ጥንታውያን ገዳማትን ኣድባራትን ኤርትራ ንዘመናት ዝተዓቀበ ታሪኽን ቅርስን ይሃልወን እምበር፣ ብሓፈሻ ኣብ ሕዝቢ ብፍላይ ከኣ ኣብዚ ሓድሽ ወለዶ ዘሎ ኣፍልጦ ትሑት ምዃኑ ብሰፊሑ ተዘሪቡሉ። ኣብ ሕገ ቤተ ክርስቲያን ኣንቀጽ 38ን 46ን ኣገዳስነት ምድብታርን ምዕቃብን ቅርሲ ብንጹር ተጠቒሱ እኳ እንተሎ፣ ከምቲ ዝግብኦ ከምዘይተሰርሓሉ ተሓቢሩ።
ታሪኽን ቅርስን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ህንጸት መንነት ቤተ ክርስቲያንን ሃገርን፣ ኣብ ምዕቃብ ሃይማኖትን ትውፊትን፣ ኣብ ምቅብባል ውርሻታትን … ወዘተ ዘለዎ ግደ ዓቢይ ብምዃኑ፣ ኣብ ህልዋንን ዝጠፍኡን ገዳማት ኤርትራ ማእከል ዝገበረ ኣፍልጦ ካብ ምብራኽ ጀሚሩ በብደረጅኡ ኣብ ዝርከቡ ኵሎም ዝምልከቶም ኣካላት ሰፊሕ ስራሕ ክስራሕ ከምዝግባእ ተገሊጹ።
ብመንጽር’ዚ ከኣ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ምስቲ ዘለዋ ኣዝዩ ጥንታዊ ታሪኽን፣ ብዝኂ ቅርስን ውርሻታትን ዝመጣጠን ማእከላዊ ቤተ መዘክር ዛጊት ከምዘይብላ ብምጥቃስ፣ መርኣያን መበገሲን ዝኾነ ቤተ መዘክር ምቋም ጊዜኡ ምዃኑ ተነጺሩ።
ዘሕብን ታሪኽን ቅርስታትን ኣብ ከርስና ሓቍፍና ክነስና ኣብ ስነዳን ኣተዓቃቅባን ቅርስታትና ግና ብመንጽር ተሞክሮ ገለ ኣኃት ኣብያተ ክርስቲያናትን ቅዱሳት መካናት ሃገር ቅድስት ኢየሩሳሌምን፣ ብዙኅ ከምዘይተሰርሐ ብምዝክኻር እዚ ወለዶ’ዚ ኣብ ምዕቃብ ታሪኹን ውርሻ ቅዱሳን ኣቦታቱ ብዙኅ ዕዮ ገዛ ከምዝጽበዮ ብፁኣን ኣቦታት ለበዋኦምን ማዕዶኦምን ኣቕሪቦም። ብዘይካ ገዳማትናን ኣድባራትናን ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ስዩማን ኣገልገልትን ሕዝበ ክርስቲያንን ከኣ መንነትና ብምዃኖም ኣብ ምዕቃብ ታሪኾምን ቅርስታቶም ከም ቀደሞም ጥንቁቓትን ንቝሓትን ክኾኑ ከምዝግባእ ብምዝክኻር ብገለ ገዳማትን ሰበኻታት ኣብያተ ክርስቲያናት ሃገርና ክግበር ዝጸንሐ ቤተ መዘክር ኣቝምካ ናይ ምዕቃብ መባእታዊ ጻዕሪ’ውን ክተባባዕን ክምጐስን ይግባእ ኢሎም።
ኣብ’ቲ ዝቐረበ መጽናዕቲ መሠረት ብምግባር ከኣ ኣብ ዕቃበ ንዋያተ ቅዱሳት፣ ቅዱሳት መጻሕፍትን ብራናታትን፣ ኣልባሳት፣ ታሪኽ ገዳማት፣ ታሪኽ ቅዱሳን አበው ኤርትራ፣ …. ኣብ ዝብሉ ኣርእስቲ ዝተኸፋፈለ ሓደ ንኡስ ቤተ መዘክር ንምቋም ኣብ ምርድዳእ ተበጺሑ። ኣጋይሽ በጻሕቲ ጥራይ ዘይኮነስ ተምሃሮ ትምህርቲ ሰንበትን እዚ ሓድሽ ወለዶ ቤተ ክርስቲያንን ምስ ታሪኽን ውርሻን ዝቐደሙ ኣበው ወእማት ዝዛመደሉን ዝመሃረሉን ባይታ ኮይኑ ከገልግል ከኣ ኣድላዪ ባይታ ክፍጠረሉ ከምዝግባእ ተገምጊሙ።