ሓድነታዊ ጉባኤ ሓድሽ ዝተመርጸ ምምሕዳር ሰበካ ጉባኤን ምእመናን ኣባላት ሰበካ መድኃኔ ዓለም ሉሳኻ ዛምብያ ተቓኒዑ

Sep 24, 2021

መሪሕነት ኣባላት ሰበካ ጉባኤ መድኃኔ ዓለም ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርቲያን ኤርትራ (ሉሳካ) ከምኡውን ምእመናን ምእመናት ነበርቲ ሃገረ ዛምብያ ብማእከልነት ቀሲስ በረኸት ኪዳነ ናይ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ኃላፊ ወፃኢ ዝምድናታት ዕለት 23 መስከረም 2020 ዓ.ም.ፈ ርክብ ኣካይዶም

ፈለማ ቀሲስ በረኸት ሠናይ ምንዮትን ሰላምታን ቡራኬን ቅዱስ ሲኖዶስ ብምትኅልላፍ፡ ቀጺሎም ድኅሪ ሓፈሻዊ ገምጋም 20 ዓመታት ጉዕዞ ቤተ ክርስቲያን ዝተገብረ ዳግመ ሥርርዕን ውደባን ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ዝኃለፈ ሽዱሽተ ዓመታት ኣብ መንፈሳዊ ምምኅዳራዊ ልምዓታዊ መደባት ዘሰላሰሎምን ንክዕመሙ ዝተዳለዉ መደባትን ፕሮጀክትታን ሰፊሕ መብርሂ ሂቦም። ብምቕጻል ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ኵሉ ዕዮኦም ኣብ ጎኖም ኮይኑ ካብኡ ዝድለ ዘበለ ከም ከማልእን ድልው ምህላዉን ተገሊጹ።

ሰበካ ጉባኤ ብወገኖም ኣብ ዝኃለፈ ዓመት ብሕዝቢ ተመሪጾም ብቅዱስ ሲኖዶስ ድኅሪ ምጽዳቕ ብመጀመርያ ብሕጊ እታ ሃገር ሕጋዊ ተፈላጥነት ንምርካብ ክጽዕሩ ጸኒሖም ዘድሊ ቅጥዕታት ብምምላእ ካብ ዝምልከቶ ኣካል መንግሥቲ ከም ቤተ ክርስቲያን ሰበካን ኣፍልጦ ተዋሂብዎም ብሕጊ ዝተመዝገብሉ ወረቐት ምስክር ኣቕሪቦም። ናይ ባንክ ሕጋዊ ሕሳብ ኣብ ምክፋትን ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምስራሕን ቀዳምነት ኂዞም ይብገሱ ምህላዎም ድማ ጠቂሶም።

ብወገን ምእመናን ምእመናት ነበርቲ ሃገረ ዛምብያ ኣብ መንጎኦም ዝጸንሐ ሓደ ሓደ ዘይምርድዳኣት ብቅኑዕ ክፉትን መንፈስ ኣብ ባይታ ብምውራድ፡ ነቲ ዝጸንሐ ዘይምርድዳኣት ብምእላይ፡ ሓድነቶም ኣጽኒዕም ብሰላምን ፍቕርን ክጓዓዙን ብሓባር እቲ ንነዊኅ እዋን ክጽበይዎን ክብህግዎን ዝጸንሑ ቤት እግዚአብሔር ክሓንፁ ብሓደ ልቢ ክብገሱ ነፍሲ ወከፍ ብናይ ይቅሬታ መንፈስ ብምስምማዕ ናይ ዝቅጽል ርክብ መዓልቲ ጉባኤ ብምውሳን፡ ንዝኾነ ዘጋጥም ዘይምርዳኣት ብሰላምን ይቕሬታን እተዕርፍ 3 ዝኣባላታ ናይ ዕርቂ ሽማግለ ክትቈውም ብምስምማዕ ጉባኤ ንእግዚአብሔር ብዘሥምር ኣገባብ ተደምዲሙ።

No events found.

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ኣብ ሀገረ ስብከት ደቡብ መንደፈራ ንኡስ ሃገረ ስብከት ዓዲ…

ኣብ ሃገረ ስብከት ደቡብ መንደፈራ ንኡስ ሃገረ ስብከት ዓዲ ዃላ፡ ኣብ ፋይናንስን ምኅደራን ከምኡ ድማ ንጉዳይ ጥሮታን መምርሒታቱን ዝምልከት ስልጠና፡...

ክብረ በዓል ገዳም ደብረ ክሳሄ ወደብረ ማርያም አቡነ አብሳዲ ብድሙቕ…

“ኀበ ጽላሎታ ዘበጽሐ ኢይሬኢ ደይነ” ዓመት መጽአ 30 መስከረም ክብረ በዓል አቡነ አብሳዲ ኣብ ገዳሞም ደብረ ክሳሄ ወደብረ ማርያም አቡነ አብሳዲ...

