ዜና ዕረፍት ሊቀ ሊቃውንት ኃይለሥላሴ ገብረሚካኤል

Sep 09, 2021

 “ኣታ ሕያዋይን እሙንን ኣገልጋሊ . . . ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ” (ማቴ. 25፡21)

ሊቀ ሊቃውንት ኃይለሥላሴ ገብረሚካኤል ኣብ መበል 90 ዕድሚኦም ብዕለት 03 ጳጉሜን 2013 ዓ.ም.ግ. (08/09/2021 ፈረንጂ) ብምኽንያት ሕማም ኣብ መንበሪ ቤቶም ብሰላም ዓሪፎም።

ዕለት 04 ጳጉሜን 2013 ዓ.ም. ድማ ኣብ መበቆል ዓዶም ሕምብርቲ ደብረ ማርያም ቤተ ክርስቲያን፡ ሊቃውንት መዘምራን ስብሐተ ነግህ ቆይሞም፡ እናዘመሙ፡ መዋሥዕት እናመርሑ፡ ለዘብ እናለዘቡ፡ ቅኔ እናፍሰሱ ንጸሎተ ፍትሐት ኣሰንዮሞ ጸሎተ ቅዳሴ ምስ ተሠርዐ ሥርዓተ ቀብሮም ተፈጺሙ።

ሊቀ ሊቃውንት ኃይለሥላሴ ገብረሚካኤል፡ ኣብ መንፈሳዊ ጉባኤ ውዒሎም ትምህርቲ ኣጠናቒቖም፡ ንነዊኅ ዓመታት ዘገልገሉ ብትግሃቶምን ንቅሓቶም ዝፍለጡ ኣቦ እዮም።

ሊቀ ሊቃውንት ኃይለሥላሴ ገብረሚካኤል ካብ ኣቦኦም የኔታ ገብረሚካኤል ተክአን ኣደኦም ወ/ሮ ወለተኢየሱስ ተ/ማርያምን ብ1924 ዓ.ም.ግ. (1931 ፈ) ኣብ መበቆል ዓዶም ሕምብርቲ ተወሊዶም።

ንዓቅመ ትምህርቲ ምስ ኣኸሉ፡ ካብ ኣቦኦም የኔታ ገብረሚካኤል ግብረ ዲቁና ተማሂሮም ብ 1935 ዓ.ም.ግ (1942 ፈ) ብብፁዕ አቡነ ማርቆስ መዓርገ ዲቁና ተሠይሙ። ብመዓርገ ዲቁና እናኣገልገሉ ካብ መምህር ቅኔ የኔታ ጽጌ ቅኔ ተማሂሮም ተቀነዩ። ፈታዊ ትምህርቲ ብምንባሮም ናብ ገዳም ደብረ ጥሉል ኣቡነ ኣብራንዮስ (እንዳቦና) ብምኻድ ካብ መምህር ሲራክ ጾመ ድጓ ክመሃሩ ከለዉ ናብ ዓዲ ወጥሕ ብምኻድ ድማ ትምህርተ ኣቋቋም ከምኡ’ውን ናብ ማይ ለሓም ብምኻድ ካብ መምህር ቅኔ የኔታ በርሀ ቅኔ ብምምሃር ዳግማይ ተቀነዩ።

ንዝለዓለ ትምህርት ካብ ብሉጻት ሊቃውንት ንምምሃር ካብ ትውልዲ ዓዶም ርኂቖም ናብ ጎንደር ኢትዮጵያ ኸዱ። ዝቐደመ ትምህርቶም ትምህርተ ኣቋቋም ካብ የኔታ ኣፈወርቅ ባይሩ፡ ትምህርተ ቅኔ ድማ ካብ የኔታ ስዩም ብምኽላስን ሓድሽ ብምውሳኽን ኣገልግሎቶም ኣስፍሑ። 

ብዝበለጸ ድማ ኣብ መንበረ መንግሥት መድኃኔ ዓለም ቤተ ክርስቲያን ጎንደር ካብ ዶክተር አለቃ አያለ ዓለሙ፡ ካልኣይ ዘይብሎም ንበይኖም ‘መጽሐፈ መነኮሳት’ ተማሂሮም ኣመስከሩ። በዚ ኸኣ ድኅሪ ዕረፍቲ ዶክተር አለቃ አያለ ዓለሙ፡ ነቲ ወንበር ተኪኦም ከምዝኃዝዎን ከምዝመሃርሉን ይፍለጥ።

ብሥርዓተ ተክሊል ምስ ወ/ሮ ኣዜብ ኣብርሃም ቃል ኪዳን ድኅሪ ምእሳሮም፣ ብብፁዕ ወቅዱስ አቡነ መርቆሬዎስ 4ይ ፓትርያርክ ዘኢትዮጵያ መዓርገ ክህነት ተቀብኡ።  

