ታቦት ብውሉደ ክህነት፡ ሊቃውንት፡ ትምህርቲ ሰንበትን ምእመናንን ምእመናትን ተዓጂቡ ኣብ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን ሠለስተ ጊዜ ዘይሩ ኣብ ዓውደ ምሕረት ምስ ቆመ ሊቃውንት መዘምራን ብዕልልታን ጣቕዒትን ምእመናን ተሰንዮም ከሸብሽቡ ከለዉ፡ ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ድማ መሣጥን ድሙቕን መዛሙር ኣስሚዖም። ቀጺሎም ኣመኃዳሪ ደብረ ሰላም ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን ሊቀ ካህናት ሰሎሞን ገብረኣምላክ ኵነታት ኣመሠራርታን ዝተኃልፈ መሥርሓትን ብዝርዝር ድኅሪ ምግላጽ ቃል ምስጋና ምምኅዳር ሰበካ ጉባኤ ኣቕሪቦም።
ኣባል ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ዝኾኑ ብፁዕ አቡነ ዜና ማርቆስ ሊቀ ጳጳስ፡ ነቲ በዓል ዝምልከት ኣስተምህሮን፡ ናይ ክልተኦም ሕዝብታት ምክብባርን ተሰማሚዕካ ኣብ ሓደ ቤተ ክርስቲያን ምግልጋልን ኣዝዩ ከምዘሐጕሶምን ብናይ ዕድመ በዓል ጸጋ ብፁዕ ኣቡነ ቄርሎስ ሓዋርያዊ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ኣዝዮም ከምዝተመሰጡ ገሊጾም።
ኣመኃዳሪ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ማርያም ጁባ ቀሲስ ሳሙኤል ቀሲስ ኣብርሃ፡ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ‘ነዚ ቤተ ክርስቲያን ብፍቕርን ሕውነትን ሓቢሮም ምሕናፆም ሓደ ካብ ትእዛዛት እግዚኣብሔር ምፍጻም ምዃኑ ተዛሪቦም። ኣብ መወዳእታ “ሰላመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ” ተባሂሉ ጸሎተ ምህላ ምስ ተጸለየ ብቡራኬን ጸሎትን ብፁዕ ኣቡነ ቄርሎስ ታቦተ ሕጉ ናብ መንበሩ ኣትዩ።
ብምኽንያት’ዚ ዕለት ኣብ ዝተሠርዐ ናይ ምሳሕ እንግዶት ሰበ ሥልጣን መንግሥቲ ሩዋንዳ፡ ናይ ዝተፈላለየ ሃገራት ኣምባሳደራትን ካልኦት ዕዱማት ኣጋይሽን ተሳቲፎም ነይሮም።
ካብ ኢድ ብፁዕ ኣቦና፡ ኣሥራሒት ኮሚተ ሕንፃን ፍሉይ ኣበርክቶ ዝገበሩን ናይ ምስጋና ወረቐት ክወሃቡ ከለዉ ንኣቶ ተኽላይ ጠዓመ ድማ ብቅዱስ ሲኖዶስ ዝተላእከ ምስክር ወረቐት ተዋሂቡ።
እዞም ኣብ ሃገረ ሩዋንዳ ከተማ ኪጋሊ ዝነብሩ ሕዝበ ክርስቲያን ብቝጽሪ ኂደት እኳ እንተኾኑ ቅንዓት ሃይማኖቶም ዓቢይን ተግባሮም ብዙኅን ብምዃኑ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ብፍቓድ ቅዱስ ሲኖዶስ ታቦትን ካህንን ተቐቢሎም ኣብቲ ክግልገልሉ ዝጸንሑ ጊዜያዊ ቦታ ድኅሪ ምጽናሕ፡ ምሉእ ዋንነት ቤተ ክርስቲያን ዝኾነ ሓድሽ መሬት ዓዲጎም ሓድሽ ቤተ ክርስቲያን ብምሕናፅ ንምምራቕ በቒዖም ኣለዉ።