“ኦ አርሴማ ኪዳነኪ ኮነ ለኃጥአን ቤዛነ” ብዝብል ድምቀት ክብረ በዓል ሰማዕት ቅድስት ኣርሴማ ተኸቢሩ!

Oct 11, 2021

ዓመት መጽአ 29 መስከረም ዝክረ ሰማዕትነት ቅድስት ኣርሴማ ኣብ ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስቲያን ዝኽበር ኮይኑ፣ ብስማ ዝተሓንፀ ቤተ ክርስቲያንን ዝተገደመ ደብረ ደናግል ዘለዎን ኣብ ሃገረ ስብከት ማእከል ዓዲ ሓውሻ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ቄርሎስ 5ይ ፓትርያርክ ዘሃገረ ኤርትራ፡ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ፡ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ፡ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ጳውሎስ፡ እመምኔት ገዳም ደብረ ደናግል ሰማዕት ቅድስት ድምያና ኢታይ ወለተ መስቀል፡ ገዳማውያን ኣቦታትን ኣደታትን፡ ሊቃውንት መዘምራንን ውሉደ ክህነትን፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽብሉ ተኸቢሩ።

ብመሠረት ሥርዓተ ዋዜማ ብድሮ ካብ ሰዓት 2፡00 ድ.ቀ. ክሳዕ 6፡30 ድ.ቀ. ንክብርን ሰማዕትነትን ቅድስት ኣርሴማ ዝገልጹ ዜማታትን ቅኔያትን ንባባት ቅዱሳት መጻሕፍትን ምስ በጽሐ ብጸሎተ ቡራኬ ብፁዕ ኣቡነ ጳውሎስ ተዛዚሙ።

ናይ ዕለት ስብሐተ ማኅሌት ካብ ምሸት ሰዓት 9፡00 ምስ ጀመረ፡ መዘምራን ካብ መልክዐ ኣርሴማ፡ ማኅሌተ ጽጌ፡ ሰቆቃ ወ፡ድንግል፡ መልክዐ ኢየሱስን እናዋፅኡ ብምዑዝ ዜማን ብዕልልታ ኣደታትን ክሳዕ ወጋሕታ ቆይሞም። ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ቄርሎስን ብፁዓን ሊቃነ ጳጳሳትን ጳጳስን ብተማሃሮ ትምህርተ ሰንበት “ኦ አባ ቅዱስ ዕቀቦሙ በስምከ . . .”ዝብል መዝሙር እናዘመረሎም ናብ ቤተ ክርስቲያን ኣትዮም። ንባብ ተአምራትን ኪዳንን ምስ በጽሐ፡ ብመርሕነት ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ጸሎተ ቅዳሴ ተሠሪዑ። ድኅሪ ጸሎተ ቅዳሴ፡ ታቦት ብኽብሪ ለባስያን ውሉደ ክህነት፡ ብቡራኬ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ቄርሎስ፡ ብመዘምራን፡ ምእመናንን ምእመናትን ተዓጂቡ ሠለስተ ሳዕ ዘይሩ ኣብ ዓውደ ምሕረት ምስ ቆመ፡ መዘምራን ነቲ ዕለት ዝምልከት ለዘብ ኣስሚዖም። ቀጺሎም’ውን ራእይ ዘለዎም ተማሃሮ ትምህርተ ሰንበት ‘ንነፍሲ አርሴማ መላእክት ብዝማሬ ተቐቢሎማ’ እናበሉ ሠለስተ መዛሙር ኣስሚዖም።