ድኅሪ ናይ ነዊሕ ዓመት ኣገልግሎቶም ‘ካብ ዜማ ክሳብ መጽሓፍ’ ዝኣክሎም ትምህርቲ ሰኒቆም ብልዑል መንፈሳዊ ስምዒትን ሃይማኖታዊ ቅንዓትን ናብ ሃገሮም ኤርትራ ምስ ተመልሱ፡ ኣብ ደብረ ማርያም ቤተ ክርስቲያን (ሕምብርቲ) ን 10 ዓመት ኣገልገሉ። ኣብ ደብረ መንክራት ቅዱስ ቂርቆስ ቤተ ክርስቲያን (ኣሥመራ) ን 4 ዓመት ምስ ኣገልገሉ፣  ናብ ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም ብምምጻእ ክሳዕ ዕለተ ዕረፍቶም ን 16 ዓመት ኣገልጊሎም።

እንሆ ድማ ፈቃደ እግዚአብሔር ኮይኑ መዓልቲ ዕረፍቶም በጺሓ፣ ኣብ መበል 90 ዕድሚኦም ብዕለት 03 ጳጉሜን 2013 ዓ.ም.ግ. (08/09/2021 ፈረንጂ) ብምኽንያት ሕማም ብሰላም ዓሪፎም። ንጽባሒቱ 04 ጳጉሜን 2013 ዓ.ም. ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስን ሊቃውንት መዘምራንን ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ መበቆል ዓዶም ሕምብርቲ ደብረ ማርያም ቤተ ክርስቲያን፡ ስብሐተ ነግህ ተቆይሙ፡ ቅኔ ፈሲሱ፡ ጸሎተ ቅዳሴ ተሠሪዑ ሥርዓተ ቀብሮም ተፈጺሙ።

ሊቀ ሊቃውንት ኃይለሥላሴ ገብረሚካኤል ወሪዶም ደይቦም ደኺሞም ሠናይ ገድሊ ዝተጋደሉ፡ ግቡኦም ፈጺሞም ዝተረኽቡ  ብሥጋ ክልተ ኣወዳትን ክልተ ኣዋልድን ዝወለዱ ኣቦ ኣርባዕተ ውሉድ፣ ብመንፈስ ድማ ንብዙኃት ኣርኣያን ጽላልን ዝኾኑ ገብርኄር እዮም።

ስለዝኾኑ  ድማ “ጽቡቕ፡ ኣታ ሕያዋይን እሙንን ኣገልጋሊ ብውኁድ ተኣሚንካ ኢኻ እሞ ኣብ ልዕሊ ብዙኅ ኽሸመካ እየ፡ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ” (ማቴ. 25፡21) ብምባል አምላከ ሕያዋን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘለዓለማዊ መንግሥቱ ከምዘውርሶም እምነትና እዩ።

ዕረፍቲ ነፍሲ ይሃቦም!

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ አሜን!

Ad Right

ዘመነ ማርቆስ 17 መስከረም 2014 ዓ.…

September
Monday
27
በዓለ መስቀል፡ ወታኦግንስጣሮማዊት።               ዘቅዳሴ ምንባብ መልእክታት  1ይ ቆሮ. 1፡17-ፍጻሜ 1ይ ጴጥ. 2፡20-ፍጻሜ ግብረ ሓዋርያት ግብ. ሐዋ.  5፡26-33 ምስባክ መዝ. 131/132 ወንጌል   ዮሐ. 19፡25-37 ቅዳሴ ቅዳሴ ዘዮሐንስ አፈ ወርቅ።        * * *
00:00 h

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

በዓል ቅዱስ መስቀል 2014 ዓ.ም. ብዓቢይ ድምቀት ተባዒሉ!

ዓመት መጸ 17 መስከረም ብዓቢይ ድምቀት ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ክበዓል ከሎ፡ ብፍላይ ግና ኣብ ሀገረ ስብከት ኣሥመራ ኣብ ርእሰ...

ኃይሊ ቅዱስ መስቀል ኣብ ዘመነ ኣበው።

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ ኣብ ዘመነ ኣበው’ውን እንተኾነ ናይቲ ኺመጽእ ዘለዎ ኣማናዊ መስቀል ጽላሎት ኮይኑ ብዙኅ ተኣምራት ሰሪሑ እዩ፤...

ሓድነታዊ ጉባኤ ሓድሽ ዝተመርጸ ምምሕዳር ሰበካ ጉባኤን ምእመናን ኣባላት ሰበካ…

መሪሕነት ኣባላት ሰበካ ጉባኤ መድኃኔ ዓለም ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርቲያን ኤርትራ (ሉሳካ) ከምኡውን ምእመናን ምእመናት ነበርቲ ሃገረ ዛምብያ ብማእከልነት ቀሲስ...

