በዅሪ ጽምብል ሥነ ሥርዓት መመረቕታ ኮለጅ ነገረ መለኮት ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ተፈጺሙ!

Sep 18, 2021

ኮለጅ ነገረ መለኮት ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ብመዓልታውን ምሸታውን መርሐ ግብር ክምህሮም ካብ ዝጸንሐ ተማሃሮ፡ ሎሚ ዕለት 8 መስከረም 2014 ዓ. ም. (18-09-2021 ዓ. ም. ፈ.) 27 ብደረጃ ዲፕሎማ፡ 65 ድማ ብደረጃ ሰርተፊከይት፣ ብጠቕላላ 92 ተማሃሮ ብሓፈሻዊ ነገረ መለኮት (General Theology) ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ቄርሎስ ቀዳማዊ፡ ኃሙሻይ ፓትርያርክን ጳጳሳትን ሊቃነ ጳጳሳትን ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስን ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣብ ኣዳራሽ እቲ ኮለጅ ንመጀመርታ ጊዜኡ ኣመሪቑ።

ኣብ’ቲ ሰዓት 09፡00 ቅ. ቀ. ብመርሒነት ቅዱስ ፓትርያርክ ብጸሎትን ምንባብ ቅዱስ ወንጌልን ዝጀመረ በዅሪ ጽምብል ሥነ ሥርዓት መመረቕታ፣ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ሉቃስ ወግዓዊ ምጅማር ናይ’ቲ መርሐ ግብር አበሢሮም። ብድኅርዚ ብመራሒ መርሐ ግብር፡ ነቲ፡ “ህየንተ አበውኪ ተወልዱ ለኪ ደቂቅ፣ ወትሠይምዮሙ መላእክተ ለኵሉ ምድር ወይዘክሩ ስመኪ በኵሉ ትውልደ ትውልድ። (ኣብ ክንዲ ኣቦታትኪ ውሉድ ተወልዱልኪ፤ ኣብ ኵሉ ምድሪ ኸኣ ኣሕሉቕ ገይርኪ ክትሸምዮም ኢኺ። ንውሉድ ወለዶ ድማ ስምኪ ክጽውዑ እዮም።)” (መዝ. ዳዊ. ፵፬፥፲፮/44:16) ንዝብል ምስባክን ካብ’ቲ ዝተነነበበ ወንጌል፡ “ማእረሩሰ ብዙኅ ወገባሩ ኅዳጥ። ሰአልዎ እንከ ለበዐለ ማእረር ከመ ይወስክ ወይፈኑ ገባረ ለማእረሩ።” (እቲ ቀውዒ ብዙኅ እዩ፤ ሠራሕተኛታቱ ግን ውኁዳን እዮም። ነቲ ቀዉዑ ሓረስቶት ወሲኹ ንኽልእኽ ነቲ ናይ ቀውዒ በዓል ቤት ለምንዎ።) (ሉቃ. ፲፥፩-፲/10፥1-10) ንዝብል ኃይለ ቃል ሓፂር ትርጓሜን መብርህን ተዋሂቡ። ብድኅሪኡ ተኃጋጋዚ ዲን እቲ መንፈሳዊ ኮለጅ አባ ሲላስ ብርሃነ ብወገኖም ቃል መሪሕነት ኮለጅ ኣስሚዖም። ንሶም ኣብ መልእኽቶም፡ እዚ ኮለጅ ንኽምሥረት በቶም ቀዳሞት አበው፡ ቅድሚ 60 ዓመታት ዝሕሰብ እኳ እንተ ነበረ፣ እግዚአብሔር ፈቒድዎ ፍጻሜ ዝረኸበ ግና ድኅሪ ናጻነት ሃገርና ምዃኑ ብምጥቃስ፣ ኣብ 2004 ዓ. ም ፈረንጂ ብመሠረት ፕሮቶኮላዊ ስምምዕ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ አብያተ ክርስቲያናት ኤርትራን ግብጽን፡ ናይ ክልቲኤን አብያተ ክርስቲያናት መራሕቲን ክቡር ፕረሲደንት ሃገረ ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ኣብ ዝተረኽብሉ እምነ መሠረት ከም ዝተነብረሉ ገሊጾም። ብወግዒ ተማሃሮ ተቐቢሉ ክምህር ካብ ዝጅምር 4 ዓመት ከም ዘኅለፈ ድኅሪ ምግላጽ ድማ፡ መንፈሳዊ ኮለጅ ነገረ መለኮት ንዅለንተናዊ ዕቤትን ሕንጸትን ቤተ ክርስቲያን ኅብረተ ሰብን ኣገደሲ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ በዚ ኂዝዎ ዘሎ ኪደት ጽባሕ ንግሆ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ዓቢይን ኣማእዛንን ግደ ከም ዘለዎ ብምብራህ ቃሎም ዛዚሞም።

 

ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ቄርሎስ፡ 27 ውሉደ ክህነት ተመረቕቲ ብደረጃ ዲፕሎማ፡ 65 ድማ ብደረጃ ሰርተፊከይት ወረቐት መመረቕታ፣ ከምኡ’ውን ንብሉጻት ተማሃሮ ናይ መዳልያን ናይ ኮባን ሽልማት ድኅሪ ምዕዳል፡ ነዚ ንርእዮን ንሰምዖን ዘሎና ክርእዩን ክሰምዑን ብዙኃን ከም ዝተመነዩ ግና ከም ዘይረአዩ ብምግላጽ፡ ንሕና ግና ነዚ ክንርእን ክንሰምዕን ዘብቅዓና እግዚአብሔር ይመስገን ብምባል ቃለ ቡራኬ ሂቦም። ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ብፅዕ አቡነ ሉቃስ እውን ብወገኖም፡ ናብዚ ንዘብጽሓና እግዚአብሔር ድኅሪ ምምስጋኖም፡ እዚ ተረኺቡ ዘሎ ዓወት ኣብ ትሕቲ እግዚአብሔር፡ ሳላ ብሰማዕታት ዝተረኽበ ክቡር ናጽነት እዩ እሞ፡ ነዚ ረኺብናዮ ዘሎና ናጽነት ተጠቂምና ቤተ ክርስቲያን እተሰክመና ሓላፍነት ክንፍጽም ግቡእ ምዃኑ ንተመረቕቲ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ካብዚ ብምቕጻል ድማ ወኪል ተመረቕቲ ንተመረቕትን ንወለድን መላእ ሕብረተ ሰብ ቤተ ክርስቲያንን እንቛዕ ሓጐሰና ድኅሪ ምባል፣ ኣብዚ ኮለጅ ዝቐሰምዎ ትምህርታት ነገረ መለኮት ኣብ ሕይወቶምን ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያንን ዓቢይ ኣበርክቶ ከም ዘለዎ ብምግላጽ፡ ሕድርን ለበዋን አቦታት ንምፍጻም ቃል ኣትዮም።

ኣብ መወዳእታ፣ እዚ በዅሪ ጽምብል መመረቕታ ተማሃሮ ነገረ መለኮት፡ ብሊቃውንት ተመረቕቲ ድኅሪ ዝቐረበ ናይ ቅኔ ሥላሴ ምስጋና፡ ብምህለላን ጸሎትን ተዛዚሙ።

ኮለጅ ነገረ መለኮት ደብረሲና ቅድስት ሥላሴ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ብ2017 ዓ. ም ፈረንጂ ንውሉደ ክህነት እና ተቐበለ ብደረጃ ዲግርን ዲፕሎማን ብሥሩዕ ክምህር ድኅሪ ምጽናሕ፡ ካብ 2019 ዓ.ም ጀሚሩ ከኣ ብናይ ምሸታዊ መርሐ ግብር ብደረጃ ሰርተፊከይት ንውሉደ ክህነትን ንመንእሰያት ትምህርተ ሰንበትን ክምህር ጸኒሑን ኣሎን።

ኣብዚ በኵሪ ጽንብል መመረቕታ ተማሃሮ ኮለጅ፣ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ቄርሎስ ፭ይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ብፁዓን ሊቃነ ጳጳሳት፡ ሓደስቲ ተሰየምቲ ብፁዓን ጳጳሳት፡ አበ ምኔታትን ተወከልቲ ገዳማትን፡ መራሕቲ ሥራሕ አህጉረ ስብከታት፡ ሓለፍቲ ክፍልታት መንበረ ፓትርያርክ፡ ሊቃውንት መምህራን፡ አማኃደርቲ አብያተ ክርስቲያናት ሃገረ ሰብከት አሥመራ፡ ተወከልቲ ዓበይቲ ዓድን ወለዲ ተመረቕትን ተረኺቦም ነይሮም።

 

No events found.

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ኣብ ሀገረ ስብከት ደቡብ መንደፈራ ንኡስ ሃገረ ስብከት ዓዲ…

ኣብ ሃገረ ስብከት ደቡብ መንደፈራ ንኡስ ሃገረ ስብከት ዓዲ ዃላ፡ ኣብ ፋይናንስን ምኅደራን ከምኡ ድማ ንጉዳይ ጥሮታን መምርሒታቱን ዝምልከት ስልጠና፡...

ክብረ በዓል ገዳም ደብረ ክሳሄ ወደብረ ማርያም አቡነ አብሳዲ ብድሙቕ…

“ኀበ ጽላሎታ ዘበጽሐ ኢይሬኢ ደይነ” ዓመት መጽአ 30 መስከረም ክብረ በዓል አቡነ አብሳዲ ኣብ ገዳሞም ደብረ ክሳሄ ወደብረ ማርያም አቡነ አብሳዲ...

“ኦ አርሴማ ኪዳነኪ ኮነ ለኃጥአን ቤዛነ” ብዝብል ድምቀት ክብረ በዓል…

ዓመት መጽአ 29 መስከረም ዝክረ ሰማዕትነት ቅድስት ኣርሴማ ኣብ ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስቲያን ዝኽበር ኮይኑ፣ ብስማ ዝተሓንፀ ቤተ ክርስቲያንን ዝተገደመ ደብረ...

