Print this page

ኣብ ህሉው ኩነታት ኣብያተ ክርስቲያን ኣብ ጉዳይ ምንቅስቓስ መናፍቕነት ዝድህስስ ጉባኤ ተቓኒዑ

Jul 07, 2021

30 ሰነ 2021 ዓ.ም.ፈ(23 ሰነ 2013 ዓ.ም.ግ) ብ ናይ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ኣጻራይት ኮሚቴ ምትእትታው መናፍቕነት ኣብ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ዝተመደበ፡ ንህሉው ኩነታት ኣብያተ ክርስቲያን ኣብ ጉዳይ ምንቅስቓስ መናፍቕነት ዝድህስስ ጉባኤ ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ተቓኒዑ።

ኣብዚ ካብ ነፍስ ወከፍ ቤተ ክርስቲያን ዝመጹኡ ኣባላት ኮሚቴ ምክትታል መናፍቕነት ዝተረኽቡሉ ጉባኤ፡ እዛ ካብ ትቐውም 4 ዓመት ኣቑጺራ ዘላ ናይ ኣስመራ ሃገረ ስብከት ኮሚቴ ምክትታል መናፍቕነት፡ ብመጀመርታ ናይ ዝሓለፈቶ ንጥፈታት ጸብጻብ ድኅሪ ምቕራብ ንዝመጽእ ክዕመሙ ካብ ዝተታሕዙ መደባት መብርሂ ኣቕሪባ።

ካብዚ ብምቕጻል ኣብ ዝኃለፈ ዓመት ምስ ናይ ኮሮና ጊዜ ንዝነበረ ምንቅስቓስ መናፍቕነት ዝድህስስ መግለጺ፡ ከምኡ ድማ መናፍቓን ዝልለዩሉ ባይታ ምጥጣሕን ምእመናንን ምእመናትን ብዕቱብ ጕሰነት ዝመሃሩሉ ኣገባብ ዝብሉ ዛዕባታት ተዘቲሎም ።

ኣብ መወዳእታ ድማ ብጉባኤተኛታት ምትእትታው መናፍቕነት ንምክልኻል፡ ምሕያል ጕሰነት ኣቦ ንስሓን ምእመንን፡ ውሉደ ክህነት ብኣፍልጦ ዝሕይለሉን ዝሕነጸሉን ሥልጠናታት ምድላው ዝብሉ ሃነጽቲ ርእይቶታትን ሓሳባትን ምስ ኣቕረቡ እቲ ጉባኤ ብጸሎት ተዛዚሙ ።