ምስ ሰማዕትነት ቅድስት ኣርሴማ ብምትኅኃዝ፡ ንህልው ኵነታት ሕይወት ሰባት ዝገልጽ ስብከተ ወንጌል ብመምህር መጻሕፍተ ሓዲሳት ዓቢይ ሊቅ ቤተ ክርስቲያንና የኔታ ክነፈ ርግብ ተዋሂቡ። መምህር ክነፈ ርግብ ኣብ ትምህርቶም፡ ገድለ ሰማዕት ቅድስት ኣርሴማ ብሓፂሩ ድኅሪ ምትራኽ፡ ሰማዕታት ከምቲ ጐይታ ኣብ ወንጌሉ ዝመሃረና ነቲ ንሥጋን ነፍስን ኣዋሒዱ ኣብ ገሃነም ዝድርቢ እምበር ንሥጋ ዝቀትሉ ንነፍሲ ግና ክቐትሉ ዘይከሎም ስለዘይፈርሑ ስለ ሃይማኖትም ብዙኅ ፀዋትወ መከራ ብምቕባል ኣክሊል ሕይወት ተቐበሉ” ድኅሪ ምባል ከምቲ ነቢይ ኢሳይያስ ዝበሎ “ንእግዚአብሔር ኣብ ዝርከበሉ ጊዜ ክንደልዮ ቀረባ ከሎ’ውን ክንጽውዖ ስለዝግባእ፡ ቅድሚ ኵሉ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ እምነትና ጸኒዕና ክንርከብ፡ እምነት ተስፋ ፍቕርን፡ ብፍላይ ከኣ ፍቕሪ ክንኅዝ ይግባእ” እናበሉ ሰፊሕ ትምህርቲ ምሂሮም።

ብምቕጻል መልእክቲ ገዳም ደብረ ደናግል ሰማዕት ቅድስት ኣርሴማ ምስ ተነበ፡ ጸሎተ ምህላ እግዚኦታ ተጸልዩ። ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ቄርሎስ ቃለ ቡራኬን ምዕዳንን ምስ ሃቡ፡ ታቦት ብኽብሪ ኣብ መንበር ክብሩ ተቐሚጡ። ኵሎም ነጋድያን ድማ በረኸት ሰማዕት ቅድስት ኣርሴማ ረኺቡ፡ ጸሎቱ ኣሥሚሩ፡ መክፈልት ጥዒሙ ተፋንዩ። በዚ ኸኣ ሰዓት 10፡30 ፍጻመ ናይቲ በዓል ኮነ።

No events found.

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ኣብ ሀገረ ስብከት ደቡብ መንደፈራ ንኡስ ሃገረ ስብከት ዓዲ…

ኣብ ሃገረ ስብከት ደቡብ መንደፈራ ንኡስ ሃገረ ስብከት ዓዲ ዃላ፡ ኣብ ፋይናንስን ምኅደራን ከምኡ ድማ ንጉዳይ ጥሮታን መምርሒታቱን ዝምልከት ስልጠና፡...

ክብረ በዓል ገዳም ደብረ ክሳሄ ወደብረ ማርያም አቡነ አብሳዲ ብድሙቕ…

“ኀበ ጽላሎታ ዘበጽሐ ኢይሬኢ ደይነ” ዓመት መጽአ 30 መስከረም ክብረ በዓል አቡነ አብሳዲ ኣብ ገዳሞም ደብረ ክሳሄ ወደብረ ማርያም አቡነ አብሳዲ...

“ኦ አርሴማ ኪዳነኪ ኮነ ለኃጥአን ቤዛነ” ብዝብል ድምቀት ክብረ በዓል…

ዓመት መጽአ 29 መስከረም ዝክረ ሰማዕትነት ቅድስት ኣርሴማ ኣብ ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስቲያን ዝኽበር ኮይኑ፣ ብስማ ዝተሓንፀ ቤተ ክርስቲያንን ዝተገደመ ደብረ...

“ብክዩ ኅዙናን ሐልየክሙ ስደታ . . . እቲ መሪር ስደታ”

ሕዝበ ክርስቲያን እዚ ቅንያት’ዚ ንስደት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ፍቁር ወዳ፡ ቅዱስ ዮሴፍን ቅድስት ሰሎሜን ካብ እስራኤል ናብ ግብጺ...

ተመረቕቲ ነገረ መለኮት መንእሰያት ኣባላት ትምህርት ሰንበት ንዝተማህርዎ ትምህርቲ ኣብ…

ብዕለት 20 መስከረም 2014 ዓ.ም. (30/09/2021.ፈ) ተመረቕቲ ነገረ መለኮት መንእሰያት ኣባላት ትምህርት ሰንበት ንዝተማህርዎ ትምህርቲ ኣብ ምትኅልላፍ ክተግሁ ኣብ ቤት...