“ብክዩ ኅዙናን ሐልየክሙ ስደታ . . . እቲ መሪር ስደታ”

ሕዝበ ክርስቲያን እዚ ቅንያት’ዚ ንስደት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ፍቁር ወዳ፡ ቅዱስ ዮሴፍን ቅድስት ሰሎሜን ካብ እስራኤል ናብ ግብጺ...

ተመረቕቲ ነገረ መለኮት መንእሰያት ኣባላት ትምህርት ሰንበት ንዝተማህርዎ ትምህርቲ ኣብ…

ብዕለት 20 መስከረም 2014 ዓ.ም. (30/09/2021.ፈ) ተመረቕቲ ነገረ መለኮት መንእሰያት ኣባላት ትምህርት ሰንበት ንዝተማህርዎ ትምህርቲ ኣብ ምትኅልላፍ ክተግሁ ኣብ ቤት...

ትምህርቲ ቀዳምነት ዝተወሃቦ ዕላማ ቅዱስ ሲኖዶስ!

ቀዳማይ ዕላማ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን፡ ቃለ ወንጌል ንሰባት ብምምሃር ናብ ርቱዕ እምነት ከምዝመጹን ብሃይማኖትን ሠናይ ግብርን ከምዝነብሩን ብምግባር ንዘለዓለማዊ መንግሥተ...

'ብዙኃን ማርያም'

21 መስከረም፡ ብዙኃን ሊቃውንት ኣብ በዓለ ማርያም ተጋቢኦም ክሕደት ኣርኂቖም ሃይማኖት ዘጽንዕሉ ንዝክረሉ ዕለት ስለ ዝኾነ ብዙኃን ማርያም ይበሃል። ኣብ ራብዓይ...

ጉባኤ ኤፌሶን (431 ዓ.ም.) 2ይ ክፋል

ነገረ ጉባኤ እቲ ጉባኤ ምስ ተጀመረ፣ ተኸሳሲ ንስጥሮስ ናብቲ ጉባኤ ቀሪቡ ትምህርቱ ከቕርብ ተሓተ። ጉባኤ ብምልኣት እንተዘይተአኪቡ ኣይመጽእን በለ። ሠለስተ ጊዜ...

በዓል ቅዱስ መስቀል 2014 ዓ.ም. ብዓቢይ ድምቀት ተባዒሉ!

ዓመት መጸ 17 መስከረም ብዓቢይ ድምቀት ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ክበዓል ከሎ፡ ብፍላይ ግና ኣብ ሀገረ ስብከት ኣሥመራ ኣብ ርእሰ...

ኃይሊ ቅዱስ መስቀል ኣብ ዘመነ ኣበው።

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ ኣብ ዘመነ ኣበው’ውን እንተኾነ ናይቲ ኺመጽእ ዘለዎ ኣማናዊ መስቀል ጽላሎት ኮይኑ ብዙኅ ተኣምራት ሰሪሑ እዩ፤...

ሓድነታዊ ጉባኤ ሓድሽ ዝተመርጸ ምምሕዳር ሰበካ ጉባኤን ምእመናን ኣባላት ሰበካ…

መሪሕነት ኣባላት ሰበካ ጉባኤ መድኃኔ ዓለም ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርቲያን ኤርትራ (ሉሳካ) ከምኡውን ምእመናን ምእመናት ነበርቲ ሃገረ ዛምብያ ብማእከልነት ቀሲስ...

ጉባኤ ማኅበር መላእ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣፍሪቃ ኣብ ሃገረ ዛምብያ ይካየድ…

ብማኅበር መላእ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣፍሪቃን(AACC) ብኣኣንጋድነት ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያናት ዛምብያ (CCZ) ተወዲቡ፡ ኣብ ዛዕባ ሕዝባዊ ዕዳን ብልሽውናን ምቁጽጻር ከምኡ’ውን...

  

latest articles

Transfiguration: (Debre Tabor)

This is the day celebrated on Nehase (August) 13 G.C. in which Our Lord Jesus Christ during his ministry, manifested...

PRAYER

Prayer is a word by which man communicates with his Creator in Faith, thanking and beseeching Him for the forgiveness...

FAITH AND WORKS

Faith is “a confidence or trust in God”. Faith gives assertion to the things we hope for and explains the...

The feast of the Holy Cross - Mesekel (The Founding…

The Mesekel holiday is celebreated on Meskerem 17 (27th of September) and Megabit 10 (19th of March). The word Meskel...

The Ascension of St Mary (part two)

Moreover, Whilst John the evangelist was preaching in the country of Asia, on the sixteenth day of the month of...

The Ascension of St Mary (part one)

"At your right hand stands the queen." (Psalm 45:9)IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY...

The Fast of Assumption of the Virgin Mary

This fast lasts from Nehassie (August) 1 to 16. Our Lady departed on 21 of Ter (January) in 50 A.D...

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...