Print this page

ብዛዕባ ሥራዓተ ሓበሬታን ሥነ አኃዝን ዝምልከት ትምህርቲ ተዋሂቡ

Jul 07, 2021

24-25 ሰነ 2021 ዓ.ም.ፈ ብማእከልነት ክፍሊ ኣገልግሎት ካህናትን ክፍሊ ዳታ በይዝን ስታትስቲክስን ዝተወደበ ኣብ ሥርዓተ ሓበሬታን ሥነ አኃዝን (ዳታ በይዝ) ዘተኮረ ትምህርቲ፡ ብሰብ ሞያ ናይቲ ዓውዲ ዝኾኑ ወለንታውያን ደቂ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ተዋሂቡ ።

እዚ ብወለንታውያን ደቂ ቤተ ክርስቲያን ዝተዋህበ ትምህርቲ፡ ኣብ ጉዳይ ምሕደራውን ቴክኒካውን ዳታ በይዝን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን፡ ከምኡ ውን ድኅሪ ምእታው ዳታ ( data entry) ዘሎ ረብሓ ዝገልጽ፡ ብሓፈሻ ድማ ኣሰራርሓ ዳታ በይዝ ቤተ ክርስቲያን ብኸመይ ክትጥቀመሉ ትኽእል ዝብሉ ነጥብታት ዝሓዘ ትምህርቲ እዩ ነይሩ ።

ነዚ ዝተጠቕሰ ትምህርቲ ድማ ኵሎም ኣባላት (ክፍልታትን ንኡሳን ክፍልታትን) ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ዝተሳተፍዎ ኮይኑ፡ ኩሉ ሰብ ኣብ ዳታ በይዝ ዘለዎ ኣፍልጦ ብምዕባይ ብኣድማዕነት ክሠርሓሉ ዘኽእሎ ትምህርቲ ዘጠቓለለ ምንባሩ ካብ ኣዳለውቲ ናይቲ መደብ ኃላፊ ክፍሊ ኣገልግሎት ካህናት ቀሲስ ተስፋ እግዚእ ሰሎሞን ዝሃቡና መብርሂ የነጽር ።