“ኦ አርሴማ ኪዳነኪ ኮነ ለኃጥአን ቤዛነ” ብዝብል ድምቀት ክብረ በዓል…

ዓመት መጽአ 29 መስከረም ዝክረ ሰማዕትነት ቅድስት ኣርሴማ ኣብ ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስቲያን ዝኽበር ኮይኑ፣ ብስማ ዝተሓንፀ ቤተ ክርስቲያንን ዝተገደመ ደብረ...

“ብክዩ ኅዙናን ሐልየክሙ ስደታ . . . እቲ መሪር ስደታ”

ሕዝበ ክርስቲያን እዚ ቅንያት’ዚ ንስደት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ፍቁር ወዳ፡ ቅዱስ ዮሴፍን ቅድስት ሰሎሜን ካብ እስራኤል ናብ ግብጺ...

ተመረቕቲ ነገረ መለኮት መንእሰያት ኣባላት ትምህርት ሰንበት ንዝተማህርዎ ትምህርቲ ኣብ…

ብዕለት 20 መስከረም 2014 ዓ.ም. (30/09/2021.ፈ) ተመረቕቲ ነገረ መለኮት መንእሰያት ኣባላት ትምህርት ሰንበት ንዝተማህርዎ ትምህርቲ ኣብ ምትኅልላፍ ክተግሁ ኣብ ቤት...

ትምህርቲ ቀዳምነት ዝተወሃቦ ዕላማ ቅዱስ ሲኖዶስ!

ቀዳማይ ዕላማ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን፡ ቃለ ወንጌል ንሰባት ብምምሃር ናብ ርቱዕ እምነት ከምዝመጹን ብሃይማኖትን ሠናይ ግብርን ከምዝነብሩን ብምግባር ንዘለዓለማዊ መንግሥተ...

'ብዙኃን ማርያም'

21 መስከረም፡ ብዙኃን ሊቃውንት ኣብ በዓለ ማርያም ተጋቢኦም ክሕደት ኣርኂቖም ሃይማኖት ዘጽንዕሉ ንዝክረሉ ዕለት ስለ ዝኾነ ብዙኃን ማርያም ይበሃል። ኣብ ራብዓይ...

ጉባኤ ኤፌሶን (431 ዓ.ም.) 2ይ ክፋል

ነገረ ጉባኤ እቲ ጉባኤ ምስ ተጀመረ፣ ተኸሳሲ ንስጥሮስ ናብቲ ጉባኤ ቀሪቡ ትምህርቱ ከቕርብ ተሓተ። ጉባኤ ብምልኣት እንተዘይተአኪቡ ኣይመጽእን በለ። ሠለስተ ጊዜ...

በዓል ቅዱስ መስቀል 2014 ዓ.ም. ብዓቢይ ድምቀት ተባዒሉ!

ዓመት መጸ 17 መስከረም ብዓቢይ ድምቀት ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ክበዓል ከሎ፡ ብፍላይ ግና ኣብ ሀገረ ስብከት ኣሥመራ ኣብ ርእሰ...

ኃይሊ ቅዱስ መስቀል ኣብ ዘመነ ኣበው።

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ ኣብ ዘመነ ኣበው’ውን እንተኾነ ናይቲ ኺመጽእ ዘለዎ ኣማናዊ መስቀል ጽላሎት ኮይኑ ብዙኅ ተኣምራት ሰሪሑ እዩ፤...

ሓድነታዊ ጉባኤ ሓድሽ ዝተመርጸ ምምሕዳር ሰበካ ጉባኤን ምእመናን ኣባላት ሰበካ…

መሪሕነት ኣባላት ሰበካ ጉባኤ መድኃኔ ዓለም ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርቲያን ኤርትራ (ሉሳካ) ከምኡውን ምእመናን ምእመናት ነበርቲ ሃገረ ዛምብያ ብማእከልነት ቀሲስ...

ጉባኤ ማኅበር መላእ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣፍሪቃ ኣብ ሃገረ ዛምብያ ይካየድ…

ብማኅበር መላእ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣፍሪቃን(AACC) ብኣኣንጋድነት ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያናት ዛምብያ (CCZ) ተወዲቡ፡ ኣብ ዛዕባ ሕዝባዊ ዕዳን ብልሽውናን ምቁጽጻር ከምኡ’ውን...

  

latest articles

Transfiguration: (Debre Tabor)

This is the day celebrated on Nehase (August) 13 G.C. in which Our Lord Jesus Christ during his ministry, manifested...

PRAYER

Prayer is a word by which man communicates with his Creator in Faith, thanking and beseeching Him for the forgiveness...

FAITH AND WORKS

Faith is “a confidence or trust in God”. Faith gives assertion to the things we hope for and explains the...

The feast of the Holy Cross - Mesekel (The Founding…

The Mesekel holiday is celebreated on Meskerem 17 (27th of September) and Megabit 10 (19th of March). The word Meskel...

The Ascension of St Mary (part two)

Moreover, Whilst John the evangelist was preaching in the country of Asia, on the sixteenth day of the month of...

The Ascension of St Mary (part one)

"At your right hand stands the queen." (Psalm 45:9)IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY...

The Fast of Assumption of the Virgin Mary

This fast lasts from Nehassie (August) 1 to 16. Our Lady departed on 21 of Ter (January) in 50 A.D...

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...