ትምህርቲ ቀዳምነት ዝተወሃቦ ዕላማ ቅዱስ ሲኖዶስ!

ቀዳማይ ዕላማ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን፡ ቃለ ወንጌል ንሰባት ብምምሃር ናብ ርቱዕ እምነት ከምዝመጹን ብሃይማኖትን ሠናይ ግብርን ከምዝነብሩን ብምግባር ንዘለዓለማዊ መንግሥተ...

'ብዙኃን ማርያም'

21 መስከረም፡ ብዙኃን ሊቃውንት ኣብ በዓለ ማርያም ተጋቢኦም ክሕደት ኣርኂቖም ሃይማኖት ዘጽንዕሉ ንዝክረሉ ዕለት ስለ ዝኾነ ብዙኃን ማርያም ይበሃል። ኣብ ራብዓይ...

ጉባኤ ኤፌሶን (431 ዓ.ም.) 2ይ ክፋል

ነገረ ጉባኤ እቲ ጉባኤ ምስ ተጀመረ፣ ተኸሳሲ ንስጥሮስ ናብቲ ጉባኤ ቀሪቡ ትምህርቱ ከቕርብ ተሓተ። ጉባኤ ብምልኣት እንተዘይተአኪቡ ኣይመጽእን በለ። ሠለስተ ጊዜ...

በዓል ቅዱስ መስቀል 2014 ዓ.ም. ብዓቢይ ድምቀት ተባዒሉ!

ዓመት መጸ 17 መስከረም ብዓቢይ ድምቀት ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ክበዓል ከሎ፡ ብፍላይ ግና ኣብ ሀገረ ስብከት ኣሥመራ ኣብ ርእሰ...

ኃይሊ ቅዱስ መስቀል ኣብ ዘመነ ኣበው።

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ ኣብ ዘመነ ኣበው’ውን እንተኾነ ናይቲ ኺመጽእ ዘለዎ ኣማናዊ መስቀል ጽላሎት ኮይኑ ብዙኅ ተኣምራት ሰሪሑ እዩ፤...

ሓድነታዊ ጉባኤ ሓድሽ ዝተመርጸ ምምሕዳር ሰበካ ጉባኤን ምእመናን ኣባላት ሰበካ…

መሪሕነት ኣባላት ሰበካ ጉባኤ መድኃኔ ዓለም ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርቲያን ኤርትራ (ሉሳካ) ከምኡውን ምእመናን ምእመናት ነበርቲ ሃገረ ዛምብያ ብማእከልነት ቀሲስ...

ጉባኤ ማኅበር መላእ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣፍሪቃ ኣብ ሃገረ ዛምብያ ይካየድ…

ብማኅበር መላእ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣፍሪቃን(AACC) ብኣኣንጋድነት ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያናት ዛምብያ (CCZ) ተወዲቡ፡ ኣብ ዛዕባ ሕዝባዊ ዕዳን ብልሽውናን ምቁጽጻር ከምኡ’ውን...

  

latest articles

Transfiguration: (Debre Tabor)

This is the day celebrated on Nehase (August) 13 G.C. in which Our Lord Jesus Christ during his ministry, manifested...

PRAYER

Prayer is a word by which man communicates with his Creator in Faith, thanking and beseeching Him for the forgiveness...

FAITH AND WORKS

Faith is “a confidence or trust in God”. Faith gives assertion to the things we hope for and explains the...

The feast of the Holy Cross - Mesekel (The Founding…

The Mesekel holiday is celebreated on Meskerem 17 (27th of September) and Megabit 10 (19th of March). The word Meskel...

The Ascension of St Mary (part two)

Moreover, Whilst John the evangelist was preaching in the country of Asia, on the sixteenth day of the month of...

The Ascension of St Mary (part one)

"At your right hand stands the queen." (Psalm 45:9)IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY...

The Fast of Assumption of the Virgin Mary

This fast lasts from Nehassie (August) 1 to 16. Our Lady departed on 21 of Ter (January) in 50 A.D...

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...