Print this page

ክብረ በዓል አቡነ ክፍለ ሥላሴ ብመንፈሳዊ ድምቀት ተባዒሉ!

Jul 08, 2021

ዓመት መጸ ዝኸብር ክብረ በዓል አቡነ ክፍለ ሥላሴ ዕለት 28 ሰነ ኣብ ኣብ ገዳሞም ገዳም ቅድስት ሥላሴ ደብረ መድኃኒት ባምቡቆ ካብ ርሑቅን ቀረባን ዝመጽኡ ካህናትን ዲያቆናትን፡ ምእመናንን ምእመናትን አብ ዝተረክቡሉ ተኸቢሩ ውዒሉ።

ካብ ዋዜማ ሰዓት 4፡00 ድ.ቀ. ዝጀመሩ ቃል ኣምላኽ ሓጐስ ልቦም ዝኾኑ ሊቃውንት ኣቦታትን መምህራንን ተማሃሮን ክሳዕ ዕለተ በዓል ሰዓት 9፡00 ቅ.ቀ ሥርዓተ ማኅሌት ኣብጺሖም።(መዝ. 118፥111)  ብድኅር’ዚ ቅዱስ ታቦት ብለባስያን ውሉደ ክህነት  ተዓጂቡ ሠለስተ ሳዕ ተዖይዱ ኣብ ዝተዳለወሉ ቦታ ደው በለ።

ብመዘምራን ሊቃውንት ነቲ በዓል ዝምልከት ለዘብ (ወረብ) ምስ ቀረበ፡ ብመሪጌታ ሠመረ ነቲ ዕለት ዝምልከት ትምህርቲ ምስ ታሪክ ኣቡነ ክፍለ ሥላሴ ብምዝማድ ተዋህበ።

ብምቕጻል ቅዱስ ታቦት ብክብሪ ናብ ቦትኡ ተመሊሱ፡ ጸሎተ ቅዳሴ ምስ ተሠርዐ ናይቲ ክብረ በዓል ፍጻመ ኮነ።

ገዳም ቅድስት ሥላሴ ደብረ መድኃኒት ባምቡቆ ኣብ ሃገረ ስብከት ድባርዋ፡ ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ዓዲ ፈለስቲ እትርከብ ካብ ኣሥመራ ኣስታት 45 ኪሎ ሜትር ሪሒቓ እትርከብ ጥንታዊት ገዳም እያ።