ ሕንፀተ ቤታ ፡ 21 ሰኔ ድማ ቅዳሴ ቤታ ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ብጸሎተ ማኅሌትን ቅዳሴን ክኽበር ከሎ፡ ብፍላይ ግና ኣብ ገዳም ደብረ ሲና ብዓቢይ ድምቀት ዝኸበረሉ ምኽንያት ከኣ ነቲ ኣብ ኃሙሻይ ክፍለ ዘመን ናይዚ ገዳም ደብረ ሲና ሥርዓተ ጳጉሚስ ማኅበር ሓድነት ዝመሥረተ ጻድቕ ኣባ ዮሓኒ ብዛዕባ ሕንጸተ ቤታን ቅዳሴ ቤታን ኣብዚ ገዳም ስለዝተገልጸሉን ቃል ኪዳን ስለዝተዋህቦን እዩ።” ኢሎም ሠፊሕ ትምህርቲ ሂቦም።

ብድኅር’ዚ ታቦት ኣብ መንበር ክብሩ ምስ ተቐመጠ፡ ብብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ማእከል ዝተመርሐ ቀዳስያን ጸሎተ ቅዳሴ ተሠሪዑ።

ኣብ መወዳእታ፡ ሕዝበ ክርስቲያን ጸሎቶም ኣብጺሖም፡ ንዓመታ ይድገመና እናበሉ፡ ነናብ ቦታኦም ብሰላም ተፋንዮም።

“ ‘ስምኪ ዝጸውዐ ዝኽርኺ ዝገበረ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ኣለዎ’ ኢልካያ ኢኻ እሞ በታ ንኣኻ ብምውላድ መመክሒትናን ኣዴናን ዝኾነት ኣዴኻ ድንግል ማርያም ንምኅፀን ኣሎና።” (ቅዳሴ ያዕቆብ ዘሥሩግ ቍ. 99) ከምዝበሎ ኣብዚ ገዳም’ዚ ካብ ዝዓበየ ክሳብ ዝነኣሰ፡ ሰብኣይ ሰበይቲ፡ መንእሰያት ኵሎም ስማ ጸዊዖም ዝተማኅጸንዎ እግዚአብሔር ከምዝቕበሎ ዝተረጋገጸ እዩ።