ጉባኤ ማኅበር መላእ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣፍሪቃ ኣብ ሃገረ ዛምብያ ይካየድ…

ብማኅበር መላእ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣፍሪቃን(AACC) ብኣኣንጋድነት ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያናት ዛምብያ (CCZ) ተወዲቡ፡ ኣብ ዛዕባ ሕዝባዊ ዕዳን ብልሽውናን ምቁጽጻር ከምኡ’ውን...

ጉባኤ ኤፌሶን (431 ዓ.ም.) 1ይ ክፋል

ዝቐደመ ጉባኤታት ኣብ ምሥጢረ ሥላሴ ንዝተላዕለ ኑፋቄታት፣ ብፍላይ ብተመሃሮ ቤት ትምህርቲ አንጾኪያ፣  መልሲን ግቡእ መግትኢ ዝኸውን ውግዘትን ኣቐሚጡ ነበረ። ብድሕሪ...

በዓለ ሥእል ዘጼዴንያ

ብመሠረት ትምህርቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ካብ ቅዱሳት ኣሣእል ብዙኅን ዓቢይን ጥቕሚ ይርከብ። ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝርከቡ ትምህርትታትን ታሪኻትን ብሥእላዊ ኣገላልጻ...

በዅሪ ጽምብል ሥነ ሥርዓት መመረቕታ ኮለጅ ነገረ መለኮት ደብረ ሲና…

ኮለጅ ነገረ መለኮት ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ብመዓልታውን ምሸታውን መርሐ ግብር ክምህሮም ካብ ዝጸንሐ ተማሃሮ፡...

“ነቢይ ኢሳይያስ”

ነቢይ ማለት ፡ መንፈስ ትንቢት ኃዲርዎ ብዛዕባ ዚመጽእ ትንቢት ዚንበ፣ ብዛዕባ ዝኃለፈን ዚመጽእን ራእይ ዚርኢ፣ ብዛዕባ ግብረ እግዚአብሔር ኣብ ታሪኽ...

ዜና መዋዕል ካብ ልደት ክሳዕ ግብአተ መሬት መሪጌታ ባራኺ ገብረመድኅን…

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ! “በድርየኒ ፈጸምኩ ወሃይማኖትየኒ ዐቀብኩ፡ እንከሰ ጽኑሐ ሊተ አክሊለ ጽድቅ ዘየዐሥየኒ እግዚአብሔር ይእተ ዕለተ መኰንነ...

ኣብ ቤት ማኅተም ኮከበ ጽባሕ ንልዕሊ 20 ዓመት ዝሠርሑ መሪጌታ…

ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ቤት ማኅተም ኮከበ ጽባሕ ማኅበረ ሓዋርያት ንልዕሊ 20 ዓመት ዝሠርሑ መሪጌታ በራኺ ገብረመድኅን ኣብ...

እንቋዕ ካብ ዘመነ ማቴዎስ ናብ ዘመነ ማርቆስ ብሰላም ኣሰጋገረናን ኣብጽሓናን!

ዝናም ብመብረቕን ድምፂ ነጐድጓድን ተዓጂቡ ንምድሪ ዘዕለቕልቐሉ ወርኀ ክረምት ኣኅሊፉ፡ ንምድሪ ብልምላሜን ጽጌያትን ኣወቂቡ፡ ናብዚ ሓዲስ ዘመን ንሰጋገረሉ ወርኀ መስከረም...

ካብ ርእሰ ዓውደ ዓመት ክሳዕ ፀአተ ክረምት

1. ካብ ዮሐንስ (መለወጢ ዘመን ) ክሳዕ ዘካርያስ (1 መስከረም ክሳዕ 8 መስከረም) ሓድሽ ዓመት ዝትክኣሉ እዋን ስለዝኾነ ኣብ ልቢ ክርስቲያን...

  

latest articles

Transfiguration: (Debre Tabor)

This is the day celebrated on Nehase (August) 13 G.C. in which Our Lord Jesus Christ during his ministry, manifested...

PRAYER

Prayer is a word by which man communicates with his Creator in Faith, thanking and beseeching Him for the forgiveness...

FAITH AND WORKS

Faith is “a confidence or trust in God”. Faith gives assertion to the things we hope for and explains the...

The feast of the Holy Cross - Mesekel (The Founding…

The Mesekel holiday is celebreated on Meskerem 17 (27th of September) and Megabit 10 (19th of March). The word Meskel...

The Ascension of St Mary (part two)

Moreover, Whilst John the evangelist was preaching in the country of Asia, on the sixteenth day of the month of...

The Ascension of St Mary (part one)

"At your right hand stands the queen." (Psalm 45:9)IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY...

The Fast of Assumption of the Virgin Mary

This fast lasts from Nehassie (August) 1 to 16. Our Lady departed on 21 of Ter (January) in 50 A.D...

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...