ኣብ ቤት ትምህርተ ሰንበት ደብረ ሰላም መድኃኔ ዓለም (ደቀምሓረ)፡ ብፁዕ ኣቡነ ቄርሎስ ሊቀ ጳጳስ ሀገረ ስብከት ደቡብ ብሓዋርያዊ ዑደት ኣብ ከተማ ጾሮና ውዒሎም ደኺምኒ ከይበሉ ብመንፈሳዊ ጽንዓት ጽላልን ክብርን ኮይኖም ነቲ ጉባኤ ብጸሎት ከፊቶሞ።
ብድኅር’ዚ ብስብከተ ወንጌል ዝተሰነየ ያሬዳዊ ወረብን መዛሙርን መንፈሳዊ ተዋሥኦን ካልእን ቀሪቡ። ኣብዚ ኃለፍቲ ሃገረ ስብከት ደቡብ፡ ውሉደ ክህነት፡ ወለዲ፡ መንእሰያት፡ ሕፃናት ዝተሳተፍዎ ጉባኤ ብፁዕ ኣቡነ ቄርሎስ ቃለ ምዕዳንን ቡራኬን ምስ ሃቡ ብጸሎትን ምህላን ተፈጺሙ።
ብተመሳሳሊ ኣብ ቤት ትምህርተ ሰንበት ደብረ ሣህል ቅዱስ ጊዮርጊስ (መንደፈራ)፡ ኃላፊ ክፍሊ ትምህርተ ሰንበት ዘመንበረ ፓትርያርክ ቀሲስ ተኽሎም ተስፋልደት ከምኡ’ውን ኃለፍቲ ሃገረ ስብከት ደቡብ፡ ውሉደ ክህነት፡ ወለዲ፡ መንእሰያት፡ ሕፃናት ኣብ ዝተሳተፍሉ ንኃላፊ ዘይኮነስ ንዘለዓላማዊ፡ ንምድራዊ ዘይኮነስ ንሰማያዊ፡ ንሥጋዊ ዘይኮነስ ንመንፈሳዊ . . . ኽንጥምት ዝሕግዙና ሰማያዊ ምሥጢር ኃዘል መደባት ቀሪቦም።
ብድኅር’ዚ ‘አመ ከመ ዮም ያብጽሐነ/ እንቋዕ ኣብጽሓና’ እናተበሃሃሉ ብመንፈሳዊ ሓበንን ጸሎትን ምህላን እቲ ጉባኤ ተፈጺሙ!