Print this page

ምሸታዊ ትምህርቲ (extension) ኣብ መንፈሳዊ ኮሌጅ ተጀሚሩ!

Oct 16, 2019

ክልተ ዓመታት ፈጺሙ ናብ ሣልሳይ ዓመተ ትምህርቲ ዝተሰጋገረ ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ መንፈሳዊ ኮሌጅ (Theology) ኣብ ክልተ ሥሩዕ (regular) መርሓ ግብርታት (ዲግሪ 5ተ ዓመት/ ዲፕሎማ 3ተ ዓመት) ትምህርቱ ብጽቡቕ ይቕጽል ከም ዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ ድማ ሓድሽ ምሸታዊ መርሓ ግብር (extension) ብደረጃ ሰርተፊኬት ክምህር ጀሚሩ።

እዚ ሓድሽ መርሓ ግብር’ዚ ነቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ እዋን ቀትሪ ክመሃሩ ዘይከኣሉ ዝዓለመ ኮይኑ፡ ኣብ ሓደ ዓመት ዝዛዘም (ሠለስተ ሰሚስተር) ብሓፈሻዊ ሥነ መለኮት (General Theology) ናይ ሰርተፊኬት መርሓ ግብሪ ክወሃብ እዩ።

ትኅዝቶ ትምህርቱ ከኣ ኣብ ጓስነት ምእመናን፣ ትምህርተ ሃይማኖት፣ መጽናዕቲ ቅዱሳት መጻሕፍት፣ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን፣ ሜላ ስብከት፣ ክርስቲናዊ ሥነ ምግባር፣ ተነጻጻሪ ትምህርቲ ሥነ መለኮት ዘተኮረ ከምኡ’ውን ኣብ ሓፈሻዊ ኣፍልጦ መሠረታዊ ሕጋጋት፣ ምኅደራ፣ ፋይናንስ ቤተ ክርስቲያን ሓጋዚ ዝኾኑ ትምህርታት ተሠሪዖም ኣለዉ።

እዚ ምሸታዊ ትምህርቲ’ዚ ከም ናይ ቀትሪ ሥሩዕ ትምህርቲ ኣብ መነኮሳትን ካህናትን ዲያቆናትን ጥራሕ ከይተሓጽረ እንተላይ ተማሃሮ ትምህርቲ ሰንበትን ምእመናንን ምእመናትን ኣሳቲፉ ልዕሊ 100 ተማሃሮ ተቐቢሉ ምሥርሕ ምስትምሃር ጀሚሩ ኣሎ።

ከም ንድፈ ዕዮ ናይዚ ኮሌጅ’ዚ ነዚ ብደረጃ ሰርተፊኬት ክወሃብ ተጀሚሩ ዘሎ ውፅኢቱ ተገምጊሙ፣ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሒ ቤተ ክርስቲያን ዋሕዲ ዓቕሚ ሰብ ክፈትሕ ኣብ ዝኽእልን ዘማዕብልን ኣገደስቲ ዓውድታት ትምህርትን ብምትኳር፣ ብቋንቋ ግእዝ፣ ምኅደራን ፋይናንስን ቤተ ክርስቲያን፣ ሕገ ቤተ ክርስቲያን ርእሱ ክኢሉ ብደረጃ ሰርተፊኬት ንኣገልገልቲ ምሸታዊ ንምምሃር ወጢኑ ኣሎ። ብተወሳኺ ድማ ኣብ ዝመጹ ዓመታት ነቶም ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ዘይዛዘሙ ሥዩማን ካህናት ዝጠመተ ክሳዕ ሽዱሽተ ወርኂ ዝወስድ ሥልጠና ካህናት ንምጅማርን፣ ነቶም ኣብ ወፃእን ካብ ኣሥመራ ወፃእን ዝርከቡ ውሉደ ክህነት ዝዓለመ ናይ ርሑቕ ትምህርቲ (distance learning) ንምትእትታው ተመዲቡ ኣሎ።

ብሓፈሻ መንፈሳዊ ኮሌጅ ደብረ ሲና ከም ጀማሪ መጠን ደረጅኡ ሃልዩ፣ ንኵሉ ሕጽረታት በዲሁ ዝድለ ብቝዕ ዓቕሚ ሰብ ንምፍራይ ኣብ ከቢድ ቃልሲ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብ ምዝዛም ዝሓለፈ ዓመተ ትምህርቲ ህልዊ ደረጃ ኮሌጅ ንምግምጋም ብሰብ ሞያ ንዝተገብረ ፈተሻ ብቕዓት (Inspection) ከምኡ’ውን ቀጻሊ መሕትትን ምክትታትልን ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ኣብ ግምት ብምእታው፣ ድኽመታት ብምልላይን ብልጫታት ብምዕቃብን ኣብ ዓቕሚ ሰብ ይኹን ኣሠራርሓ ምምኅያሽ ንምግባር ከም መደብ ተታኂዙ ኣሎ። ገለ ካብኡ ብኣዝዩ ውሱን ዓቕሚ ሰብ ጥራይን ብምድርራብን ክካየድ ንዝጸንሐ ኣሠራርሓ ምምኅያሽ፣ ኃለፍቲ ዓውድታት ትምህርቲ (department) ምምዳብ፣ ዓውዲ ምርምርን ስነዳን ኮሌጅ ምብጋስ፣ ዓመታዊ መጽናዕታዊ ጆርናል (መጽሔት) ኮሌጅ ምጅማር፣ ምጅማር ናይ ተማሃሮ ኣልባስ ዲቪዛ (uniform) . . . ።

ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ መንፈሳዊ ኮሌጅ፣ ሓድሽ ንዝጀመረ ምሸታዊ መርሓ ግብሪ ወሲኹ፣ ኣብ ሠለስተ መርሓ ግብርታት ልዕሊ 220 ተምሃሮ ዝምህር ዘሎ መንፈሳዊ ኮሌጅ እዩ። ኣብ ምውዳእ ናይ 2019/2020 ዓመተ ትምህርቲ፣ ቀዳሞት ተምሃሮ ዲፕሎማ ትምህርቶም ዛዚሞም ንኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ክፋነዉ፣ ልዕሊ 100 ዝኾኑ ምሸታዊ ተምሃሮ ከኣ ክምረቑ ትጽቢት ይግበር።

ምሉእ ንምሉእ ብልዑል ባጀትን ወፃኢታትን ቤተ ክርስቲያን ዝካየድ ዘሎ እዚ ኮሌጅ ብውሳነ ቅዱስ ሲኖዶስ ድሮ ትምህርቱ ካብ ዝጅምር ሣልሳይ ዓመቱ ኣቍጺሩ ይርከብ።